2012-11-15 14:35:56

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኣረጋውያን ኣብ ቤቶም ምስ ስድራ ቤቶም


ዝሓለፈ ሰኑዕ ዕለት 12 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብቲ ብካቶሊካዊ ማኅበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ዝተመስረተን በቲ ማኅበር’ቲ ዝመሓደር ማእከል ስድራ ኣባይቲ ኣረጋውያን ይንበሩ እተሰምየ ኣብ ሮማ ዝርከብ መዕቆቢ ኣረጋውያ ሓውጾተ ኖውሎ ከምዝፈጸሙ ክዝከር እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ኣብቲ መዕቆቢ RealAudioMP3 ኣረጋውያን ተረኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ምዕዳን፣ ኣባይቲ ስድራን መንግስታትን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረጋውያን ከበድ ዘይምዃኖም ተኣሚኖም ካብ ምርሓቖም ንምቕራቦምን ንምሕብሓቦምን ክተግሁን ኣብ ቤቶም ምስ ስድራ ቤትም ክነብሩ ሓደራ ከምዝበሉ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ ኢጣሊያ ኵሉ ብዕድመ ምድፋእ ምዕራፍ ምድራዊ ሕይወት ብዘይ ቀቢጸ ተስፋነት ሓደ ናይ ሕይወት ምዕራፍ ምዃኑ ተኣሚኑ ብሰላምን ርግኣትን ብተስፈይና ራእይ ክቕበሎ ዝድግፍን ኣብዚ መዳይ ሕንጸት ዘቕርብ ማኅበር ሊቀ መንበር ሚከለ ማንጋኖ ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ተቐቢልና ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ እዩ ዝግባእ። ከምቲ ዝበለዎ ኣረጋውያን ኣብ ቤቶም ምስ ስድራ ቤቶም ምድራዊ ሕይወቶም ከፍጽሙ መሰሎም እዩ እሞ እዚ መታን ክረጋገጽ ኣባይቲ ስድራን መንግስታትን ነዚ ዝኣመተ መደብ ከተባብዑን ክድግፉን ዝበለዎ ሓደራ፣ ብፍላይ ድማ ነቶም ርእሰ ብቕዓት ዝጎደሎም ኣረጋውያን ዓቢ ትኵረት ክግብር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ” ኢሎም፣ ስለዚህ “ኣረጋውያን ብፍላይ እቶም ርእሰ ብቕዓት ዝጎደሎም ኣብ ቤቶም ደገፍን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዝረኽብሉን ኣብዚ መዳይ ዝነጥፉ ወለንተይናታትን ምትብባዕን ምንቕቓሕን ነዚ ዝኣመተ ሕንጸት ምቕራብን የድሊ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ማሪዮ ማራዚቲ ብወገኖም ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋቢዮ ኮላግራንደ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ኣረጋውያን ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተዘንግዔን ኣብ ባህላውን ፖለቲካውን ምይይጥ ኣቃልቦ ዘይግበረሉ ኮይኑ እዩ ዝርከብ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ መዕቆቢ ኣረጋውያን ተረኺቦም ብዝለገስዎ ምዕዳን ሓደ ሕብረተሰብ ስልጡን ካብ ዘብሎ መምዘንታት ሓደ ንኣረጋውያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘቕርቦ ክንክን ምዃኑ ኣነጺሮም ገሊጾምልና እዮም። ምእንቲ’ዚ ንኣረጋውያን ክፍሊ ኅብረተሰብ ዘተኮረ መደብ ክንክን ጥዕናን ናይ ኤኮኖሚ ድጋፍን መሰረት ብሰላም ኣብ ቤቶምን ስድራ ቤቶም ክነብሩን ብሰላም ኣብኡ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወቶም ከጠናቕቑ ይግባእ፣ ኣረጋውያን መምሃራንን ህያው ኣባይቲ መዝገብ ሃገር እያቶም” ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ “ምስቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ክፍሊ ኅብረተሰብ እነሕልፎ ጊዜ ክህልወና ግብረ ገባዊ ሓላፍነትና እዩ። ከምቲ ዘሰነዩና ከነሰንዮም ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን እዩ” ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠናቒቖም።







All the contents on this site are copyrighted ©.