2012-12-08 09:18:18

ፅንሰታ ለማርያም


ንባባት፡ ኤፈ 1፡3~12፥ 1ጴጥ 1፡1~10፥ ግ.ሓ. 10፡9~ፍ፥ ሉቃስ 1፡ 26~38
ስብከት፡መሰረታቲሃ ውስተ አድባር ቅዱሳን ያበድሮን እግዚአብሔር ለአናቅጸ ጽዮን እምኩሉ ተዐይኒሁ ለይዕቆብ። መዝ. 86፡1~2
ሎሚ አብዚ ዓዲ እንርከብ ዝኽሪ ብዓልና ደብረ ጽንሰታ ለማርያም ዘኪርና ነብዕል አሎና። አብ ዓመት ፈሊና ምስ አደ አምላኽ ክንውዕል መሪጸናዮ ዘኪርና አሎና። እዚ ዕለት ንፍሉይ አስተንትኖን ንዘሎናዮ ሕይወት ርኢና ክንክእል ምእንቲ እዩ። ማርያም መንጎኛ አምላኽን ሰብን ኮይና ድኅነት ብኢየሱስ ክርስቶስ አምጺአትልና ፍሉይ መዓልቲ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ፅንሰታ ለማርያም ክንብል እንከሎና እንታይ እዩ ትርጉሙን ርድኢቱን ኢልና ክንፈልጥ ግቡእ እዩ።
ኩሉ ጊዜ ብዛዕባ ማርያም አብ እምነትና ዘሎ ክንርዳእ እንተ ኾና ክንፈልጦ ዘሎና መሰረታዊ ነገራት አሎ፡

ማርያም ካብ መጀምርያ ካብ አብአን አዲአን እያቄምን ሃናን ክትጽነስ እንከላ ብዘይ ዝኾነ ኃጢአት ተጸኒሳ። እዚ ዓምዲ እምነት ምንም እኳ ካብ መጀመርያ እምነት ቤተ ክርስትያን ይንበር እምበር ብአዋጅ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጵዮስ ፱ ብ 8 ታሕሣሥ 1854 ዓ.ም.ጎ. ብዕሊ ተአዊጁ። ትሕዝቶን ርድኢትን ናይ እዚ ዓምዲ እምነት ማርያም ካብ መጀምርያ ካብ ዝኾነ ናይ አቦና አዳም ኃጢአት ነጻ ኮይና ተወሊዳ። ካብ አብአን አዲአን በቲ ልሙድ ስጋዊ ርክብ ትወለድ እምበር እግዚአብሔር ብፍሉይ ክእለቱ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻገሩ ፈጢርዋ። ነዚ ክርዳእ አብ ተፈጥሮ ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋን ክንከይድ ይግባእ። ንሶም ከም መበቆል ደቂ ሰብ አብ ጸጋ አምላኽ እዮም ተፈጢሮም። ክልቲኦም ናይ መጀመርያ ሰብ ስለ ዝኾኑ ናይ ኩልና ደቂ ሰብ ወለዲ እዮም። አዳም ብስጋ ጥራሕ አይኮነን ቀዳማይ ፍጥረት ናይ ዓለት ደቂ ሰብ። ንሱ ናይ ኩሎ ሞራላዊ ሕይወት ሰብ እውን መጀመርያ እዩ። እግዚአብሔር ፈቲንዎ። እዚ ማለት ከአ አዳም እሙን ኮይኑ ንፈተና እንተ ተዓወተ ኩሎም ደቂ ሰብ ይዕወቱ ንፈተና እንተ ወደቐ ከአ ኩሎም ደቂ ሰብ ይወድቁ። ስለዚ ሰማይዊ ጸጋ ክንወርስ ወይ ክንስእን ዕድልና አብቲ ውሳኔ ቀዳማይ አዳም ዝገብሮ ተወሲኑ።
ኩልና ክም እንፈልጦ አዳም ኃጢኡ ጸጋ አጥፊኡ ንርእሱ ጥራሕ ዘይኮነን ንአና እውን ቦታና ሒዙ ስለ ዝነበረ ወሲኑልና። ሳዕበን ናይ እዚ ኩልና ክንወልድ ከሎና ጸጋ አምላኽ ዝጎደለና ኮና ንውለድ፥ ቤተ ክርስትያን ነዚ ጎደሎ ጸጋ ዝኾነ ኩነታትና “ናይ አዳም ኃጢአት” ትብሎ። ክንለብሶ ዝግብአና ነቲ እግዚአብሔር ክንቅበሎ ኢሉ ዝሃበና አጉዲልና ንውለድ። ብጻጋ ክርስቶስ በቲ ንሱ ሓሚሙ ተሰቒሉ መይቱ ትንሢኡ ዘምጽኦ ብጸጋ ጥምቀት ነዚ ዘጥፋእናዮ ጸጋ እንደገና ክንዕደል። ወረስቲ ሰማይ ንኸውን።
እዚ ኹሉ ምስ ናይ ማርያም ብዘይ ኃጢአት ምጽናስ እንታይ ርክብ አልኦ? ናይ አዳም ኃጢአት ናብ ኩልና ብናይ ባህራውያን ወለድና ገሩ እዩ ዝመሓላለፈልና። ማርያም ክጥነስ እንከላ ከም ኩሉ ሰብ ብባህርያዊ መገዲ ካብ አብአን አዲአን እያ ተጸኒሳ ስለዚ ንሳ እውን ብኃጢአት ተለኺፋ ማለት ድዩ? አብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት አበው ናይ ማርያም ምስ ኩሎም ደቂ ሰባት ዘልአ ርክብን ካብ ኃጢአት ነጻ ከም ዝኾነት ከረድኡ ኢሎም ብዙሕ ጽዒሮም።
ኃጢአት አዳም ወልእካ ናይ አዳም ናይ ግሉ ኃጢአት ናትና ናይ ነፍስወከፍና ኃጢአት አይኹን እምበር ካብ እግዚአብሔር ምፍላይ ማለት እዩ። ወዲ ጥፍአት ንዝኾነ ክፉእ ነገር ቅሉዕ ምዃን ማለት እዩ። ገለ ካብ አበው ማርያም ንሓንቲ ደቒቕ እውን ይኹን አብ ትሕቲ ሓይሊ ሰይጣን ኮይና ትፈልጥ ማለት ድዩ እናበሉ ይሓቱ።
ብዙሓት ካቶሊካውያንን ነዚ ብዙሕ ምርምርን መጽናዕትን ድሕሪ ምግባር አብ ሓደ ሓባራዊ ደምዳሚ ርድኢት ክበጽሑ ክኢሎም። ማርያም ካብ ናይ አዳም ኃጢአት ነጻ ኮይና ተወሊዳ። ነዚ ዘረድእ ብተዘዋዋሪ አብ ቅዱስ መጽሓፍ መረጋገጺ ክንረክብ ንኽእል ኢና። አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብንጹር ማርያም ብዘይ ኃቲአት አዳም ተወሊዳ ዝብል አይንረክብን ኢና።
ብዙሓት አበው ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጠቕስዎም እዞም ዝስዕቡ እዮም። ዘፍጥረት 3፡15 “አብ መንጎኻን አብ መንጎ እዛ ሰበይትን አብ መንጎ ዘርእኻን አብ መንጎ ዘርአን ከአ ጽልኢ እተክል አሎኹ፥ ንሱ ርእስኻ ኺጭፍልቕ እዩ፥ ንስኻ ድማ ሸኾናኡ ኽትነክስ ኢኻ” እዚ እቲ እግዚአብሔር ንተምን ዝበሎ እዩ። ክትርጎም እንከሎ ካብ ዓለት ሄዋን ዝውለድ (ክርስቶስ) ንሰይጣን ጭሪሹ ክስዕሮ እዩ፥ እንተ ኾነ እቲ ሰይጣን አብ ገለ አብ ምስቓይ (ክርስቶስ) ክዕወት እዩ (አብ ተኸተልቱ ብምኽንያት ኃጢአት)። አብዚ እታ ሰበይቲ ተባሂላ ዘላ ካብ መጀመርያ ብዙሓት አበው ንማርያም ከም ዘመልክት ይዛረቡ። ብዙሓት ናይ ዘመና ሊቃውንቲ እውን ማርያም ካብ ናይ ሰይጣን ሓይሊ ነጻ ኮይና እንተ ዘይትከውን ድኅነት አይኾነን ይብሉ። ስለዚ ማርያም አብዚ ዓለም ብዘይ ኃጢአት ክትአትዎ ጥራሕ እዩ እቲ ዕድል። ሉቃስ 1፡28 “እቲ መልአኽ አብቲ ንሳ ዝነበረቶ አትዩ ‘ሰላም ንአኺ ኦምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ንስኺ እንካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ’በላ”። ሉቃስ 1፡41 “ኤላቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት እቲ ሕፃን አብ ከርሣ ተሰራሰረ”።
ፕዮስ ፱ ነዚ ናይ ማርያም ብዘይ ኃቲአት ምጽናስ ክገልጹ እንከለዉ “ቅድስት ድንግል ማርያም ካብታ መጀምርያ ካልኢት ጽንሰታ ብፍሉይ ጸጋን ንሓይሊ ከአል ኩሉ አምላኽን ብመንጽር አደ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ክትከውን ስለ ዝኾነትን ካብ ኩሉ ሳዕቤን ኃጢአት አዳም ነጻ ኮይና ተፈጢራ” ይብሉ።
ማርያም ከማና ሰብ እንተ ኮይና ጓል አዳም ኢያ ስለዚ ምስ ኃጢአት አዳም ክትውለድ ግድን እዩ ዝብሉ አለዉ። ኩልና ብስንኪ አዳም ተጋጊና ኢና ስለዚ ናይ ክርስትስ ድሕነት የድልየና እዩ። እዚ ንብዙሓት ከቢድ እዩ። እንተ ኾነ አብ ሉቃስ 1፡28 “እቲ መልአኽ አብቲ ንሳ ዝነበረቶ አትዩ ‘ሰላም ንአኺ ኦምልእተ ጸጋ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ ንስኺ እንካብ አንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ በላ”። ምልእተ ጸጋ ምዃን ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻ ከም ዝኾነት እዩ ዝገልጽ። ንሳ አብ ቅድሚ አምላኽ መጎስ ከም እትረክብ ዝገበራ ካብ ዝኾነ ኃጢአት ነጻ ኮይና ስለ እተረኽበት እዩ። እዚ ንማርያም ዝተዋህበ ጸጋ ፍሉይ ጸጋ ካብ አምላኽ እዩ። እዚ ምልእተ ጸጋ ምኻና ኸአ ንምሉእ ሕይወታ እምበር አብ ገለ እዋን እተጥፍኦ አይኮነን።
አብ ሉቃስ ኤልሳቤጥ ድምጺ ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት እቲ ሕፃን አብ ከርሣ ተሰራሰረ፡ እዚ ናይ ማርያም ጸጋ ምስቲ ናይ እግዚአብሔር ጸጋ አብ ልዕሊ ትስብእቲ ክርስቶስ ዝሓደረ ማዕረ ማዕሪኡ ይርአ። እዚ ዝሕብሮ ከም ክርስቶስ ማርያም እውን ካብ መጀምርያ ምፍጣራ ካብ ኩሉ ኃጢአት ነጻ ከምዝኾነት ይገልጽ። ንሳ ጓል አዳም ስለ ዝኾነት ድሕነት የድላይ እዩ። ብዙሓት አበውን ዓበይቲ ሊቃውንትን ከም ብዓል ቅ. አልበርት ዓቢይ ከምኡ ቅ. ቶማስ ብዓል አኲኖ ማርያም ከምቲ ቅ. ዮሓንስ አብ ከርሲ አዲኡ እንከሎ ዝተቀደሰ ማርያም እውን አብ ከርሲ ወላዲታ እንከላ ተቐዲሳ ይብሉ። ስለዚ ክትውለድ እንከላ ብዘይ ኃጢአት አዳም ተወሊድ ማለት እዩ። እንተ ኾነ ክጥነስ እንከላ ኃጢአት ለቢሳ ማለት እዩ። እዚ አተሓሳስባ አብ ቤተ ክርስትያን ንነውሕ ጸኒሑ። እንተ ኾነ ካብ ሓምሻይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ማርያም እታ ዝነጽሐት ፍጥረት እያ ስለዚ ካብ መጀመርያ ኃጢአት ዝብሃል አይተንከፋን ዝብል እውን ነሩ። አብ ምስራቅ ካብ ሻምናይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ አብ ልጡርግያ ብዘይ ኃጥአት ምጽናሳ ዝብዓል ብዓል ነሩ እዩ።
ነዚ ክፈትሑ ክልተ ዓበይቲ ሊቃውንቲ ደቂ ማሕበር ፍራንቸስኮስ ዊልያም ብዓል ወየር (William of Ware and John Duns Scotus) ዝተባህሉ ሓሳብ አቕሪቦም “anticipatory redemption” or “preredemption”. “አቐዲሙ ዝፍጸም ድሕነት” እዚ ማለት ከአ ማርያም ወላ እኳ ብናይ ኃጢአት አዳም ክትንከፍ እንተ ነበራ ፍሉይ ሰማያዊ ውሳኔ ካብኡ ነጻ ከም እትኸውን ገርዋ እዚ ኸአ በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘምጽኦ ድሕነት አቐዲምካ ብምርአይ እዩ። ነዚ ሓሳብ አብ ግምት አእትዮም እዮም ፕዮስ ፱ ነዚ ዶግማ ዝአወጁ።
ካልእ ርድኢት ናይ እዚ ዶግማ ኸአ እግዚአብሔር ናይ ማርያም ነፍሲ ክፈጥር እንከሎ አብቲ ናይ አብአን አዲአን ርክብ አብቲ ንቋቍሖ ክሕውሳ እንከሎ ምልእተ ጸጋ ገሩ ሓዊስዋ እዚ ኸአ ብመንጽር አደ አምላኽ ክትከውን ምዃና ተራእዩ እዩ። ኩሉ ዝተዋህባ ጸጋ በቲ አደ ክርስቶስ ክትከውን ምዃና ተፈሊቱ እዩ። ንሳ ዝኾነ ኃጢአት ስለ ዘይተንከፋ እታ ዝነጽሐት ፍጥረት እያ። ንሳ ካብ አብ ኃጢአት ዘዘንብል ካብ ኃጢአት ነጻ ዝገብር ብብዝሒ ይርከባ ስለዚ ካብ ኃጢአት ነጻ እያ።
እዚ ተሎጋዊ መግለጽታት ዝለዓለ መግለጺ እዩ እምበር ምሉእ መረጋገጺ አይህበናን እዩ ግን ዓቢ መብርሂ ነቲ ዶግማዊ እምነት ክውሰን ሓጊዙ። እቲ ዝዓበየ መርትዖ እምነትና ካብታ ዘይትስሓሓት ቤተ ክርስትያን ስለ ዝተአወጀ እዩ። ንሳ መንፈስ ቅዱስ መሪሕዋ እትእውጆ ኩሉ ምልአት ሓቂ ከም ዘልኦ እምነትና እዩ።
እዚ ናይ ሎሚ ብዓልና እንታይ ክንዝክር ይሕግዘና።

እምብአር ሰንበትና ካብ ግዙፍን መንፈሳውን ዑረት ሕልና ነጻ ወጺእና ምስ ማርያም ኮና ጣዕሚ ደቂ አምላኽ ምዃን ርኢና ክንክእል ዝሕግዘነ እዩ። አብ ቅድሚ መድኃኔ ዓለም ደው ኢልና ክንሓዊ ንደሊ አሎና ኢልና ድለትና ክንገልጸሉ። እቲ ዕዉር ቀስብቐስ እንታይነት ኢየሱስ ክርእን ክቅበልን ክኢሉ አብ መወዳእታ አሚኑ ተቐቢልዎ። ንሕና እውን ዕለት ዕለት ብእምነት ክንዓቢ ንአምላኽ ሓግዘኒ ምስጢር ድሕነተይ ክፈልጥ ልበይ ናትካ ግበሮ ንበሎ።
ኦ ማርያም አደና ንስኺ ካብ ምጀመርያ ንጽሕቲ ኢኺ። አምላኽ ፍሉይ ጸጋ ዓዲሉኪ ንሕና እውን በቲ ዝዓደለና ክንከይድ ጸጋ ክንለብስ እሞ እሙናት ደቅኺ ክንከውን ሓግዝና ንበላ። አውድአመትና በረከትን ጸጋ ዘውርድ ንግደትና ንግደት ኢየሩሳሌም ክገብረልና እናጸልና አብ መንጎና እቲ እንደልዮ ጸጋ ብአማላድነት ወላዲቱ አኻዕቢቱ ክህበና ንለምኖ። ኦ ማርያም አደና ናትኪ ኮና ክንበር ንወድኺ ብኹሉ ግብርና ክነሓጉሶ ለምንልና ንበላ።
ብሩኽ ሰንበትን ብዓል ፅንሰታ ለማርያም ይግበረልና አብ ሃገርናን ዓለምናን ሰላምን ፍቕርን አውሪዱ ብሩክ አውድአመት ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.