2012-11-06 14:37:53

ኬንያ
ጸረ ክርስትያን ዓመጽ


ሕጂ እውን ኣብ ኬንያ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ንማሕበረ ክርስትያን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝፈነዉ እንክምልከት፣ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ጋሪሳ ካብ ሶማሊ 140 ኪሎ ሜትር ርሕቓ ኣብ እትርከብ ክፍለ ከተማ ኬንያ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ብዝፈነውዎ ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ ሓደ ዜጋ ናይ ሞት ካልኦት 14 ድማ RealAudioMP3 ናይ መቕሰልቲ ሓደጋ ከምዝወረዶም ክምልከት እንከሎ፣ ናይቲ ዝተፈነው ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ ተሓታቲ ኣቲ ናይ ሶማሊያ ሰዓቢ ዓል ቃይዳ ተባሂሉ ዝግለጽ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ኣኽራሪ ኣል ሺባብ እተሰምየ ምዃኑ እንክንገር፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኬንያ ዝፍጸም ዘሎ ጸረ ክርስትያን መጥቓዕቲ ኣመልኪቶም ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደቦራ ዶኒኒ ቃለ መሕትት ዝገበሩ ናይ ስነ ኣፍሪቃ ሊቅ ኤንሪኮ ካሳለ ኣባል ኣሰናዳእቲ ፖፖሊ እተሰምየት ናይ ኢየሱሳውያን መጽሔት፦ “እቲ ዝተፈነወ ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ እጂ እውን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዒላማ ዝገበረ እዩ። እታ መጥቓዕቲ ዝወረዳ ቤተ ክርስታያን ኣብ መዕቆቢ ስደተይናታት እትርከብ እውን እንተኾነት መግለጺት ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብቲ እትርከበሉ ከባቢ እያ። እቲ መጥቓዕቲ ጸረ ክርስትያንን መንግስትን ሕዝብን ኬንያን ከምእኑ እውን ጸረ ሰላማውያን ኩሎም ሰዓብቲ ሓይማኖት ምስልምናን እዩ። ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እቲ መንግስቲ ኬንያ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ኣል ሽባብ ንዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ግብረ መልሲ እዩ። እቶም ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ንናይ ኬንያ ማሕበረ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነስ ጸረ ኩሉ ክርስትያን ሰላማውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እዮም” ምስ በሉ፦ “ኣል ሽባብ ኣባላት ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና እያቶም፣ ብኣመለኻኽታኦም ክርስትያን ጸላኢኦም እዩ። ቃለ ሃይማኖቶም ሻሪዓ እዩ፣ ሃይማኖቶም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃይማኖታት ብጸቕጢ ንኸንብሩ ዝንቀሳቐሱ ኣብ ዘተ ጠርሾም ዘይኣምኑ እዮም” ኢሎም።
ኣብቲ ኬንያ ምስ ሶማሊያ ዘዳብዋ ከባቢ ዝርከብ ኬንያዊ ማሕበረ ክርስትያን ኣብ ፍርሒ እዩ ዝነብር፣ እቲ ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ ኣብቲ ከባቢ ጥራሕ ከይተሓጽረ ኣብ ወርሒ ሓምሌን መስከረምን ጥቅምትን ኣብ ናይሮብን ሞምባሳን ክምእተፈጸመ እውን ዘኪሮም፣ “እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኬናይ ዝተሰዱ ዜጋታት ሶማል ተጠርጠርቲ ዘብሎም እዩ፣ ህዝቢ ኬንያ ምእማኖም የጸግሞ ኣሎ። ስለዚህ እቲ ጸረ ክርስትያን መጥቓዕቲ ነቶም ስደተይናታት ተሓተትቲ ዘብሎም እውን እንተይዘኮነ፣ እቲ ኣል ሽባብ ዝፍነዎ ዘሎ መጥቓዕቲ ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ዝዝርግ እዩ። እዚ እዩ ድማ እቲ ሸቶ ናይቶም ኣሸበርቲ” ምስ በሉ “እቲ ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ ነቲ መንግስቲ ኬንያ ንናይ ምርግጋእ ሶማሊያ ዝኣምተ ሶማሊያ ካብ ኣሸበርቲ ኣል ሸባብ ናጻ ንምውጻእ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወታሃደራዊ ምንቅስቓስ ምትሕብባር ኬንያ ዝቃወምን ንኣኡ ግብረ መልሲ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.