2012-11-22 14:34:19

ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (21/11/2012)
እምነት ርትዐይናን ንሓባራዊ ጥቅሚ ፍጻሜ ስነ ፍልጠት ዓቢይ ደገፍ እዩ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 21 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ እቲ ልሙድ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ “ኣዕጋቢ ርትዓውነት እምነት” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣደጊፎም ከምዘቕረቡ ነቲ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
“እምነት ንናይ ስነ ፍልጠት ናይ ሓባራዊ ጥቕሚ ፍጻሜ ስነ ምርምራዊ ከይዲ ደገፍ እምበር ጸረ ስነ ፍልጠት ኣይኰነን” ንዝብል ዓሚዩቕ ሓሳብ ብሰፊሑ እንከስተምህሩ፣ ኣብ ዝሓለፉ ነዊሕ ዘመናትን ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እውን እንተኾነ፣ እምነትን እቲ ዓበይቲ ብናይ ስነ ክርስትና ሊቃውንቲ ብዙሕ ዘተ ዝተገብረሉን ዓሚዩቕ መረጋገጺ ዝቐረበሉ ርእሰ ጉዳይ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን’ዚ ዓቢይ ናይ እምነት መምህር ምዃኖም ወትሩ “እምነት ምስ ስነ ርትዓዊ ምስትውዓል ፍጥረት ሰብ እንታይ ርክብ ኣለዎ? ብፍላይ ድማ ምስ ስነ ፍልጠት እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ?” ንዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ብምልኣል ብቑዕን ኣዕጋብን መልስታቱ ንምሃብ ዝልግስዎ ኣስተምህሮ ዝምስክሮ እዩ። ብፍላይ ድማ ቅልል ብዝበለን ኩሉ ብቐጥታ ክርድኦ ብዝኽእል መገድን ኣግባብን እሞ ኣብ ሓጺር ሰዓታ ውሽጢ እዚ ንዘመናት ምሁራትን ሊቃውንትን ዘካትዐ ርእሰ ጉዳይ ትማሊ ዕለተ ረቡዕ ኣሕጽር ኣቢሎም ብዘቕረብዎ ዓሚዩቕን ጽዑቕን እስተንትኖ መልሲ እንክህብሉ ዘደንቕ እዩ።
“እምነት ምስቲ ክቡርነቱ ዘረጋግጽን እቲ ሓቅን ኣብ ፍጥረት ሰብ ውሳጤ ዘሎ ሰናይን ጽቡቕን ልዕል ዘብል እግዚኣብሔር ዘጸንዕ ምርኻብ ርኽበት እዩ። ስለዚህ እምነት ፍልጠት እዩ። እዚ ምፍላጥ’ዚ ድማ ነቲ ንሕይወት መቕረትን ንህላዌ ሓድሽ ቃናን መቐረትን ሕጉስ ምንባር ኣብ ዓለም ዝጽግው ኣፍልጦ እዩ። ተኽእሎ ፍልጠታዊ ኣፍልጦ እግዚኣብሔር-ፍቕሪ ጸጋ ፍቕሩ እዩ። ፍቕሪ እግዚኣብሔር እቲ ሕልና ዘደናግር ካብ ውልቃውነትን ባዕላውነትን ዝምንጭ ተስፋ ዝንበረሉ ዘበለ ኩሉ ጓሂ ከም ትጽቢት ዘቕርብ ኩነት ክንየው ዘማዕድው ኣኽእሎት ምርኣይ ዝዕድልን የዒንቲ ዘርህውን ኩሉ ክውንነት ክፍለጥ ዘብቕዕ እዩ። ስለዚ ድማ እምነት ቅድም ቀዳድም ናይ ፍቕር ምርኻብ ኮይኑ እግዚኣብሒር ናብ ምፍላጥ ዘብጽሕ እዩ።” እምነት ግብረ ሓንጎል ወይ ድማ ተጻይ ርትዓውነት ማለት ከምዘይኮነን። ካቶሊካዊ ተጻይ ኣመክንዮን፣ ዝኣምን ክትርድኦ ስለ ዘይከኣለካ ዕዉር እአምን ምባል ማለት ኣይኮነን፣ ዕዉር ምእማን ድማ ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እምነት ከምዘይኮነ ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፦ “እግዚኣብሔር ምስጢር እምበር ትርጉም ኣልቦ ኣይኮነን። ንገዛእ ርእሱ ኢርትዓዊ (ዘይስትውዓል) ዘይኮነስ ምልኣት (ፍድፋደ) ትርጉምን ሓቅን እዩ። ንምስጢር ኣብ ምጥማት ኣእምሮ ብጸልማት ክግለጽ፣ ኣቲ ምስጢር ብርሃን ዘይብሉ ስለ ዘይኮነስ፣ ብርቱዕ ልዑል ብርሃን ስለ ዝኾነ እዩ። ከም ኣብነት ድማ ንጸሓይ ክንጥምት እንከለና ንየዕንትና ዘጓንፎ ጸልማት ጥራሕ ናይ ምርኣይ ተመክሮ ጠቒሶም፣ በዚ መሰረት ጸሓይ ናይ ብርሃን ምንጪ ክነሳ ብርሃን ኣይኮነትን ዝብል መን እዩ?” ብዝብል ሕቶ ተንቲኖም።
ንእምነት ብጸጋኡ ዘብርህ እግዚኣብሔር እዩ። እዚ ድማ ሓድሽ ደረት ተመክሮ ዘተባብዕ ከምዝኾነን፣ እምነት ወትሩ ኣብ ምድላይ ክንተግህ ጠሪሽና ደው ከይንብል ከምዝድርኸና እንክትንትኑ፦ “ገለ ገለ ዘመናውያን ምሁራት ዓንቀጸ እምነት ንናይ ሰብ ኣእምሮ ዝዓግት እዩ እንክብሉ ዘቕርብዎ ቅድመ ፍርዲ ሓሶት እዩ። በንጻሩ እቲ ሓቂ ግን ዓበይቲ ናይ ካቶሊክ ባህልን ትውፊትን መምሃራን እምነትን ምርምርን (ኣእምሮን) ኣብ ቅድሚ መለኰታዊ ግልጸት ጋሻን ተጻረርትን ዘይኮኑስ ክልቲኣቶም ትርጉም ንምስትዓልን ንምርዳእን ዘብቅዑ፣ ነቲ ትኽክለይና መልእኽቲ ንምቕባሉን ምስትውዓሉን ዝድግፉን ናብቲ ምስጢር ከነዘንብልን ክንቐርብን ዘብቅዑ ቅድመ ኩነት እያቶም” ኢሎም።
ካቶሊካዊ እምነት ርትዓውን ከምኡ እውን ተኣማንነት ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ኣመክንዮ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ካብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ክሳብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣብዚ መዳይ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ብምጥቓስ፣ ኣብ መንጎ እምነት ስነ ፍልጠትን ዘሎ ርክብ እንከነጽሩ፦ “ስነ ፍልጠት ሓቅን ፍልጠትን ከም ምዃኖም ንምስትውዓል ዝድግፍ ክኸውን ስነ ፍልጠት ንሓቀይና ናይ ሰብኣዊ ጥቕሚ ንኣብነት ንምክልኻል ህይወትን ጥዕናን ዝቖመ ክኸውን ይግብኦ። ሰብ ኣብ ፍጥረት ዝለዓለ ስፍራ ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ትርጉም ኣልቦ ምዝምዛ ክፍጽም ዘይኮነስ፣ ክዕቅቦን ኪንበረሉ ዘበቅዕ ሥፍራ ክግበሮ ዝብል ምስትዓውል ዝኽተሉ ኣብ ዓለም ዝጭበጡ ስነ ፍልጠታዊ ተበጽሖታትን ርኽበታትን እዚዮም ኣገደስቲ እያቶም። ብኸምዚ ዓይነት ዝንበር እምነት፣ ምስ ስነ ፍልጠት ዝገራጨው ዘይኮነስ ኣብ መንጎኦም ምትሕብባር ዘረጋግጽን ስነ ፍልጠት ንናይ ሓባር ጥቅሚ ክውዕል ዘብቕዖ መሰረታዊ መምዘንታት ዘወፍይን ነቶም ጸረ ሰብኣዊ ዝኾኑ ነቲ ኣናስር መደብ እግዚኣብሔር ንኽቃወም ዝፈታተኖ ተግባር ክኽሕድ ዘተባብዕ እዩ” ምስ በሉ፣ “ምእማን ርትዓዊ እዩ፣ ርትዓውነት ምእማን” እምነት ንስነ ፍልጠት መደብ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ንምስትውዓል ዝድግፎ ክቡር መሳንይቲ ምዃኑን፣ እምነት ንስነ ፍልጠት እቶም ስነ ፍልጠታዊ ርኽበታት ወትሩ ንናይ ወዲ ሰብ ሰናይን ሓቅን ንምርግጋጽ ዝኣመቱ ንኽኾኑ እምነት ከምዘብቅዕ እንከረድኡ፦ “ብዘይ እግዚኣብሔር ፍጥረት ሰብ ገዛእ ርእሱ የጥፍእ፣ እዚ ድማ እቶም መላእ ሕይወቶም ንወጌል ዘሕለፉን ዝነበሩን ዝሓለፉ ኣበው ወትሩ ዘረጋግጽዎ ሓቂ እዩ። ምእማን ርትዓዊ እዩ። እዚ ድማ ሓደ ናይ ህይወት ግጥም እዩ። ንኽርስቶስ ምንባር ብሉጽ እዩ። ንሱ ጥራሕ እዩ እቲ ሓቅን ሰናይን ዝብል ኣብ መንፈስ ሰብ ተሰሪቶም ንዘለዉ ትጽቢታትን ባህግታትናን ዘርውይ” ቢሎም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣጠናቒቖም ብዓበይቲ ዓለም ሓቆፍ ቋንቋታት ድግማ ናይቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣስሚዖም ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ብናይ ላቲን ስርዓት በዓለ ኢየሱስ ንጉስ ምዃኑ ዘኪሮም፣ ኩሉ ክርስቶስ ናይ ሕይወቱ ማእከል ክገብሮ ተላብዮም፣ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ክወርድ ተማሕጺኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.