2012-11-15 16:50:44

ልባትና ንእግዚአብሔር ንምፍላጥ ዘብርሁሉ መንገድታት ፍጥረት ዓለምን ደቂ ሰባትን እምነትን ኢዮም፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ አብ ዝሃብዎ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮᎄዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ንዓመት እምነት ምኽንያት ብምግባር ብዛዕባ እምነት ዝጀመርዎ አስተምህሮ ብምቅጻል “ልቢ ደቂ ሰባት ነቲ ንነጻነትና እናሓለወ መንገድታትና ዘቅንዕ እግዚአብሔር ንክፈልጥ ዘርሕውዎ ዓለምን ወዲ ሰብ ባዕሉን እምነትን ኢዩም” እንክብሉ ነቶም ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ትምህርቶም ንምስማዕን ቡራኬኦም ንምክፋልን አብ አደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ተአኪቦም ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን አስተምሂሮም እንከብቅዑ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ካብ ምድላይ ዓዲ ከምዘይውዕልን ከምዘይደክምን እውን አዘኻኺሮም፣ RealAudioMP3
ወዲ ሰብ ብልጭልጭ ዓለም ክደጕሖ ይኽእል በዚ ከአ ነተን ናብ ጐይታ ዝመርሖኦ መንገድታት ክስሕተን ይኽእል ምናዳ ገሊኡ ናይ ዘመንና አረመናዊ አተሓሳስባ ንቤተ ክርስትያንን ይኹን ንኩሉ ክርስትያንን ነቲ ሓጐስ ዝህብ ናብ ኩሉ ፍጡር ወንጌል ናይ ምስባኽ ተል እኮ ከቢድ ይገብሮ፣
“እንተኾነ እግዚአብሔር ካብ ምድላይና ዓዲ አይው ዕልን አይደክምን እውን ምኽንያቱ ከአ ነቲ ብፍቅሩ ዝፈጠሮን ዘድሓኖን ወዲሰብ እሙን ኢዩ፤ ስለዘፍቅረና ከአ ወትሩ አብ ጉድንና ኢዩ” ቢሎም.
አብዚ ዘመንና ዘሎ ሽግርን ፈተናን ንእምነት ብምውጋን እናነጸጎን ስለዝርከብ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ንክርስትያን ናይ ዘመኑ ዝተማሕጸኖ ምሕጽንታ እንደገና ብምድጋም “ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዚሐተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኲሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን” ንብል፣ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ዓለማውነት ዓብሊሉ ብዛዕባ እግዚአብሔር ምዝራብ ይኹን ምሕጻብ ዳርጋ ከውግዱ ብዙሓት ጽ ዒሮም ከም ሳዕቤኑ ከአ ሥነ ምግባርን ሓቅነትን ተወጊኑ ብተዛማድነት ወይ ረላቲቪዝም ተተኪኡ፣ ናይዚ ካብ እግዚአብሄር ምህዳም ሳዕቤን ከአ አብ ዘመንና አብ አረመነት ወይ አተይዝም አዘንቢሉ ብዙሓት አልቦ እግዚአብሔር ክብሉ ይርከቡ፣ እቲ ዓቢ ጸገም ናይዚ አተሓሳስባ እዚ ናይ እምነት ሓቅነት አይክሕድዎን ኮይኑ ምስ ዘመንና ዝኸይድ አይኮነን አየድልየናን ዝዓይነቱ ዝንባሌ ምስራጹ ኢዩ፣ ድሕሪ ቢሎም አብታ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ጥቅሲ ምስል ቢሎም “ንዚሓተኩም ዘበለ ብ ዓቅልን ብፍርሃትን መልሲ ሃቡ” ብዝበሎ መሠረት ነዚ ናይ ዘመነ አረመነት ወይ ክሕደት አየናይ መልሲ ኢና እንህቦ፣ ምጥርጣርን አረመነትን ንቡር እኳ እንተኾነ ዝገደደ ከአ ዘይተገዳስነት ኢንዲፈረንስ ዝበሃል አቋም ብዛዕባ እግዚአብሔርን እምነትን ከምዘይምልከትካ ገርካ ምርአይ ሸለልትነት ወዘተ ከአ እቲ ዝኸበደ ብደሆ ኢዩ፣ ስለዚ ህላዌ እግዚአብሔር ንምርአይ አእሮምና ክኸፍቱ ካብ ዝኽ እሉ ሓደ እዚ አንነብሮ ዘሎና ዓለም ኢዩ፣
“ብዝመስለኒ ነዚ ናይ ዘምንና ሰብ ብዛዕባ ፍጥረት ዓለም ከስተንትን ብዛዕባ ጽባቄኡን አቀዋውማኡን ክሕስብ ክነበራብሮ አሎና፣ ዓለም ቅርጺ አልቦ ፍጡር አይኮነን እንታይ ደአ መጠን ዝፈለጥናዮን መጠን ዘጽናዕናዮን መጠኑ ክንደይ ዘደንቅ ምንቅስቃሳትን መስርዕን ከምዘሎ ከነስተውዕል ኢና መጠን ነዚ ዝገበርና ኸአ ሓደ ጥበበኛ ዝኾነ ፈጣሪ ከምዘሎ ክንርኢ ኢና፣ እዚ ቀዳማይ መንገዲ ቢልና ክንጽውዖ እንኽእል አስተንትኖኸስ ንተፈጥሮ እናረአኻ ብምስትንታን ንእግዚአብሄር ምርካብ ኢዩ፣ ካልአይ መንገዲ ኮይኑ ናብ ፍልጠት አምላኽ ዝመርሓና ከአ ፍጥረት ወዲሰብ ባዕሉ ኢዩ፣ ከምቲ ቅዱስ አጎስጢኖስ ዝብሎ “አብቲ ውሳጣዊ ስብ ሓቂ ትርከብ”፣
“እዚ አገባብ እዚ ነቲ ብዋጭዋጭን ዕግርግርን ተዋሒጥና ንክንተርፍ ዝፈታተነና ኩነታት ሰጊርና ህድ እ ቢልና አብ ውሽጥና ተመሊስና አዕሙቍ አቢልና እንተተመልከትናን ክንዮኡ ዘሰጋግረና ሃረርታናን ልብናን እንተሰማዕና ክንርድ ኦ ንኽ እል፣
ብሳልሳይ ደረጃ ከአ እታ ምስ እግዚአብሔር ክተራኽበና እትኽ እል እምነት እያ፣ እዚ እምነት እዚ ብላዕሊ ላዕሊ ነዚ እአምን ነዚ ዋጋ እህብ እዚ ይሕሸኒ ቢልካ ዝኽ የድ አብ ሑጻ ዝተመሠረተ ገዛ ዓይነት ዘይኮነ ምስ እግዚአብሔር ሓደ ዝገብር ንጸጋኡ ክፉት ዝገብር ኃይሊ ፍቅሪ አምላኽ ብም እማን ህልውናኡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዘይኮነ ብዛዕባ እቲ ካብ ምውታን ተፈልዩ ዝተንሰኤ ክርስቶስ ዝምስክር ኢዩ፣
“እምነት ከስ ምስቲ ብታሪኽ ዝዛረብር ዝሰርሕን ዕለት ዕለት አብ አ እምሮናን ድላይን ንድሕነትና ዝጠቅም አፍልጦን ምርጫን ፍርድን ንክንገብር እናሓገዘ ሕይወትና ዝልውጥን እግዚአብሔር ምርኻብ ኢዩ፣ እዚ ህውተታ አይኮነን ካብ ኩነታት ምህዳም እውን አይኮነን መሕብኢ ወይ ስምዒታዊ ነገር አይኮነን እንታይ ደአ ናይ ምሉእ ሕይወትካ ተግባርን ነቲ ንኩሉ ሰብ ሓራ ከውጽእ ዝኽእል ሠናይ ዜና ንክተበስር ምዕጣቅን ኢዩ፣
እንክብሉ ንእግዚአብሔር ንምፍላጥ ልብና ዝኸፍቱልና ፍጥረት ዓለምን ወዲ ሰብን እምነትን ምዃነን ገሊጾም ንሰማዕቶም ብዝተፈላለየ ቋንቋ አመጊኖም ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.