2012-11-15 14:44:24

ዝኽሪ መበል 10 ዓመት ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ: ክርስትና ሃብቲ ንናይ ሓባር ጥቕሚ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 10 ዓመት ሓውጾተ ኖልዎ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ክታም ዝተነብሮ፦ “ካብ ክርስትና ምንጪ ሕይወት ናይ ሕይወት ማይ ምቕዳሕ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ RealAudioMP3 ዘማእከለ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጓራሺ ሓቢሮም።
“ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመጀመሪያ ጊዜ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክፍጸሙ እቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ፈለማ ምዃኑ” ነቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ዘንበቡ ናይ ቀድስቲ መንበር ምኽትል ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ በቺዩ ገሊጾም፦ ኣብቲ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና፦ “ክርስትና መበቆል ባህሊ ኢጣሊያን መንፈሳዊ ሃብቲ ኢጣሊያ ናይታ ሃገር ስነ ምግባራዊ ሃብቲ እውን እዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ጸገምን መሠረት ብቑዕ መጋበርያ መፍትሕን ሕዳሴን እውን ከምዝኾነን፣ ንናይ ሓባር ጥቕም ምርግጋጽ ዘብቕዕ መገዲ ክልለይ ዝድግፍ ብፍላይ ድማ እቶም ኣብ ሓላፍነት ዝተቐመጡ ኣካላት ንናይ ሓባር ጥቕሚ ምርግጋጽ ኣሚቶም ንዝፍጽምዎ ኣገልግሎት መሠረት እዩ” ዝብል ሓሳብ ከምዝተነብሮ ብፁዕ ኣቡኑ በቺዩ ኣመልኪቶም፦ “ዴሞክራሲ ብዘይ ክቡራት ዋጋታት ብቐሊሉ ናብ ልምሉም ወይ ድማ ጽኑዕ ምልካውነት ንምልዋጥ ዘዘንበለ ከምዝኾነን፣ እቲ ንዴሞክራሲ ዓቢይ ጸላእን ኣሿኽ መገድን ኵነት ካብ እምነት ዘይኮነስ ካብ ተዛማዲ ባህሊ ካብቲ ኵሉ ሓደ እዩ ዝብል ላንጋ ላንጋ ባህልን እቲ ሃይማኖታዊ ግብረ ገባዊ እምነታት ኰነ መንግስታዊ ስርዓት ፈጺሞም ኪድምሰሱ ኣለዎም ዝብል ኢምንትነት እተሰምየ ኣብ 1900 ዓመታት ዝተኣታታወ ባህሊ እዩ፣ እዚ ድማ ስነ ምግባራዊ ተዛማድነትን ኢምንትነትን ዝብል ባህሊ ምዃኑ” ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልኽቲ ከምዘስመርሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጓራሺ ሓቢሮ።
ናይ ኢጣሊያ ናይ ብፁፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ጀኖቫ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ባኛስኮ ብወገኖም፦ “ብዘይ ሓደ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ማለት ብዘይ ኣብ ባህርይ ሰብኣዊ ፍጠረት ሓቀይና ስነ ምግባራዊ ክቡራት ዋጋታትን ብዘይ ስነ ምግባራዊ ሚዛንን ሕግታትን ስርዓትን ንጹር ተፈጻምነት የብሎምን። ቅኑዕ ሕጊ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕሊናዊ ስነ ምግባራውን ስነ ምግባራዊ ሚዛንን ማለት ቅኑዕ ሕሊና ኣገዳሲ እዩ” እክብሉ ብዝኽሪ መበል 10 ዓመት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናብ ናይ ኢጣሊያ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ኣብ ዘተሓልለፍዎ መልኽቲ ከምዘስመርሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.