2012-11-13 18:42:42

ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አብ ብገዛ ቤተ ሰብ ዝፍለጥ ማእከል አረጋውያን


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ አብ ሮማ ዝርከብ ብቅዱስ ኤጂድዮ ማኅበር ዝመሐደር ማእከል አረጋውያን በጺሖም፣ እዚ ብገዛ ቤተ ሰብ ዝፍለጥ ማእከል ብዙሓት አረጋውያን ገሊኦም አላዩ ወይ ቤተ ሰብ ዘይብሎም ኢዮም፣ አብዚ ዓመት እዚ አብ መላእ አህጉር ኤውሮጳ ዓመት አረጋውያን ተባሂሉ ዝዝከረሉ ዘሎን ዕድመ ምጽጋብ ክምስገንን ክንጠፈሉን ዝግባእን ወለዶ ምስ ወለዶ ክትሓባበሩን ሓደራ ዝበሃለሉ ዓመት አረጋውያን ምኽንያት ብምግባር አብ መንጎ እዞም አረጋውያን ዝተረኽቡ ቅዱስ አቦና ድሙቅ አቀባብላ ከምዝተገብረሎምን ንኵሎም ወኪሎም ናይቲ ማኅበር መሥራቲ ሪካርዲ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረን ምስጋናን ምስ አቅረቡሎም፣ ቅዱስነቶም ከአ ብወገኖም “ከም ጳጳስ ከተማ ሮማ አብ ማእከልኩም እርከብ ኮይኑ ግን ከም ዝሸምገለ ሰብ እውን መሳቱኡ ክበጽሕ ዘመጸ እውን ኢየ፣ ናይ ዕድመ ምድፋእ ጸገማት ኩሉ እፈልጦ ኢየ ናይ ዝሸምገለ ግድላትን ድሩትነትን ልዕሊ ኩሉ ከአ አብዚ ዘሎና ጊዜ ብናይ ቁጠባ ቅልውላው ንብዙሓት ነቲ ሽግራት መመሊሱ ከምዘጋድዶ ይርደአኒ ኢዩ፣ ሽሕኳ ናይ ዕደመና እዋን ዕራርቦ እንተኾነ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ብሓዘን ክንምለኽ የብልናን፣ ብምሉእ ልበይ ክብለኩም ዝደልዩ ነገር እንተሃልዩ ሽምግልና ብጣዕሚ ጽቡቅ ኢዩ፣ አብ ዝኾነ ደረጃ ዕድመና ናይ ጐይታ ምሳና ምዃንን ንሱ ዝህበና ቡራኬን እዚ ሒዝዎ ዘሎ ሃብትን ንምፍላጥ ሃሰስ ምባል የድሊ፣ ወላውን ጸገምን ድሩትን እንተሎ ምህላው ጥዑም ኢዩ፣ ነዊሕ ዕድመ ቡራኬ እግዚአብሔር ኢዩ፣ ሽሕኳ ዘሎና ዘመን አብ እንቅስቃሴን መኽሰብን ጥራይ ዘድሃበ ኮይኑ ንዝሸምገሉ ፍረ ከምዘየፍርዩን ከምዘይጠቅሙን ዘወግኖም እንተኾነ ነዚ ጸጋ እዚ ክንቅበሎን ዋጋ ክንህቦን አሎና፣ ብዙሕ ግዜ ናይዚ ተነጽሎ እዚ ስቃይ ይስማዕ ገሊኦም ካብ ገዛእ ገዛኦም ርሒቆም ይነብሩ ብብሕትውና ይነብሩ፣ ብዝመስለኒ ነዚ ጉዳይ እዚ ብዕቱብነት ክንሰርሓሉ አሎና ነዚ ንምግባር ካብ ስድራቤት ጀሚርና ክሳብ እተን ንአረጋውያን ዘገልግላ ተቅዋማት ብዝተኻእለ መጠን አረጋውያን አብ ገዛውቶም ዝ እለዩሉ መንገዲ ክርከብ አለዎ፣ ምዕባሌ ሓደ ኅብረተሰብ ዝምዘነሉ በተሓሕዛ አረጋውያኑ ኢዩ፣ ንአረጋውያን ዝአሊ ንሕይወት ይአሊ፣ ንአረጋውያን ዝቅበል ንሕይወት ይቅበል” እንክብሉ በዓል ጸጋ ዕድመ ምዃን ንማኅበረሰብ ክሳብ ክንደየናይ ዕድልን ቡራኬን ከምዝኾነ ገሊጾም፣
አብ መወዳ እታ ንማኅበር ቅዱስ ኤጂድዮን ንዘወፍዮ ዘሎ ሓገዝን ብምምስጋን አረጋውያን ንኅብረተሰብ ዓቢ ጸጋ ምዃኖም ብኅልፊ ከአ ንመን እሰያት ዓቢ መዝገብ ምዃኖም ከምዚ ክብሉ አዘኻኸሩ፣ “ብዘይ ምስ አረጋውያን ብምርኻብ ዝህነጽ ኅብረተሰብ ሓቀኛ ሰብ አዊ ዕብየትን ኅንጸትን ክህሉ አይክ እልን፣ ምኽንያቱ ከአ ኅልውና ናይዞም ሰብ ጸጋ ዕድመ ከም ሓደ ዓቢ ክፉት መጽሓፍ ኢዩ ብሕልፊ ንመን እሰያት በዚ ከአ መን እሰያት አብቲ ዝገብርዎ ጉዕዞ ሕይወቶም ካብ ወርቂ ዝኸብር ምኽርን ሓበሬታን ክረኽቡ ይኽእሉ፣ ኮይኑ ግን ሓገዝ ከምዘድልዮም እዚ ሓገዝ እዚ ከአ ፍቅራዊ ክኸውን ከምዘለዎ ክዝንጋ ዕ የብሉን፣ ማንም ብዘይ ሓገዝን በይኑን ክነብር አይክ እልን፣ ወዲ ሰብ ማኅበራዊ ፍጡር ኢዩ፣ አብዚ ገዛ አረጋውያን እዚ እቶም ዝሕገዙን ዝሕግዙን ብፍቅራዊ ሕይወት ተአሳሲሮም ሓደ ስድራቤት አቍሞም ተዓዚበ፣” እንክብሉ ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ተሰናቢቶም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.