2012-11-09 09:54:49

አብ ሶርያ ሰላም ክሰፍን ር ሊ ጳ በነዲክቶስ ሐደራ ኢሎም :





ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከምቲ ወትሩ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ሮቡዕ ንምእመናን ዝህብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ትማሊ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ
ንልዕሊ ዕስራ ሺሕ ምእመናን አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም።
በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ ፍጻሜ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ”ቲ አብ ሶርያ ዝካየድ ዘሎ ፖሊቲካዊ ናዕቢን ነዚ ተኸቲሉ አብ ልዕሊ ህዝቢ ሶርያ ወሪዱ ዘሎ ሕሰምን ስደትን አልዒሎም ፡ ኩነታት ሶርያ ብዙሕ ከም ዘሕዘኖምን ከም ዘተሐሳሰቦምን አፍሊጦም ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ሥቃይ ህዝቢ ሶርያ አዝዩ ከም ዘሕዘኖምን ምስቲ ህዝቢን ምስ ኩለን አብታ ሀገር ዝርከባ ማሕበረ ሰባት ክርስትያንን ንምትሕብባርን አብ ጐድኖም ከም ዘለዉ ንምግላጽን
ልዑካን ሲኖዶሳዊ ጳጳሳት ናብ ሶርያ ክልእኩ መደብ ከም ዝነበሮም እዚ ግን ኩነታት ስለዘይፈቀደ ከምዘይቁንዔ በነዲክቶስ መበል 16 ጠቂሶም ፡ አብ ክንድኡ
ናይ ኾር ኡኑም ዝተወሀሀደ ልቢ ጳጳሳዊ ተቅዋም ፕረሲዳንት ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራህ ወቅታዊ ኩነታት ሶርያ ክድህስሱ ንሊባኖስ ከም ዝልአኽዎም አገንዚቦም።
ናይ ብፁዕ ካርዲናል ሮበርት ሳራህ ተልእኾ ናይ ኩለን ካቶሊካውያን ተቅዋማት ረዲኤት ወኪላት አብ ባይሩት አኪቦም ሰብአዊ ረዲኤት ንሶርያ ከሰላስሉ፡ ካብ ሶርያ ቤት ንብረቶም ገዲፎም አብ ሊባኖስ ተዓቂቦም ዘለዉ ስደተኛታት ሶርያ ክራኸቡ አብ ውሽጥን አብ ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ሶርያ ሰብአዊ ኩነታቱ ንምድህሳስ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ አሎ ።
ካቶሊካውያን ተቅዋማት ረዲኤት ንህዝቢ ሶርያ ህጹጽ ረዲኤት ከቅርባ ተጸዊዔን ከም ዘለዋ ክምልከት ከሎ ፡ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ እሸብ ዓቢ ሽግር ዝወደቀ ህዝቢ ሶርያ ንምርዳእ ሐደ ሚልዮን ዶላር
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ ድሕሪ ፍጻሜ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ፡ ኩነታት ሶርያ ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ ምእንቲ ከይከውን ፡ መንግስቲ ሶርያን ተቃወምቱን ነቲ አብ ሞንጎኦም ዘሎ ፖሊቲካዊ ዘይምቅዳው ብሰላማዊ መንገዲ መሠረታዊ ፍታሕ ክደልዩሉ አጽኒዖም አተሐሳሲቦምን ተማሕጺኖምን ።
ንሶም ብወገኖም ፖሊቲካዊ ህውከት ሶርያ ምእንቲ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍወስ ናብ እግዚአብሔር ጸሎት ከም ዘዕርጉ ክአ አገንዚቦም።
ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከም ዘመለከትዎ አብ ሶርያ ፖሊቲካዊ ህውከት ምስተጀመረ ቅድስቲ መንበር እዚ ህውከት”ዚ ሕይወት ሰባት ከየጥፍኤን ንብረት ከየብረሰን ከሎ ብሰላማዊ አገባብ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከበሉ ከም ዝተማሕጸነት ዘኪሮም ፡ ሕጂ ቅድስቲ መንበር ካብቲ ዝፈርሔቶ አይወጸትን ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኩነታት ሶርያ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ናብ አዝዩ ዝኽፍኤ ኩነታት ከይተለወጠ እንከሎ ህውከት ግጭትን ኲናትን ሶርያ ንምግታእን ንህዝቢ ሶርያ ሰብአዊ ረዲኤት ንምቅራብን ቤተ ክርስትያን ሮማ ስንድውቲ ከም ዝኾነት ናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል አባ ፈደሪኮ ሎማባርዲ መግለጺ ሂቦም።
ብጥንቂ”ዚ ህውከትን ግጭትን”ዚ ህዝቢ ሶርያ አብ ሕማቅ ኩነታት ከም ዝርከብ አዘኻኺሮም ክአ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብዝቀልጠፈ ግዜ ነዚ ህውከት”ዚ ክገትእ ሐደራ ኢሎም ።










All the contents on this site are copyrighted ©.