2012-12-01 16:10:15

ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ብፁዓን ጳጳሳት ፈረንሳ ተቀቢሎም አዘራሪቦም ፡


ብፁዓን ጳጳሳት ፈረንሳ አብ ቫቲካን ቪሲታ አድ ሊሚና የካይዱ ከም ዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ ትማሊ ምስ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝተራኸቡ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ አፍሊጡ ።
በዚ መግለጺ”ዚ መሠረት በነዲክቶስ መበል 16 ምስቶም ጳጳሳት አብ ዝተራኸብሉ ግዜ ከም ዘመልከትዎ ፡ሐዲሽ ስብከተ ቅዱስ ወንጌል ዕዉት ዝኸውን ድንቁርና እምነት ምስ ዝምከት ኢዩ።
ክርስትያናዊ ተስፋ አብ ፈረንሳን ኤውሮጳን እንደገና ምእንቲ ክዕንብብ ምእመናንን መንእሰያትን አብ ዳግመ ስበት ቅዱስ ወንጌል አተኲሮም ምስ ዝንቀሳቀሱ ከም ዝኾነ ከም ዘገንዘቡ እቲ መግለጺ አተሐሒዙ አገንዚቡ ።
ናይ ዘመና ዓቢይ ሽግር ካቶሊካውያን ምእመናን ሐዊስካ ድንቁርና ወይ ክአ መሠረታዊ ፍልጠት እምነተ ሃይማኖት ተኸሲቱ ስለ ዘሎ ከም ዝኾነ በነዲክቶስ መበል 16 ንብፁዓን ጳጳሳት ፈረንሳ ከም ዝገለጽሎም መግለጺ ቅድስቲ መንበር እተሐሒዙ አመልኪቱ ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዶክቶስ ንጳጳሳት ፈረንሳ አብ ዝገበርዎ ዲስኩር አተሐሒዞም ማንነት ኢየሱስ ክርስቶስን ዝሀቦ ትምህርትን ብዝግባእ ዘይምግንዛብ ድርብ ሽግር ስለ ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ነዚ ሽግር”ዚ አብ ምፍታሕ ብርቱዕ ስራሕ ይጽበያ ከም ዘሎ አጽኒዖም ከም ዘተሐሳሰቡ ተነጊሩ ።
ሐዲሽን ዳግመ ስብከተ ቅዱስ ወንጌልን ዓመተ እምነትን ነቲ ዝሀስስ ዘሎ ተረድኦ እምነተ ክርስትና ከበራብር ትጽቢት ይግበረሉ ከም ዘሎ ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዝግለጹ ተፈሊጡ አሎ ።
እዚ ክዉን ክኸውን ካአ ጸሎትን አስተንትኖን መንፈሳውነት ከም ዘድሊ ከም ዘመልከቱ ተገሊጹ ።
አብ ምዕራብ ክፍለ ዓለም ማለት አብ ኤውሮጳ ጸዋዕታ ክህነት ይውሕድ ከም ዘሎ ጠቂሶም ክአ አብዚ ክፍለ ዓለም”ዚ ትርከብ ቤተ ክርትያን በዚ ክትስከፍ ከም ዝግብአን ዜና ሰናየ ቃለ እግዚአብሔር እንደገና ንምንጋር ክትዋፈር ከም ዝግባእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከም ዘገንዘቡ እዚ አብ ቅድስቲ መንበር ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ ።
አተሐሒዞም ሥነ መለኮት ምንጪ ፍልጠት ከም ዝኾነ ጠቂሶም እዚ ምንጪ ፍልጠት”ዚ አብ አባላት ቤተ ክህነት ጥራሕ ተሐጺሩ ክተርፍ ከም ዘይብሉ ንምአማንን ንሰብ ጽቡቅ ድላይን ክውሀብ ከም ዘድሊ አመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.