2012-11-17 15:07:45

ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን፦ ኣቢያተ ሕክምና ንናይ ተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌልን ሰብኣውነትን መንፈሳውነትን ስፍራ እያቶም


ኣብ ኣባይቲ ሕክምናን ናይ ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ መበል 27 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን፦ ኣቢያተ ሕክምና ንናይ ተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌልን ሰብኣውነትን መንፈሳውነትን ስፍራ እያቶም” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዕለት 17 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ዝተጠናቀ RealAudioMP3 ዕለት 15 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ዝተጀመረ ጉባኤ ኣብ ናይ ትማሊ ዋዕላኡ፦ “ስነ ምግባርን ስርጸት ሰብኣውነትን” ኣብ ዝብል ናይ መመያየጢ ኣርእስቲ ኣደጊፉ ከምዘካየደ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን፦ ኣብቲ ሊቃውንቲ ስነ ሕክምናን ናይ ስነ ሕጊ ሊቃውንትን ናይ ዝተፈላለያ ናይ ክንክን ጥዕና ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ሓለፍትን፣ ዓበይቲ ናይ መንግሥቲ ኣካላትን ብፁዓን ጳጳሳትን ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሚንስትራት ክንክን ጥዕናን ካህናትን ዝተሳተፍሉ ጉባኤ ዝስዋዕ ፍቕሪ እቲ ዘይጽበይ ብነጻ ዝቐርብን ዝዕደልን ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ምስክር ዝኾነ ግብረ ሰናይ ዝብል ቃል እዚዩ ዝተቓልሓሉ ከምዝነበረን፦ “ወትሩ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቅልውላው ቁጠባን ኤኮኖምን ኣዚዩ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ኣብዚ መዳይ ዘገልግሉን ብርታዔኦምን ሓይሎምን ካብቲ ንኽርስቶስ ዘለዎም ፍቕርን ካብቲ ክርስቶስ ዝገለጾ ዓይነት ምትሕብባርን እዩ ዝምንጭ” እንክብሉ ኣብቲ ናይ ትማሊ ዋዕላ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ማኅበራዊ ስነ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት ገዳማዊ ማኅበር ሊቀ መንበር ሓው ማሪዮ ቦኖራ ከምዝገለጹን፣ ናይ ስነ ሕክምና ላዕለዋይ ተቛም ዋና ሓላፊ ፕሮፈሰር ኤንሪኮ ጋራቺ ብወገኖም ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፣ “ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ መንጎ ኩርናዓት ምዃንነትን ግብረእውነትን ካብ ዘሎ ርክብ ዝነቕል ዕንቅፋት ከምዘሎን፣ ከም ኣብነት ንመሳለጢ ኣገልግሎት ሕክምና ዝምደብ ርእሰ ማል ምንካይ ዘተባብዑ ዝትግበሩ ዘለዎ ውሳኔታት ንብዙሓት ኣገልግሎት መውሃቢ ክንክን ጥዕና ክዕጸዉ ይድርኽ ከምዘሎ ዘነጽር እዩ። እዋናዊ ስነ ሕክምናን ምዕባለ ሕክምናን ክሳብ ክንደይ ሰብኣዊ ክብሪ ዘኽብር እዩ? ነቲ ኣብ ስነ ሕክምና ዝረአይ ስነ ፍልጠት ጥራይ ዝብል ኣካይዳ ሰብኣውነት ንምልባስ ይጸዓር ዶ?” ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሎም፣ ኣገልግሎት መውሃቢ ሕክምና “ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ኣብ ስነ ግብረኣዊ ዘይኮነስ ኣብ ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባር ዝምርኮዝ ክሳብ ዘይኮነ፣ ነቲ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝቐረብሉ ሰብ ከም ግኡዝ ጥራሕ ካብ ምርኣይ ምልቓቕ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚህ ምሉእነት ሰብ ዘማእከለ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ወሳኒ እዩ። እዚ ሰብኣውነት ዝዓሰሎ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ካብቲ ኣብ ስነ ግብረኣዊ ጥራሕ ተመርኵይዙ ዝቐርብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘሎ ናይ ምፍዋስ ብቕዓት ሓለፋ ፍርቂ ምሕዋይ ዘለዎ እዩ፣ ስነ ሕክምና ሰብኣውነት ክዓስሎ ኣለዎ” ከምዝበሉ ቸራዞ ሓቢረን።
ናይ ኢጣሊያ ካቶሊካውያን ናይ ስነ ሕጊ ሊቃውንቲ ማኅበር ሊቀ መንበር ፕሮፈሰር ፍራንቸስኮ ዳጎስቲኖ ብወገኖም፦ “ኣባይቲ ክንክን ጥዕና ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ስፍራ እውን እያቶም፣ እዚ ግን ብርኽበት ስነ ሕክምና ምርምር ዝዕብለል እናኾነ፣ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር እናተዘንግዔ ናይ ስነ ሕክምና ሊቅ ናይ ሰብኣዊ ኣካል ሰብ ሙያ ጥራሕ ኮይኑ፣ ነቲ ኣካለ-ሰብ ከም ሓደ ግኡዝ ዝርእይ እናኾነ፣ ስነ ሕክምና ዘለዎ ስነ ምግባር ዓቐኑ ሸለል ዝብል ኮይኑ ይርከብ፣ ስለዚህ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ሰብኣውነት ክለብስ እንከሎ ጥራሕ እዩ ምሉእ ኣገልግሎት ዝኸውን” ከምዝበሉ ቸራዞ ገሊጸን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ስነ ሕክምናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣማእኪሎም ብዘቕረብዎ ስልጣናዊ ኣስተምሆር ከምእተዛዘመ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.