2012-11-27 13:11:31

ሩዋንዳ፦ መልእኽቲ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ብምኽንያታ ዓመት እምነት


RealAudioMP3 ናይ ሩዋንዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ብምኽንያት ናይ እምነት ዓመት ሓዋርያዊ ምዕዳን ከምዘመሓላለፉ ክምልከት እንከሎ፣ እቲ መልእኽቲ ኣብ መላእ ቁምስናታት ሩዋንዳ ብናይ ላቲን ስርዓት ቀዳማይ ሰንበት ዘመጽእት ዕለት 2 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ብወግዒ ክንበብ ምዃኑን ናይታ ሓዋርያዊት ምዕዳን ማእከላዊ ሓሳብ ኣብ ከባቢ ዓበይቲ ቀላያት ሰላም ክረጋገጽን እቲ ሰላም ካበይ ዝምጭውን ብኸመይ ክረጋገጽ ከምዘለዎ ዘነጽር እዩ።
እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንምኽንያት ናይ እምነት ዓመት፣ ኣብ መእተዊ ጽሑፉ ታሪኽ እዚ ዝተኣወጀ ናይ እምነት ዓመት ዝነግርን ማለት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት ምዃኑ ገሊጾም፣ ኩሉ ካቶሊካዊ ምእመን ሩዋንዳ እምነቱ ከበራብርን ከካፍሎን ዘተሓሳስብን፣ ንምልዋጥ ዘተባብዕን ዝዕድምን ምስክርነት እምነት ንምቕራብ ክኽተሎ ዝግብኦ መገዲ እውን ዘመላኽት ኮይኑ እዚ ድማ ሱታፌኣዊ ምቕራብ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን ፍሉይ መጽናዕትን ንባብን ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ኣብ ቁምስናታት ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ናይ እምነት ዓመትን ዘማእከሉ ዓወደ መጽናዕትታትን ኣስተምህሮታትን መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ክካይዱ ዝብል፣ ስድራ ቤት ኣብ ምስጢረ ተክሊል ዝጸንዔ እምነት ክስተንትንን ክንበርን ፍትሕን ፍትሓዊ ሰላምን ብምንቕቓሕ ሕይወት ካብ ምጽናስን ባህርያዊ ሞትን ክምስከርን ሕይወት ብዘይ እግዚኣብሔር ዘይሕይወት ምዃኑን ኣብ መወዳእታ ካቶሊካዊ ምእመን ሩዋንዳ ኣብቲ ግልጸተ ማርያም ዝተዓደለ ኪበሆ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ብምትሕስሳብ፣ ናይ እምነት ዓመት እምነትና ናይ ማርያም ናይ እምነት ኣብነት ዝገብረ ክኸውን ዝብል መልእኽቲ ምዃኑ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛቤላ ፒሮ ዘቕረብኦ ጸብጻብ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.