2012-12-08 14:48:03

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ መልአከ እግዚአብሔር ጉባኤ አስተምህሮ (08/12/2012)
ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ (ሉቃ. 1,45)


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 8 ታሕሳስ ብላቲን ሥርዓት ዝበዓል ዓመታዊ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ምኽንያት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ወጻእን ውሽጥን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ተቐቢሎም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፦
ዝተፈተኹም ኣሕዋተይን ኣሓተይን
ሰናይ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም ምስ በሉ፣ ኣብዚ እነብዕሎ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት ኣብታ ፍጹም ድልውነትን ተሓባባርነትን ዝተረኽበላ ህያብ ናይ እግዚኣብሕር ጸጋ ዝኾነት ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ዝተጸንሰት ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ከነስተንትን ድላዮም ከምዝኾነ ገሊጾም፣ በዚ መሠረት’ዚ ድማ ኣብ እግዚኣብሔር ጽኑዕን ነቕ ዘይብል እምነት ከምዘለዋ ሉቃ. 1፣45 “ስለ ዝኣመንኪ ብፅዕቲ ኢኺ” እንክብል የረጋግጸልና ኢሎም፦ “ማርያም ነቲ ነብያት ቅድም ክብል ዝተኣወጀ ዝተረፈ ክፍሊ ሕዝበ እስራኤል ቢሎም ዝገልጽዎ ሕዝቢ እትውክል እያ፣ እግዚኣብሔር ኣብኣ ናይቲ ኦሪት ቃል ኪዳን እንገዳ ይረክብ። እቲ ቃል ስጋ ለቢሱ ኣብ መንጎና ንኽሓድር በቲ እነኹልካ ዝብል ናይ ማርያም መልሲ እግዚኣብሔር እንገዳን መዕረፍን መልስን ረኽበ፣ ብማርያም መላእ ዘርኢ ሰብን ታሪኽን ንእግዚኣብሔር ብሓቂ ጸጋኡ ንምቕባልን ፍቓዱ ንክፍጽሙን ክፉታት ኮይኖም። ማርያም ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ ቅኑዕ መግለጺ እያ። ብሉይ ኪዳን መርዓት ቢሎም ንዝምስልዋ ሓዳስ እስራኤል እትውክል እያ” ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ንኤፈሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ምዕራፍ 5 ካብ ፍቕዲ 25-27፤ “… ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ብቓልን ብምሕጻብ ማይን ኣጽርዩ ምእንቲ ኪቕድሳ ርስሓት ወይ ዕጣር ወይ ድማ ንእኡ ዚመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ ቅድስትን መንቅብ ዘይብላን ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ ናብኡ ምእንቲ ኬቕርባ ኣብ ክንድኣ ገዛእ ርእሱ በጃ ክሳዕ ምሃብ ዘፍቀራ…” ዝብል ቃል ጠቒሶም ኣበው ቤተ ክርስትያን ነዚ ቃል’ዚ እቲ ንጽሕቲ መንቅብ ዘይብላ ዝብል ቃል ክፍሊ ዓንቀጸ እምነት ቤተ ክርስትያን ጽንሰታ (ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም) ለማርያም ንቤተ ክርስቲያን “ንጽሕቲ ኣደ” ዝገልጽ ከምዝኾነ የስተምህሩ፣ ስዒቡ ድማ ንማርያም ዝውክል ከምዝኾነ ከምዘረድኡ ቅዱስ ኤፍረም ሶሪያዊ፦ “ከምቲ ኣካላት ዝሓጥኡን ዝሞቱን ኣዲኦም መሬት እውት ዝተረግመት እያ (ዘፍ. 3፣ 17-19)፣ ከምኡ ድማ በቲ ኣካል ማለት ዘይትበርስ ቤተ ክርስቲያን ምድራ ካብ ጅማረ ኣትሒዙ ዝተባረኸ እዩ። እቲ ዘይበርስ ኣካል ማርያም እቲ ዘርኢ ነኸፍሪ ዝተዘርኦ ቤተ መቕደስ እያ” (ኣብቲ ‘Diatessaron-ካብ ኣርባዕተ ወንጌላውያን’ እተሰምየ ቲዮሎጊያዊ ናይ ምክልኻል ድርሰቱ ምዕ. 4, 15, 121,101)” ጠቒሶም ድሕሪ ምርዳእ፣ እቲ ካብ ምስሊ ማርያም ዝምንጭ ብርሃን ሓቀይና ትርጉም ሓጢኣት ኣዳም ክንርዳእ ከምዝድግፈናን ሓቢሮም፣ ኣብ ማርያም እቲ ንሓጢኣት ዘጥፍእን ዝበትኽን ምስ እግዚኣብሔር ዝጸንዕ ርክብ ብምልኣት ህያው እዩ። ኣብ ማርያም ኣብ መንጎ እግዚኣብሔርን ምዃናን ተቓውሞ ከምዘየሎን፣ ምሉእ ሱታፌን ምሉእ ምርድዳእን ከምዘሎ ንርዳእ። ‘ኣነዅልካ’ ዝብል መልሲ ማርያም ናይቲ እነኹ ዝብል ሓባራዊ ናታን ናይ እግዚኣብሔርን መልሲ ዘጋጥም እዩ። ማርያም ካብ ሓጢኣት ኵሉ ናጻ እያ፣ ስለምታይሲ ኩለመነኣ ብምልኣት ናይ እግዚኣብሔር ስለ ዝኾነት እዩ። ገዛእ ርእሳ ንብረት እግዚኣብሔር ስለ ዝገበረት እዩ። ብጸግኡን ፍቕሩን ዝተመልኤት እያ” ምስ በሉ ኣብ መወዳእታ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም እቲ እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል ከምእተፈጸመ ዝገልጽ እምነት ምዃኑን እቲ ቃል ኪዳኑ ዘይጠልምን ዘይፈሽልን ከምዝኾነን እቲ ብመላእ ዓለም ብሩኽ እዩ ዝበሃል ኢየኡስ መድሃኔ ኣለም-ዝተባረኸ ፍረ ዘጠጥዕ ቅዱስ መሰረት ከምዘንበረላ ዘረጋግጽ ዓቢይ በዓል እዩ። እዚ በዓል’ዚ ጸጋ እግዚኣብሔር እቲ ናይ እግዚኣብሔር ተኣማንነት ዘመንጭዎ ናይ ተኣማንነት መልሲ ዘነቓቕሕ እዩ ቢሎም ንኹሎም ርሑስ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ተመንዮም ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.