2012-11-03 16:23:19

ፕረሲዳንታዊ ምርጫ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ፡





አምልከት ከሎ ፡ ዝሐለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 171 ሺሕ አመሪካውያን ስራሕ ከም ዝረኸቡ ተገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብቲ አብ ሞንጎ ፕረሲዳንት ኦባማን አባል ሰልፊ ረፓብሊካን ሮምኒን ንፕረሲዳንትነት ዚካየድ ዘሎ ውድድር ካቶሊካውያን አመሪካውያን ወሳኒ ተራ ከም ዝህልዎም መራኸቢ ብዙኀን አገንዚቦም አለዉ ።
አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ማዕበልን ምስንዳው ፕረሲደንታዊ ምርጫን ማዕረ ማዕረ ይጉዓዙ ከም ዘለዉ ዜናታት ናይታ ሀገር አፍሊጦም።
ፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ ነቲ ሳንዲ ተባሂሉ ዝጽውዕ ዘሎ ብርቱዕ አውሎ ንፋስ ዝተሐወሶ ማዕበል ንምግታእ አዎንታዊ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱ ይንገረሎም አሎ።
ብጠንቂ”ዚ አብ ሕቡራት መንግስታት ዝወረደ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ 98 ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑ ንብረት ከም ዝበረሰ ክምለክት ከሎ ፡ ኒውዮርክን ኒው ጀርስን በቲ ብአውሎ ንፋስ ዝተሰነየ ብሩዕ ማዕበል እዝየን ከም ዝተጐድአ ተነጊሩ።
ናይ ኒውዮርክን ናይ ኒውጀርስን ከንቲባታት ማይክል ብሉምብ አርግን ክርሲ ክሪስቲን ፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ ነቲ ተፈጥሮአዊ መቅዘፍቲ ንምቅዋም ዘርአይዎ ብልሃት ከም ዘድነቅዎም ካብ ዋሺንግቶን ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።
አብዚ ግዜ”ዚ ካብ ህዝቢ አመሪካ 7.9 ስራሕ ከምዝይብሎም ክምልከት ከሎ ፡ ዝሐለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 171 ሺሕ አመሪካውያን ስራሕ ከም ዝረኸቡ ተገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አብቲ አብ ሞንጎ ፕረሲዳንት ኦባማን አባል ሰልፊ ረፓብሊካን ሮምኒን ንፕረሲዳንትነት ዚካየድ ዘሎ ውድድር ካቶሊካውያን አመሪካውያን ወሳኒ ተራ ከም ዝህልዎም መራኸቢ ብዙኀን አገንዚቦም አለዉ ።
አብ ሕቡራት ሀገራት አመሪካ አብ ዝሐለፈ ግዜ ን10 ግዝያት ዝተኻየደ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ብዝሒ ድምጺ አመሪካውያን ከይረኸቡ ዝተዓወቱ ይዝከር።
ካቶሊካውያን አመሪካውያን ንሰልፊ ዲሞክራሲ ዝመርጹን ሰልፊ ረፓብሊካን ዝመርጹን አብ ክልተ ከም ዝኽፈሉ ክምልከት እንከሎ ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ሰልፊ ስደተኛታትን ውጹዓትን ኢዩ ተባሂሉ ክጥቀስ እንከሎ ሰልፊ ረፓብሊካን ጸረ ምንጻል ጥንስን መርዓ ሶዶማውያንን ከም ዝቅወምን ብዙሐት ካቶሊካውያን አመሪካውያን በዚ ምኽንያ”ዚ ከም ዝመርጽዎ ይምልከት ።
ናይ ዋሺንግቶን ጽንሰ ሐሳብን እምነትን ተቅዋም ፕረሲዳንት በሰል ካቶሊካዊ ፖሊቲካን ሥነ መለኮትን ፕሮፈሶስር ሮበርት ሮያል ዝሀብዎ መግለጺ ከም ዘመልክቶ አብዚ አብ ሕቡራት መንግስታት አብዚ ቀረባ ግዜ ዚካይድ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ካቶሊካውያን አመሪካውያን ካብ ሚእቲ ብሐምሳ አብ ክልተ ተኸፊሎም አለዉ እዚ ማለት ፍርቆም ንፕረሲዳንት ኦባማ ፍርቆም ንመወዳደርቶም ሮምኒ ክመርጹ ዝተዳለዉ ይመስሉ ስለዚ ድምጾም ወሳኒ ተራ ክህልዎ ከም ዝክእኽል ጥርጥር የልቦን ።
እቶም ንዋይት ሐውስ ማለት ንፕረሲዳንትነት አመሪካ ዝወዳደሩ ዘለዉ ፕረሲዳንት ኦባማን ም አወዳደርቶም ረፓብሊካን ሮምኒን አብ ህሉው ኩነታት ኤኮኖሚ ሀገር አተኲሮም ይማጐቱ ከም ዘለዉ ዘመልከቱ ፕሮፈሶር ሮበርት ሮያል ሞራላዊ ማለት ሥነ ምግባር ድኽነት ስደተኛታት ሐለዋ ጥዕና መማጐቲ ኮይኖም ከም ዘሎዉ አክ አልኪቶም።
በዞም ፕረሲዳንት ተቅዋም እምነትን ጽንሰ ሐሳብን ዋሺንግቶን ርእይቶ ፡ እቲ ብፕረሲዳንት ባራኽ ኦባማ ዝምራሕ ሰልፊ ዲሞክራሲ ምንጻል ጥንሲ ስለዝድግፍን ሶዳማውያን ሐዳር ክገብሩ ይክእሉ ስለ ዝብልን ብዙሐት ካቶሊካውያን አመሪካውያን ነዚ እይድግፉን ኢዮም፡ በቲ ህደ ወገን ክአ ሰልፊ ረፓብሊካን ብኤኮንምያዊ ሽግር ድኻታት ማሕበረ ሰባት አመሪካን ፡ ተሰዲዶም አብ አመሪካ ናይ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ሽግር አይግደስን ከመይሲ ንሀብታማት ዝቆመ ሰልፊ ተባሂሉ ስለዝርኤ ብካቶሊካውያን አይድገፍን እዚ ኮይኑ ግን አብ ግዜ ፕረሲደንታዊ ምርጫ ሀንደበታዊ ምቅይያር ክመጽእ ስለ ዝኽእል እዚ ዝበዝሔ ድምጺ ክረክብ ይኽእል ኢልካ ክትንበ የጸግም ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብቁሩብ ድምጺ ይኹን ድአምበር ፕረሲዳንት ኦባማ ይመርሑ ከም ዘለዉ ምልክት ከም ዘሎ ክአ ፕሮፈሶር ሮበርት ሮያል አተሐሒዞም ከም ዝገለጹ ካብ ዋሺንግቶን ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ሐደ ሐደ ግዜ መንግስቲ ዘሕልፎ ውሳኔ ንህዝቢ ዘይሰማማዕ ይኹን ድአምበር አብዚ ሀገር”ዚ መሥረታዊ መሰል ሰባት ዝተሐለወን ንጹር ሕጊ ዘለዋ ዲሞክራስያዊት ሕቡራት መንግስታት ከም ዘላን ግን ክገልጽ ይፈቱ ኢሎም ፕሮፈሶር ርበርት ሮያል።








All the contents on this site are copyrighted ©.