2012-11-27 13:00:04

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት፦ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዓለምን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቶም ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 24 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ናብ ማዕርገ ካርዲናል ከብ ነዘበልዎም ሽዱሽተ ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላትን ስድራ ቤቶምን ካብ ሰበኻታቶም ዝተዋጽ ምእመናን ትማሊ ዕለት 26 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ መልእኽቲ፦ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን መላእ ዓለምን ኣሚቱ ንዝግበር ጻዕሪ ከምእተበራትዕ” ሓቢሮም ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት “ኣብ ምፍቃር ንቤተ ክርስትያንን ተባዓት መሰኻኽርን ተስፋ ዘለዎምን” ክኾኑ ከምዘተሓሳሰቡ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ናይቶም ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ዝመጹለን ሃገራት ሕጹጽ ኣድላይነት ንዘለዎም ጉዳያት መሠረት ገይሮም ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ንሓድሽ ካርዲናል ራይ ብቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ህላዌ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተስፋ ከይቆርጽን እምነት ብነጻነት ምንባር ኣብቲ ከባቢ ክተባባዕን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን፣ ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ኣብ ማኣከላይ ምብራቕን መላእ ዓለምን ንዝግበር ጻዕሪ ብምትብባዕ ሰላም ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምክብባር ምስ ዝቐውም ስልጡ ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ ምዃኑ ከምእተነቓቕሕን። ኣብዚ ናብ ምጽኣት እነብለሉ ዘሎና እዋን፣ ንርኽበት ነቲ ንዘርኢ ሰብ ንምድሓን ሰላምን ዕርቅን ክጽግው ናይ ዝመጸ ክርስቶስ ዕብየት ክድግፈናን፣ ኣብ ፍትሕን ዕርቅን ምትሕብባርን ዝቖውም ሰላም ክረጋገጽ” ከምዘተሓሳሰቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጾም።
ቀጺሎም ብቛንቋ እንግሊዝ ነቶም ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ዜጋ ሓድሽ ብፁዕ ካዲናል ሃርቨይን ኣብ ናይጀሪያ ናይ ኣቡጃ ሊቀ ጳጳሳት ሓድሽ ብፁዕ ካርዲናል ኦናየካን፣ ኣብ ህንዲ ሓድሽ ብፁዕ ካርዲናል ቶቱንካልን ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ማኒላ ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ “እግዚኣብሔር ብሓልዮቱ ንሓዋርያዊ ጉስነት ዘረክበኩም መጓሰ መስዋዕትነት ዝሓትት እውን እንተኾነ ብዘይ ምጥርጣር ኣብኡ ተኣማሚንኩም ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ክትፍጽሙን፣ እምነትን ክብራት ዋጋታት ክሰፍሕን ጸኒዑ ክረጋገጽ እውን መሰኻኽር ፍቕሪ ክትኾኑ እምሕጸን” ቢሎም፣ ቀጺሎም ንዅሎም ሓደሽቲ ብፁዓን ካርዲናላት፦ “ኣብ ሓዋርያውን መንፈሳውን ተልእኾኹም ብተኣማንነትን ብጽንዓትን ቀጻልን ትኵር ጠመተኹም ኣብ ክርስቶስ ኣንቢርኩም ንቤት ክርስትያኑ ዘለኩም ፍቕሪ እናበርታዕኹም ሰጉሙ። ምፍቃር ንቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ካብ ኣብነት ቅዱሳን እናተመሃርና፣ ቅዱሳት ንናይ ክርስቶስ ቅርጺ ምትሓዝ ድልይ ገዛእ ርእሶም ፈቒዶም መላእ ዘርኢ ሰብ በቲ ኣብ ገጽ ቤተ ክርስትያን ዘንጸባርቕ ብናይ ክርስቶስ ብርሃን ክኹልዑ መላእ ሕይወቶም ዘወፈዩ ኣያቶም። ንኣኡ ኣብ ምፍቓር ወትሩ ጸኒዕኩም ክትዓብዩ እምዕድ” ከምዝበሉ ዘመልከቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሰረት ኣብ ቅድስቲ መንበር ንዝርከቡ ናይ ፈረንሳ ብፁዓን ጳጳሳት ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ሓቢሮም።
ኣብ ኮሎምቢያ ናይ ቦጎታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሩበን ሳላዛር ጎመዝ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና፣ ምስ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣልበርቶ ጎሮኒ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “እቲ ልዑል ኣገዳሲ ኣብ ኩሉ ስፍራን ባህልታትን ዓሌታትን ብእትርከብ ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ኣቢሉ ዝንበርን ዝግለጽን ምስጢረ ውህደትን ሰላም ኣብ ዓለምን ዝኾነ ኵላውነት ቤተ ክርስትያን እዩ። እዚ ንምንባር ዝተጸዋዕና ኢና። ቃል ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ስፍራን ሃገራትን ክሰፍሕ ምግልጋል ማለት ኵሉ ደላይ ወንጌላዊ ሓቅን ብርሃንን ምዃኑ ዝኣምን ኣገልግሎት እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.