2012-11-27 13:04:05

ምቕርራባት ን WYD-Rio 2013 ዓ.ም.-ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ ደ ጃነይሮ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ ንኽካየድ ዝወሰንዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ምቅርራባት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፅዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ናይ መንእሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሓልዮ ድርገታት ዘነቓቐሖ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤታት ይካየዱ ከምዘለዉ ክምልከት እንከሎ፣ ካብ ሰብዓ ሃገራት ዝተዋጽኡ ልዕሊ 200 ልኡኻት ናይ ሪዮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዖራኒ ዡዋው ተምፐስታ ብሓባር ምስ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተሳተፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ከመልክት እንከሎ፣ እዚ ናይ 2013 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ፍልይ ዘብሎ፣ ኣብ እዋን ዓመት እምነት ዝካየድ ምዃኑን፣ ናይ መንእሰያት እምነት ሕዳሴ ዘነቓቕሕን መንእሰይ ተለዊጡ እምነት ክምስክር ዘተባብዕ እዩ ከምዝበሉ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ ብራዚል ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ዳኒየሎ፦ “እቶም ኣብ ናይ ሪዮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ተሳተፍቲ ኣብ ሪዮን መላእ ብራዚልን ናይ እምነት ሓጎስ መሰኽኽር ኮይኖም እቲ ሓጎስ ተላገብን ብሱልን ከምዝኸውን እሙን እዩ” እንክብሉ፣ ብፁዕ ኣቡነ ተምፐስታ “ካብቶም 13 ብፁዓንን ቅዱሳትን ናይ ሪዮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሓለውቲ ቅዱሳት ኮይኖም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዝተሓርዮ ሓንቲ ናይ ብፅዕቲ ኪያራ ሉቸ ባዳኖ ወለዲ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ከምእተረከቡን፣ “ብፅዕቲ ኪያራ ሉቸ ባዳኖ ኣብዚ ጽንኩር እዋን’ዚ መንእሰያት ናታ ኣብነት ክስዕቡን ናይ ሕይወቶም ሓቀይና ትርጉም ከለልዩ” ከምዘተሓሳሰቡን ወለዲ ብፁዕቲ ባዳኖ ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሮ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክርከቡ ምዃኖም ገሊጾም እቲ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ከምዘጠናቐቑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እቶም 200 ተጋባእያን ኣሰናዳእቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሪዮ ደ ጃነይሮ ምስ ናይታ ከተማ ናይ መንግሥቲ ምምሕዳርን ምስ ናይ ብራዚል ናይ መንግሥቲ ወከልትን ከምኡ እውን ምስ ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮን ብፁዕ ኣቡነ ተመፐስታን ከምዝዘተዩን ሓደ ናይቲ ርክባቶም መደብ ድማ ኣብ ቅዱስ ስፍራ (መካነ ንድግደት) ክበጽሑን ምስ ናይ ቁምስና ኢፓነማ መንእሰያት ኣብ ናይ ሓባር ጸሎት ክሳተፉ ምዃኖም ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.