2012-11-03 18:05:58

ጦማር በእንተ “ዓመተ እምነት”


መእተዊቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳጳስት በነዲክቶስ መበል 16፡ ካብ 11 October 2012 ክሳብ 24 November 2013 “ዓመተ እምነት” ኢሎም አዊጆምልና አለዉ። ሕዝበ እግዚአብሔር እምነቱ ንከሓድስን ክነብሮ ንኽጽዕርን ዝዕድም እዩ። በዚ አርእስቲ እዚ ብ1967 ዓ/ፈ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳጳሳት ጳውሎስ 6ይ “ዓመተ እምነት” ኢሎም አዊጆም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ፣
እዚ ቅ. ኣቦና ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዝእውጁልና ዘለዉ “ዓመተ እምነት” አብ ዘመና ንሕይወት ቤተክርስቲያና ዝትንክፉ ምስ ክልተ ዓበይቲ ፍጻሜታት ስለዝተጋጠመ እዩ።፡
    “ዓመተ እምነት” ዝጅምረሉ ዕለት፡ 2 ጉባኤ ቫቲካን ብመገልገሊ አምላኽ ር.ሊ.ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ዝተኸፍተሉ ዝክረ መበል 50 ዓመት ስለዝኾነ (11 October 1962)፡ ጉባኤ ከም ሓሳብ ር.ሊ.ጳጳሳት ዮሓንስ 23 “ንትምህርተ ቤተክርስቲያን ብምሉኡን ብጽሩዩን፡ ብዘይ ለውጥን ምድንጋራትን” ከመሓልልፎ ስለዝደለ እዩ። በዚ መሠረት መኽፈቲ ቃላት “ብርሃን አሕዛብ” (Lumen Gentium ) “ክርስቶስ ብርሃን አሕዛብ እዩ” ዝብል መኽፈቲ ቃል አገዳሲ እዩ፤ እዚ ከምኡ ከምዝኾነ እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተጋብኤ ንወንጌል ንነፍስወክፍ ፍጡር ክስብኩ ስለደለዩ እዩ (ማር 16፡15 ርኤ)። ብብርሃን ክርስቶስ ዘጽርን ዘብርህን አብ ሥርዓተ አምልኾ አብ ነገረ ሊጡርግያ ዝቅድስን (Sacrosanctum Concilium)፤ ብቅዱስ ቃሉን (Dei Verbum) ገይሮም ጉባኤ ባህሪ ቤተ ክርስቲያንን ምስ ዘመናዊ ዓለም ዘለዋ ርክብን ከስፍሑ ደለዩ። አብ ክልል እዘን አርባዕተ አዕኑድ ጉባኤ ንናይ ዘመና ብደሆታት ዝምልከቱ (Gaudium et Spes) አዋጃትን መምርሕታትን አሰናደዉ።“ዓመተ እምነት” ካብቲ ዕላማታቱ ሓደ ናይ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ አድላይነት ዳግም ምርኣይን፡ አብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ተግባራዊ ንምግባርን እዩ። ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዝዛዘም 50 ዓመቱ አብ ጥቅምቲ 2012 ይመልእ አሎ። ቤተ ክርስቲያን ብብጊዜኡ ጉባኤ እንክትጽውዕ ንምሕዳስ ሕይወት ቤተ ክርስቲያንን ሕዝበ እግዚአብሔርን እዩ፤ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ከኣ ካብቶም ንምሕዳስ ቤተክርስቲያን ዝኾነ መበል 21 ጠቅላሊ ጉባኤ እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን አብ 50 ዓመት ንተሓድሶ ውሽጣዊ ሕይወታ ኮነ፡ ምስ ካልኦት አብያተ ክርስቲያናት ዘለዋ ርክባት ኮነ፡ ከምኡ እውን ምስዚ ዘመናዊ ዓለም እንገብሮ ምውሳእ በቶም ፍረ 2ይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኾኑ 16 ሰነዳት እያ እትምራሕን እትካየድን ዘላ። ስለዚ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ አብ ክፍለ ዘመና ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ዓቢይ ተስፋ ዝዀልዐ፡ ክርሳዕ ዘይብሉ ሕያው ዝኽሪ እዩ። እዚ ጉባኤዚ ንቤተ ክርስቲያን መንነታ ሕልፊ ፈሊጣ ንዓለም እተግህደሉ፡ ምሥጢር ድኅነት ኮይና ንክርስቶስ መርዓዊኣ ብለጋስነት እትምህረሉ ሓዲስ ሕልናን ጸጋን ሂቡዋ። ሎሚ እውን ድሕሪ 50 ዓመት ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ዝምስክር ዘሎ።
    ምስ መበል 20 ዓመት ምእዋጅ “ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን”(The Catechism of the Catholic Church) ብመገልገሊ አምላክ ር.ሊ.ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ (11 October 1992)፡

እዚ ሰነድ እዚ ናይ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ፍረን ንናይ ጉባኤ ሰነዳት ንምቅባል መጋበርን እዩ። ብ1985 አብ ዝኽሪ መበል 20 ዓመት ምዕጻው ጉባኤ ቫቲካን 2ይን ተቀባልነቱ ንምግምጋም ዝተጋብኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፡ ንመላእ ሕዝበ እግዚአብሔር ጥርኑፍ ትምህርተ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን፡ ንምምሃር ት/ክርስቶስን ርጉጽ መወከሲ ዝኸውን ክቅረብ ደለዩ። ር.ሊ.ጳጳስት ዮሓንስ ጳውሎስ 2ይ ከአ ነዚ እማመዚ ንኵላዊት ቤተክርስቲያንን፤ ንናይ ቦታ አብያተ ክርስቲያናትን አድላይነታት ዝምልስ ብምዃኑ ብሓጐስ ተቀበልዎ። እዚ ትምህርተ ክርስቶስ እዚ “ሓዲስን አረጊት”፡(ማቴ 13፡52) ዝሓዘ እዩ። ምኽንያቱ እምነት ኵሉ ጊዜ ሓደ እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ምንጪ (ክርስቶስ) ወትሩ ሓዲስ ብርሃን ዝኾነ ሓደ እዩ። ነዚ ክልተ መዓዝን ዘለዎ አድላይነታት ንምምላስ ት/ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን በቲ ሓደ ጐኒ ነቲ አረጊት፡ ነቲ ባህላዊ ብናይ ፕዮስ 5ይ አብ አርባዕተ ክፍልታት ዝተኽፍለ ይኽተል፡


በቲ ሓደ ጐኒ ከአ ንናይ ዘመና ሕቶታት ንምምላሽ ከአ እቲ ትሕዝቶኡ ሓዲስ አገባብ ሒዙ ቀሪቡ አሎ። እዚ ከአ ነቲ ቤተክርስቲያ አብዚ ናይ ክልተ ሽሕ ዘመን ዝተቀበለቶን ዝሓለወቶን ዘቅረበቶን ሃብቲ ትምህርቲ ቤተክርስቲያን እዩ። ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ክሳብ አበው፡ ካብ ተሎጋዊ ክእላታት ክሳብ ናይ ዘዘመኑ ቅዱሳን፡ ት/ክርስቶስ ቤተ ክርስቲያን አብ እምነት ዝገበረቶ አስተንትኖን፡ አብ ትምህርቲ ዘርኣየቶ ምዕባለን ቀዋሚ መዝግበ እምነት ምዃኑ የርኢ፡ በዚ ከአ ንኣመንቲ አብ ናይ እምነት ሕይወቶም ርግጽነት ንምውፋይ እዩ።
ዓመተ እምነት ናብ አምላኽ ክንምለስ ንእምነት ዳግም ክንፈልጣን ዝሕግዘና ዓመት እዩ፡ ዓመተ ሕዳሴ እዩ፡ በዚ ከአ አባላት ቤተ ክርስቲያን አብ ናይ ሎሚ ዓለም፤ ዝእመኑን ሓጐስ ዝመልኦም መስከርቲ ክርስቶስ ንክኾኑ እዩ። ነቶም ንእምነት ዝደልዩ አብ አፍ ደገ እምነት ምእንቲ ንኽመርሑ እዩ፡ እዚ “አፍ ደገ” እዚ ነቲ አብ ማእከልና ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ መጨረሽታ ዓለም (ማቴ 28፡20) ንኽርእይዎ ዓይኒ ሰባት ዝኸፈት እዩ። ንሱ ምሳኡ ብዘሎና ጽዑቅ ርክብ ሥልቲ አነባብራ ከመይ ከምዝንበር ዘርእየና እዩ። በዚ ፍቅሪ እዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ንነፍስ ወከፍ ወለዶ ናባኡ ይስሕብ። አብ ነፍስወከፍ ዘመን ከአ ወትሩ ሓዲስ ብዝኾነ መዚ ንቤተክርስቲያን ወንጌል ክትሰብኽ ሕድሪ ይህባ። ሎሚ’ውን እንተኾነ ናይ ቤተክርስቲያን ሓያል ምትእትታው ናብ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል አድላዩ ኮይኑ አሎ፡ በዚ ከአ ናይ ምእማን ሓጐስን፡ እምነት ናይ ምትሕልላፍ ባህግን ዳግም ክንረኽቦ ዘድሊ ክንድዝኾነ እዩ።

ድሕሪ ዕላማ “ዓመተ እምነት”፤ ምርኣይ “እምነት” ናይ እትብል ቃል ትርጕምን ድሕረ ባይታን ትሕዝቶኡን ክንመልከት።

ወነገሩ ኵሎ ዘገብረ ሎሙ እግዚአብሔርወዘከመ አርኀወ ሎሙ እግዚአብሔር አናቅጸ ሃይማኖት ለአሕዛብ
እቱ ዅሉ አምላኽ ዝገበረሎምን ነአሕዛብ አፍ ደገ እምነት ከምዝኸፈተሎምን አዘንተው (ግ/ሓ ፲፬፳፯)



እምነት
አምላኽ ብሰብ ዝኾነ ወዱ ኢየሱስ ገይሩ ንሰብ ተገልጸ (ዕብ 1፡1 ዮሓ 1፡14 ማቴ 11፡25-27) ተግልጾ ብቃላት ሰብ ነቲ ዘለዓለማዊ ቃል ናብ ሰብ ዘቅርብ ምሥጢር እዩ፤ ነዚ ተገልጾ ዝወሃብ ናይ ሰብ መልሲ እምነት ይበሃል። ስለዚ እምነት ከም ተገልጾ መልዕልተ ባሕሪያዊት እያ፤ ርክብ ሰብ አብ ክርስቶስ ዘቅውም ናይ እግዚአብሔር ምሥጢር እዩ። አብዚ ርክብ እዚ እቲ ቀዳማይ ተበግሶ ናይ አምላኽ እዩ፡ እዚ ውሳጣዊ ጻዋዒ አምላኽ፤ ንሰብ ነቲ መለኮታዊ ቃል ንምቅባል የኽእሎ። እምነት ብዘይ አፈላላይ አብ ሓደ ጊዜ ህያብን ናይ ሰብ ተግባርን እያ፡ጸጋን ነጻነትን እያ፡ ሰብ ብጸጋ እግዚአብሔር ጥራሕ እዩ ንኣምላክ ክኣምን ዝኽእል፤ (ኤፈ 2፡8-9 ዮሐ 6፡44 65 )ሰብ ነዚ መለኮታዊ ጻውዒት ክቅበል ብነጻ ድልየቱ እዩ፡
እምነት- ናይ ኣእምሮ ተግባር እዩ፣ እዚ ብጸጋ እግዚኣብሔር ዝተደረኸ ድላይ (WILL) ጸልዩ ኣብ ሰማያዊ (Divine truth) ሓቂ እንክብጽሕ ኣሚኑ ይበሃል (ቅ.ቶማስ ዘአኵኖ) (እዚ ኣገላልጻ’ዚ ናይ ማእከላይ ዘመን’ዩ፣ እዚ ከኣ ነቲ ብreformers ዝመጽእ ዝነበረ ጸገም ንምቅላል ሓይሉ ኣብ ኣእምሮ ገይርዎ ይርከብ። እቶም ተጻረርቲ “act’ of confidence” (ምትእምማን) እምበር ናይ ኣእምሮ ጉዳይ ኣይኮነን በሃልቲ ስለዝነበሩ። በዚ ከኣ ካብ ናይ ቅ.መጽሓፍ ኣተሓሳስባ ፍልይ ዝበለ’ዩ።
አብ ቅ.መጽሓፍ እምነት (biblical faith) ናይ ነፍሲ (psychic act) ጉዳይ እዩ።

1) አብ ብሉይ ኪዳን:- እቲ ቃል “ኣማን” ዝብል ናይ ሓዲስ ኪዳን መሰረት ኢዩ። አብ ሓዲስ ኪዳን እቲ ቃል ብፒስቲስ (pistis) ወይ ፒስተወይን (pisteuein) ተመልኪቱ ንረኽቦ።
ብመሰረቱ እዚ ቃል’ዚ ጽኑዕ/ድልዱል ማለት ኮይኑ ሓቀኛ ምዃን ማለት’ዩ። ንኣብነት ንሓደ ዘረባ ወይ ጸብጻብ ከም ሓቂ ምቅባል የስምዕ፤(Gn45:26) ዕብራውያን ጸብጻብ ተመኩሮታት ሙሴ ከም ሓቂ ተቀቢሎም። ንሱ ብእግዚኣብሔር ካብ ባርነት ግብጺ ነፃ ኬውጾኦም ዝተመዘዘ ገይሮም ወሰድዎ፣
ሓደ ኣብ ዓርኩ Jer:12:6; Mi7:5 ወይ ኣብ ኣገልጋሊኡ (Jb4:18) እምነት ይገብር። በዚ እምነት’ዙይ ሓደ ነዞም ዝሰመናዮም ነገራት ዝእመኑን ከም ትእዛዞምን ዕርክነቶምን ክትሰርሕ እትኽእል ሓቅታት ምዃኖም ምእማን ኢዩ።

እቲ “ኣማን” ዝብል ካብ “ኤሙናህ” “ኤመት” ዝብል ስም ዝመጸ ስለዝኾነ ጽንዓት(solidity) ብርታዔ [firmness] (Ex.17:12): የስምዕ፡ እቲ ጽኑዕ ዝኾነ ዑቅባ ዋሕስነት(security) ይህብ፣ Is.33:6 እግዚኣብሔር እሙን ስለዝኾነ ጽኑዕ ዋሕስነት(firm security) ይህብ: (Ps.36:6)
ዜና.2፣4- ቅዱስ/ቅኑዕ ሰብ ብእምነቱ (fidelity) ይነብር። ማለት እምነቱ ኣብ እግዚኣብሔር ዝገበረ። እዚ እምነት’ዚ ምስ “ሔሰድ” covenant love ተመዓረርዩ ይርከብ፤ እዘን ቃላት እዚኣተን እግዚኣብሔር ኪዳኑ ብዝርኢ ዘለዎ ተኣማንነትን ተስፋን የመልክት።
እዚ ቃል ንእግዚኣብሔር ብ”ነዓማን” ይገልጾ፤ ማለት ርጉጽ/እሙን በዚ ኸኣ ሓደ ንቃል እግዚኣብሔርን ትእዛዛቱን ይኣምኖ፣ (Dt.9:23; Ps:119:66).
Gn15:14 ኣብርሃም ነቲ ዝተዋህቦ ተስፋ ስለዝኣምነ ጽድቂ ተቈጽረሉ ኣብዚ ምእማን እቲ ዝተዋህበ ተስፋ ክፍጸም ምዃኑ ብዘይ ሰጋእታ ምቅባል ማለት’ዩ። ፍጹም ትርጉም ናይታ ቃል ነዚ የምልክት፣- ሓደ ንእግዚኣብሔር ይኣምኖ ይእመኖ (trusts him) ከም ርጉጽን እሙንን ንርእሱ የወፍየሉ፣
ዕላማ እምነት ኣብ ቋንቋ ኢሳይያስ ነቢይ፤ ፍጹም ናብ ኣምላኽ ምውፋይ (total commitment); ኩሉ ዓላማውን ግዙፍን ነገር ምሕዳግ፤ ኣብ ድሕነት ኣምላኽ ጥራሕ ዋሕስነት (Security) ምድላይ እዩ። እዚ ምግባር ማለት ብሓቂ ንኣኡ ከም እሙን/ሓቀኛን ምቅባሉ’ዩ።
ኣብ ዳግም-ኢሳይያስ፣ ኣእምሮኣዊ ዓይነተኛነት እምነት (the intellectual quality of faith) ይገልጽ። እስራኤላውያን ንያህወህ ክፈልጥዎን፤ ክኣምንዎን፤ ያህወህ ምዃኑ ክርድእዎን፤ ከምዝኽእሉ ምስክር እዮም። Is.43:10 ይብል። ንሳቶም ከምቲ ኣብ ትእዛዛት፡ ከምዘለዎ ንሱን፤ ንሱ ጥራሕን ኣምላኽ ምዃኑ ክፈልጡ ክርዱኡን ክቅበልዎ ኣለዎም። ስለዚ ኣእምሮኣዊ ዓይነተኛነት እምነት ኣብ ብሉይ ኪዳን ብ “ንእግዚኣብሔር ምፍላጥ” ብዝብል ተገሊጹ ንረኽቦ። እዚ ከኣ ሓሳባዊ (Speculative) ዘይኮነ ብዝተገልጸ ቃሉን ዘድሕን ተግባራቱን ከማኡ ከኣ ብዘለዎም ናይ እግዚኣብሔር ተመኩሮን እዩ።ስለዚ እቲ ልሙድ ቃል ከም ናይ ሰብ መልሲ ዝቀርብ “ምእማን” ኣይኮነን እንታይ ደኣ “ምስማዕ” - ከም ምቅባል/ምእዛዝ።ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘይምእማን ዝበዝሕ ጊዜ ብዘይምስማዕ ተመልኪቱ ንረኽቦ።

2) ሓዲስ ኪዳን ፡ = ምእማን/ እምነት(pisteuein /pistis) ዝብል ይጸንሓና፡ ፒስተወይን pisteuein classical Gk:- ምእማን/ተኣማኒ ምዃን፡ከ ም ሓቂ ምቅባል የስምዕ፡ፒስቲስ pistis (n) “እምነት”= ርግጽነት ተኣማንነት እምነት ኣብ እግዚኣብሔር (ፒስቲስተዮን pististheon) ማለት እግዚኣብሔር ወይ (ኣማልኽቲ) ከም ዘለዉ ምእማን። እዚ’ዩ እቲ ዋና ትርጉሙ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ።
(i) ተመሳሳሊ አረአእያ ዘለወን ወንጌል ማቴዎስ፡ ማርቆስ፡ ሉቃስ (Synoptic Gospels):- ኢየሱስ እምነት ይሓትት Mt9:28 Mt 4:36 Lk 8:25 ንእምነት ይንእድ-Mt 8:10 Lk 7:9 እምነት ከምዘድሓነት ይነገር፣- Mt 9:22 Mk 5:34 Lk 8:48 ብሓፈሻኡ ኢየሱስ ከምቲ ዝእውጆ ምዃኑ ምቅባል እዩ። እዚ እምነት’ዚ ከኣ ተኣምራታት ዝገብር።
(ii) ግ.ሓ= እምነት “ብኣመንቲ” ብዝብል ቃል ተገሊጻ ትርከብ፣ ኣመንቲ ትምህርቲ ሓዋርያት ሰሚዖም ኣብ ማሕበር ክርስትያን ዝተጸንበሩ እያቶም፣ “ክርስትያን” ምዃን ማለት “ምእማን” ማለት’ዩ፣ ኣብዘን ጥቅስታት ዝበዝሕ ናይ እምነት ዕላማ ስብከተ ሓዋርያት’ዩ። እዚ እምነት’ዚ ኣብ ጐይታ ምእማን ማለት’ዩ፣( ግ/ሓ 5፣14;9፣ 42) ብጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ብጸጋ ኢየሱስ ዝድሕነላ እምነት እያ 15፣11.
(iii) ጳውሎስ፣ እምነት ምስ ጥምቀት ተሓዊሳ ንሰብ ተጽድቆ ይብል፡ ሮሜ 1:17, 3:22, 26-30; 45, 930, ገላ 216, 3 8,24 ድሕሪ ተለውጦ ጳውሎስ ዝነብሮ ዝነበረ ሕይወት ኣብ ወልደ እግዚኣብሔር ምእማን’ዩ፣ ገላ 2:20. እዚ ሕይወት እዚ ምስ ክርስቶስ ምስቃል’ዩ፡ በዚ ኸኣ ክርቶስ ኣባኡ ይነብር፣ ሮሜ 6:8. ብእምነት ክርስትያን ብኢየሱስ ዉሉደ እግዚኣብሔር ዝኾኑ፣ ገላ l3:26. ስለዚ ብእምነት ኣቢሉ ክርስትያን ብጸጋ ይድሕን ኤፌ.2:8.። ካብ ዕብ 24፣ ቀጺሉ ሮሜ 1:17 ገላ.3:11 “ጻድቅ ብእምነት ይነብር” ዝብል ካብ Lxx እቲ ብዕብራይስጢ “ኤሙናህ” ዝብል አብ ግሪኽ pistis ስለዝተተርጐመ’ዩ፣ ማለት እምነት ናይ ሓደ ጻድቅ ዋና(ኣውራ) ሕይወት ምዃና ንምግላጽ’ዩ። እምነት ንቅ.ጳውሎስ ኣብ ክርስቶስ ምእማን ጥራሕ ዘይኮነ፣ ገላ.2:16, ኤፌ 1:15,ቆሎ 1:4, ኣብ ትምህርቲ ክርስቶስ’ውን ምእማን እዩ፣ ሮሜ 10:8. ስም ጐይታ ዘይጽውዕ ወላ ሓደ ክድሕን ኣይክእልን፤ እንተዘይኣሚኑ ወላ ሓደ ከኣ ስም ጐይታ ክጽውዕ ኣይክእልን። ብስብከት እንተዘይሰሚዑ ከመይ ኢሉኸ ሓደ ክኣምን ይኽእል? ሮሜ 10:13-15፣ ስለዚ እምነት ብስብከት እቶም ናይ ሕይወቱ ሞቱን ትንሣኤኡን ምስክር ብዝኾኑ እያ እትመጽእ።
ንጳውሎስ ትሕዝቶ ክርስትያናዊ እምነት፣ - ኢየሱስ ክርስቶስ (መሲሕ) ጐይታ ወልደ እግዚኣብሔር’ዩ፣ ንሱ ኸኣ ሞተ፤ ብሞቱ ካብ ሓጢኣት ነጺሕና ብትንሣኤኡ ከኣ ነቶም ብኣኡ እንኣምንን ንጥመቅን ሓድሽ ሕይወት የመሓላለፈልና።

(IV) ዮሓንስ ወንጌላዊ፣ እምነት ብዝርኢ ምስ ካልኦት’ኳ ተመሳሳሊ እንተኾነ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ ይርከብ። ኣብዚ እምነት፣- ኣብ ወድሰብ (ኢየሱስ) ምእማን የስምዕ፣ ዮሓ 9፣36,38 1145,48. ክርስቶስ ካብ እግዚኣብሔር ከምዝመጽኤ 1630 እቲ ሓደ ቅዱስ እግዚኣብሔር 669 ንሱ መድሓኒ ከምዝኾነ 1127 ምእምን’ዩ፣
ኣብ ዮሓ ፍሉይ ዝኾነ ግና ኣብ ቃል ክርስቶስ ምእማን፤ እምነት’ዩ፣ 222,547,845፡ እቶም ንሓዋርያት ዝሰምዑ፤ ኣብ ቃል ሓዋርያ ይኣምኑ 1720, እምነት ንዮሓ. ኣብ ስብከት ምእማን እዩ፣ ኣብ ወልደ ምእማን ሕይወት የምጽእ 336. እቲ ዘይኣምን ድሮ ተዀኒኑ’ዩ፣ 318. ኣይሁድ ኣይኣመኑን ከመይ ካብ እግዚኣብሔር ኣይኮኑን 847. እዚ ማለት ናይ ዓለም ሰባት እያቶም፣ እምነት ከኣ ካብ ዓለም ኣይመጽእን፣ ካብ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ ዝመጽእ፡ ሓደ ምእንቲ ክኣምን ከኣ ንዓለም ክኽሕድ ኣለዎ። ስብከት ምስተሰብከ ብፍላይ ከኣ ኢየሱስ ርእሱ እንክገልጽ፤ ሓደ ዘይኣምን ንዓለም ክሓድግ ዘይደሊ’ዩ። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ “ክርስትያን ብእምነት እምበር ብራእይ (Vision) ኣይከይድን ከማኡ ከኣ ከይረኤኻ ምእማን ንእምነት የኽብራ ዮሓ 20:29. ንዮሓ. ሥራሕ እምነት ፍቅሪ ብጻይ እዩ፣ 1ዮሓ 3:23 ይብል።

(V) ካልኦት ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን: ብዛዕባ እምነት ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣለዎም፤ እምነት ክቡር ህያብ ኣምላኽ እዩ፣ 1ጴጥ፣1፣1. ያዕ-2፣1፣ ንድኻታት 215f - ኣብ ድንገት ንዘለዉ ምሕጋዝ 225 እዩ፣ ሥራሓት ሕጊ ኣብ 28-11 ዝተጠቅሱ- ፍቅሪ ብጻይ - ክልከላ ዝሙትን ቅትለትን እዩ፣
እምነት ምስ ተገልጾ (Revelation) ዝተተሓዘ’ዩ፣ በዚ ከኣ ኣብ መንጎ ፍልስፍናን ተሎጊያን መሰጋገሪ’ዩ,(a bridge). ከመይ ተሎጊያ ቅጽል ፊሎስፍያ እዩ።ፍልስፍና ዝርኣ ፍልጠት (is concerned with vision knowledge i.e. A is B) እዩ ዝግድሶ።

ኣብ ክርስትና ግና እምነት ይውስኸሉ፣ ማለት ራእይ እምነት “ሓደ ነገር ከማኡ ከምዝኾነ እአምን፡ ርጉጽ እየ ማለት እዩ።
እዚ ዓይነት ትንተና-
    እነኣምኖ ክነረጋግጽ,ማለት ንእነኣምኖ

ገሊጽናን ክንክእል፣
    ንዘይኣምኑ ከኣ ገሊጽና ክንክእል ይሕግዘና፣

ስለዚ ንእንኣምኖ ክነረጋግጽ (prove) እንተኾና ካብ መሠረት እምነትና ክንጅምር ይግባእ። እዚ እቲ ናይ ፍልስፍና ደረት’ዩ፣ ካብዚ ከኣ ተገልጾ (Revelation) ይጅምር።
ተገልጾ- ንሕቡእ ነገር ምግሃድ ማለት’ዩ። ምግላጽ ማለት ምምሃር ኣይኮነን። ኣገሃህዳኡ ብምምሃርን ብምሕባርን ይኸውን፡ ተገልጾ ንሓደ- ነቲ ምስጢር ክፈልጥ ይሕብሮ፣ ምምሃር ግና፣ ንሓደ ነገር ክትርድኦ ይሕብሮ፡ ስለዚ ምግላጽ ምስ ምሕባር (inform) ተመሳሳሊ ኢዩ፣-
ንኣብነት ክርስቶስ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ሓቢሩና። ምስ ተገልጸ ዝቅረብ ከኣ ምእማን እዩ፣ ማለት ነቲ ዝተገልጸ ትኣምኖ። ምእማን ክልተ ክፍልታት (components) ኣለዎ።
1) ነቲ ሓባሪ (informer) = ኣባኡ እጽጋዕ አብነት፡ ንጴጥሮስ እኣምኖ፣ (I believe Peter) ኣባኡ እጽጋዕ (I relay on him (will operation) I trust him).

2) እቲ ሓባሪ ዝነገረኒ ኩሉ እኣምን፣


አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብቲ ንድኅነትና ዝለአኾ ምእማን፡ ነታ ድኅነት እቲኣ ንምጭባጥ ወሳኒ እዩ። መንፈሳውነት ካብ እምነት እያ እትፍልፍል፡ እምነት ከአ አምላኽ እንታይ ምዃኑ እተፍልጥ ሓይሊ እያ፡ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ እምነት ዘይብልካ ምዃን ክትሰምዕ ዘይምኽአል እዩ። ናይ ዘመና ጸገም ከአ ሰሚዕካ ዘይምኽኣ እዩ።

እቲ እነኣምኖ፡
    ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ፡ ኢየሱስ ጐይታ ኢልካ ምቅባል ኢየሱስ አምላኽ ምዃኑ ምእማን እዩ።
    ኢየሱስ ካብ ሞት ከምዝተንሥኤ ምእማን፤ መሠረታዊ ክርስቲያናዊ እምነት እዩ፡ ክርስቲያን ብዛዕባ ክርስቶስ ክፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነ ክፈልጦ ይግባእ።
    ምእማን ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ እትኣምኖ ምንባርን ምምስካርን እዩ፡

ሓዋ. ጳውሎስ ዝአምን ዘበለ ምእንቲ ክጸድቅ ክርስቶስ መደምደምታ ሕጊ ሙሴ እዩ ሮሜ ፲፡፬፡ ነቲ ካብ አምላኽ ዝመጽእ ጽድቂ 1ይ ቦታ ዘይመሃብ ንናይ ዘመኑ ሕዝቢ’ውን አጸጋሚ ምንባሩ ይገልጽ፤ ዘይምፍላጥ ዘይኮነ ከአ ብተኰል’ዩ ይብል። ናይ ሎሚ ወለዶ ነቲ ካብ አምላኽ ዝመጽእ ጽድቂ ዘይምፍላጥ የብሉን፡ ”ዘይምፍላጥካ ምፍላጥ” እዩ እቲ ድኽመት፡ ንሳቶም ናይ ባዕሎም ጽድቂ ብጻዕሮም ኬቁሙ ከምዝይክእሉ አይፍለጥዎን፡ ብዛዕባ ጽድቂ አምላኽ እትመጽእ ጽድቂ ጊጉይ ርድኢት ነበሮም፡ሓዋ. ጳው. ጽድቂ አምላኽ ካብ አምላኽ ጽድቂ እያ (ሮሜ 1፡17) ሰባት ከኣ ብኣምላኽ እዮም ጽድቂ ዝለበሱ፡ አብ ቅድሚ አምላኽ ቅኑዕ ዝገብር ከኣ ጸጋ አምላኽ እዩ፡ ህርንፋን ሓዋ. ጳው. ኵሎም እንኮላይ አይሁድ ክድኅኑ እዩ። ሎሚ’ውን ሰሀሮ ቤ/ያን ኵሎም ደቂ አዳም ናብ ድኅነት ንኽመጽኡ እዩ ጻዕራ። ሓዋ ጳው. ናብ አምላኽ ዝወስድ መንገዲ ሕጊ ብምፍጻም ዝጻሞኻዮ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ብእምነትን ብምትእምማንን ምዃኑ የረድእ።እቲ ዝቀርቦ ክትዕ “ብዛዕባኡ ዘይሰምዑ እንተኾኑኸ? ንዝብል “ንኣምላኽ ዘይትኣምን እንተኾንካ ክትጽውዖ አይትኽእልን፡ብዛዕቡ ከይሰማዕካ ብአኡ አይትአምንን፡ብዛዕባኡ ዝነግረካ እንተዘይረኽብካ ብዛዕባኡ ክትሰምዕ አይትኸልን፡ነዚ ሠናይ ዜና ብኣምላኽ ዝተላእከ እንተዘይኮነ ክነግሮ ዝኽእል የልቦን። ነቢይ ኢሳይያስ “ እቲ ብሥራት ዜበሥር፤ ሰላም ዜውሪ፡ ሠናይ ዘውሪ፡ ምድኅን ንዜውሪ… ክንደይ ግሩም እዩ” ንዝብል ጠቂሱ፡ ዝተላእከ አይነበረን ክትብሉ አይትኸእሉን፡ አብቲ ሓቁ ሰባት ንወጌል አይተአዘዙን ብኣኡ ምኽንያት ከአ ኢሳ. ነቢይ “ጐይታ ንምስክርነትና መን አመኖ? ዝብሎ ኵላቶም ንወጌል አይተቀበልዋን።“እምበአርከስ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ እቲ ዝስማዕ’ውን ቃል ክርስቶስ እዩ” እስከ ክሓትት፦ ከቶዶ አይሰምዑን ማለትዩ፡ ቢሉ ሓዋ. ጳው.መዝ.19፡4 “አልቦ ነገር ወአልቦ ነቢብ ዘኢተሰምዓ ቃሎሙ፡ ውስተ ኵሎ ምድር ወጽኣ ነገሮሙ፡ ወእስከ አጽናፈ ዓለም በጽሓ ነቢቦሙ፡ ደሃዮም ናብ ኵሉ ምድሪ ወፀ፡ ቃሎምውን ክሳብ ወሰን ዓለም በጽሐ”(መዝ 19፡4) ከምዝብል ብርግጽ ሰሚዖም እዮም፡ ሓዋ. ጳው፣ እስከ ደጊመ ክሓትት “፳ላውያንከ አይፈልጡን ማለት ድዩ? ቅድም ሙሴ “አነ ሕዝቢ ብዘይኮነ ከቅንአኩም፡ እእምሮ ብዘይብሉ ሕዝቢ’ውን ከዀርየኩም እየ” ይብል።



እቲ ምሩጽ ሕዝቢ ነዚ መልእኽቲ አይተረድእዎን እቶም አሕዛብ ግና ከይሓሰብዎን ብሀንደብተን ንዝመጽኦም ተቀበልዎ። ብሰንኪ ዘይምእዛዝ ናይቲ ምሩጽ ሕዝቢ አምላኽ ነዚ ጉንዖ እዚ ናብ ካልእ ሕዝቢ ከመሓላልፎ እዪ’ሞ በዚ ክቀንኡ ምዃኖም ገለጸ (ዘዳግ 32፡21) ኢሳይያስ እውን ደፊሩ “ነቶም ዘይደልዩኒ ተረኸብኩሎም፡ ንዘይሓተቱለይ’ውን ተገለጽኩሎም” ኢሳ 65፡1) ይብል።
ስለዚ ሓዋ. ጳው. አምላኽ ወትሩ ንሕዝቡ ናባኡ ክመልሶ ኢዱ ዘርጊሑ ምስ ተጸበየ እዩ፡ እቲ ናቱ ሕዝቢ ግና ወትሩ ዘይእዘዘን ነቃጽን ኮይኑ ተርፈ። አምላኽ ንቅድስና ወትሩ ምስ ጸዋዓና እዩ፡ ነዚ ጽዋዔ ዝተቀበሉ ቅዱሳን ይበሃሉ።
እዚ ብሂል ናይ ሓዋ. ጳው ይገርመና ይኸውን፡ ከመሓልልፎ ዝደለዮ፡
    ንፍልጠት ጐሲኻ ብምኻድ ዝፍጠር ድቍርና ከምዘሎ፡ ሰብ ሰሚዕዎ ብዘይፈልጦ ፍልጠት ክውቀስ አይክእልን፡ ነቲ ቀረባኡ ዝኾነ ምፍላጥ ሸለል ዝብል ግና ተወቃሲ ይገብሮ። ነቲ አምላኽ ዝገለጸልና ፍልጠት ናይ ክርስቶስ ክንፈልጦ ትሑዛት ምዃና ዘረድእ እዩ።
    ጳው ኵሉ ናይ አምላኽ እዩ፡ ኵሉ ከአ አብ ምርጫ ሰብ እዩ፡ ናይ ኲሉ ድሕረ ባይታ አምላኽ ምዃኑ ንፈልጥ ማዕረማዕረኡ ከአ ውህበት አምላኽ ክነጽግ ነጻ ኢና፡ እዚ እዩ ሰብ ምሥጢሩ፡ ክሳብ ናይ አምላኽ ውህበት ክነጽግ ነጻነት ዝተዋህቦ ለባዊ ፍጥረት እዩ፡

ክንድዝኾነ ከአ አሚኑ ክጸድቅ ክድኅን አብ ምራጫኡ እዩ፡ ንሕና ከአ ሎሚ ብብዙሕ ነገራት ንጽድቂ ከይንመርጽ ዝዓግቱና ካብ ውሽጣዊ ስምዒትና ካባቢና ዝተፈላለዩ ራእያትን ፍልስፍናታትን አለዉ።
ሰብ ግና ነቲ ሕያውን ዘለዓለማውን ክሓስብን ክመርጽን ቤ/ያን ምስ ሓዋ. ጳው ኮይና፡” ስምዑ - እመኑ - ስም አምላኽ ጸውዑ -ድኃኑ’ ትብለና አላ። ነዚ እንተገበርና ክንጸድቅ ኢና፡



ስለዚ እዚ “ዓመተ እምነት” ንኹሎም ኣመንቲ ብዕምቈት ክርድእዎ ዘለዎም መሠረት ክርስትያናዊ እምነት ምስቲ ሕይወትን ሓዲስ ኣንፈት ዝህብ ክርስቶስ ምርኻብ እዩ። “ዓመተ እምነት” ነዚ ዝስዕብ ኣበርክቶ ክህልዎ ትጽቢት ይግበረሉ።
    ናብ ኢየሱስ ጐይታ ምምላስ፣ ኣነባብራና መርሚርና ዘሎና እምነት ርኢና፣ ብእተሓደሰ መንፈስን ንስሓን፣ ተለዊጥና ናብ ኢየሱስ ምምላስ።


    ንእምነት ዳግም ክንረኽባ፣ በዚ ኸኣ ዝእመኑ ኣባላት ቤተ ክርስትያን ንምዃን እዩ።


ኣብ “ዓመተ እምነት” ንጉባኤ ቫቲካን ከመይ ከምዝተቀበልናዮን ኣብ ተግባር ከም ዘውዓልናዮን ንምግምጋም እውን እዩ።
ካብ ጉባኤ ቫቲካን ዝግበር ኣትሒዙ “ተቀባልነት ጉባኤ” ዝብል ብብዝሒ ዝተላዕለ ሓሳብን መጋበርን ነበረ። እዚ ቃል እዚ ናይ ቦታ ቤተክርስትያናትን ምስታ ኵላዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዓውዲ ምቅባል ጉዳያት እምነትን፡ ሕጊ ቀኖናን ዘሎ ርክብ ንምግንዛብ ዝጠቀሙሉ ዝጸንሔ ቃል እዩ። እዚ ምቅባል እዚ ክልተ ገጻት ኣለዎ።
፩ይ ውሽጣዊ፣- ሰነዳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብናይ ክልላዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያናት ተቀባልነት የመልክት።
፪ይ ደጋዊ፣- ብጉባኤ ዝቀረቡ ሰነዳት ንኻልኦት እምነት ምስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምሉእ ሱታፌ ዝምልከት።
ስለዚ “ምቅባል” እትብል ቃል - ነቲ ኮንጋር ዝህቦ ትንተና ክንርኢ ሓጋዚ’ዩ፣ እቲ ኣገባብ ሓደ ቤተክርስትያናዊ ኣካል ብምልኡ ወይ ናይ ክልላዊ ቤተክርስትያን ብፍላይ ምስ ዕላዊ ሰነዳት ወይ ትምህርቲ ምግጣም ማለት እዩ።
“ምቅባል” እምበኣር ንትምህርቲ መሃሪ ኣካል ቤተክርስትያን (Magisterium) ተቀቢሉ ንሕዳሴ ሕይወት ክልላዊት ቤትክርስያን ኣበርክቶ ገይሩ ምንጪ መሠረታዊ መንፈሳውነት ዝኸውን እዩ።
“ምቅባል” ንቤተክርስትያናዊ ሱታፌ ዋና ነገር እዩ; ንሰብ ሥልጣን ቤተክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ኣመንቲ እውን እዩ። ምቅባል ከም ሱታፌ ንሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ክፉት ምዃን እዩ። እዛ “ምቅባል” እዚኣ ማእከል ርክብ ኣምላኽን ሕዝቡን እያ።
ጉባኤ ኣብ መንጎ ኣቡናትን ምእመናን ንዝቆመ ዘደንቅ ሱታፌ ይዛረብ፣ ንኣብነት ኣብ DV 10 “ቅዱስ ትውፊትን ቅዱስ መጽሓፍን ንቤተክርስትያን ሕድሪ ዝተዋህቡ ናይ ቃለ እግዚኣብሔር መዛግብቲ እዮም” እቲ ቅዱስ ሕዝቢ ብሙሉኡ ንኣኦም ኣጽንዑ ብምሓዝ ምስ ጓሶቱ ሓደ ኮይኑ፣ ኣብቲ ትምህርቲ ሓዋርያትን ኣብ ሱታፌ ሓድሕድን ኣብ ምቍራስ ኅብስትን ኣብ ጸሎትን ወትሩ ጽኑዕ ኮይኑ ይርከብ፤ ከምዙይ ኢሉ ከኣ ነቱ ዝተመሓላለፈ እምነት ብምቅባሉን ኣብ ግብሪ ብምውዓሉን ከም ምእማኑን ኣብ መንጎ ኣቡናትን ምእመናንን ፍጹም ሓድነት መንፈስ ይፈጠር”። (LG. 12)
ምቅባል ናይቲ እማመታት ኣእምሮኣዊ ምልላይ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ምቅባሉ ፈተነ እውን እዩ።
መምዘኒ ምቅባል ሰነዳት ጉባኤን መምርሒ ቤተክርስትያን ብዝምልከት ዕላዊ ትምህርቲ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ከምዚ ይብል፡
1) ሥርዓተ ኣምልኾን ባህልን ምዕቃብ፣ “ኵሎም ኣባላት ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ክርድእዎ ይግባእ፣ ነዚ ኩሉ መምርሒታት ብዓቢይ እምነት ኣብ ግብሪ ከውዕልዎ ዘለዎም ባዕላቶም ምሥራቃውያን እዮም። ዕላማኦም ኩሉ ጊዜ ናብ ዝለዓለ ፍልጠት ምዝውታር ሥርዓቶም ንክኸውን ኣለዎ። ብምኽንያት ኩነታት ወይ ሰባት ካብ ሥርዓቶም ተዘናቢሎም እንተተረኽቡ ከኣ ናብቲ ኣቦታቶም ዘጽንሑሎም ናይ ባህሎም ውርሻ ክምለሱ ክጽዕሩ ኣለዎም”። (OE 1,6)፤

2) ቤተክርስትያናዊ መምርሒ ምሕላው፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ከም ካቶሊክ ነቲ ምሉእ ካቶሊካዊ ባህሊ ክትሳተፎን ክትነብሮን ግብኣን መሰላን እዩ። እዚ እታ ሓንቲ እምነት ክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ዝማዕበለትሉን ኣብ ናይ ቦታ ቤተክርስትያን ዝነብረሉን ዝተፈላለዩ ሓዋርያዊ ልምድታት (Apostolic Traditions) ማለት እዩ።

3) ትግባረ መምርሒታት፣- ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ግእዝ ወራሲት ሓዋርያዊ ባህሊ ምሥራቅ እያ። በዚ ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ሥርዓተ ኣምልኾን መንፈሳውነት ቤተክርስትያን ሥርዓተ ግእዝ ሓልዮም ካቶሊካውነት ክሰብኩ ሓደራ ዘተዋህቡ። ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ታሪኻዊ ፍጻመታት ፍርዲ እኳ እንተዘይ ኣመሓላለፈ ኣብዚ ዘሥርዓተ ግእዝ ከባቢ ካቶሊካውያን ኰንና ክንብርትዕ እንተደኣ ኮይኑ ምእንቲ ሓንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክርስቶስ መንፈስ ብዝተፈላለየ ሓዋርያዊ ባህሊ ዝተመርሐ ነዚ ባህሊዚ ብምልኣት ክንክተሎን ክንነብሮን ግዲ እዩ።
እምበኣርከስ ጉባኤ ቫቲካን እቲ ዝለዓለ መሃሪ ኣካል ቤተክርስትያን ብንጹር፣ እንታይነትናን ተልእኮናን ኣብዛ ቤትክርስትያን እዚኣ ኣነጺሩ ኣስፊርዎ ይርከብ። ጉባኤ፣-
    ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘሥርዓተ ግእዝ ናይ ክልላዊ ቤተክርስትያን ኮይና፣ ናይ ሥርዓተ ግእዝ ባህሊ ትኽተልን ትነብሮን ምዃና ትነግረና ኣላ።
    በቲ ኻልእ መዳይ ከኣ እዛ ዘሥርዓተ ግእዝ ቤተክርስትያን ምሥራቃዊ ባህልን ልምድን ከየጥፈኤት ምሉእ ሱታፌ ምስ መንበረ ጴጥሮስ ከም ዘለዋ ከኣ ትምስክር። (UR 15-17b, OE 24, 30 CCEO c.904)

እምበኣር ኣብ ቤተክርስትያን ንጉባኤ ናይ ዘይምቅባል ወይ ዘይምትግባር ጸገም ከምዘሎ እንኣምን እንተደኣ ኰንና፤ ኣብዚ ብጉባኤ ዝተኣወጀ ሰነዳት ንመንነትናን ከቶሊካዊ ኣነባራናን ብዝምልከት ግደፈት ናይ ዘይምውፋይ (Lack of true determination) ኣሎ ማለት እዩ። እንተደኣ መልስና “እወ” ኮይኑ ናይዚ ዘይተወፋይነትና ወይ ዘተቀባልነትና ምኽንያትን ሱርን ክንፈልጥ ይግባእ።
እቲ ሕቶ፣-
    እቲ መሠረታዊ ትምህርቲ ጉባኤ ቫቲካን 2 ተቀባልነት ረኺቡ እንተደኣ ኮይኑ ብናይ ሥርዓተ ግእዝ ካቶሊካውያን ይነብርዶ’ሎ? ወይ ከኣ ገና ሎሚ’ውን 50 ዓመት ድሕሪ ጉባኤ እቲ ዘይቅኑዕ መንነት ብጉባኤ ዝተነጽገ ኣብዛ ዘሥርዓተ ግእዝ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ምዃን ማለት ከአ፤ ንናይ ምዕራባውያን ካቶሊካውያን ባህሊ ምምሳልን ንኣኡ ምትብባዕን ኣብ ትግባረ ምውዓልን እዩ ዘሎ? ከማኡ እንተደኣ ኮይኑ እቲ ምኽንያት ንናይ ጉባኤ ሰነዳት ዘይምፍላጥ (Lack of knowledge) እዩ። እቶም ሰነዳት ንጹራት እያቶም ቤተክርስትያንና ክተተግብሮም ከኣ ናይ ግዲ እዩ። ኣብ LG 23 “እዚ ብሓዋርያትን ተካእቶምን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተመሥረታ ኣብያተ ክርስትያናት… እቲ እንኮ መለኮታዊ ኣቋውም ቤተክርስትያን ሓልየን፤ ናይ ባዕላተን ሥርዓትን ሊጡርጊያን ትምህርተ መለኮትን ካልእ መንፈሳዊ ውርሻን ይጥቀማ… (ኣብ OE 1,6, UR 17 ዘሎ ምውካስ ይኣክል)።

እቶም ናይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነዳት ኣፍልጦ ዘለዎም እንተኾነ ከተግብርዎ ዘይርኣዩ እንታይ እዩ ምኽንያቱ? ዝኾነ ዉሉደ ክህነትን ሕዝብን ኣብ ታሪኻውን ሕዝባውን ሃይማኖታውን ናይ ከባቢ ኣተሓሳስባን ይጽሎ እዩ።

ኣብ ምድሪ ሓበሻ ክርስትና እንክኣቱ በቶም ባህሊ ኣለክሳንድርያ ዝኽተሉ ኣመንቲ ደሓር ብኣለክሳንድርያ መዓርገ ጵጵስና ተቀቢሎም ብኣለክስንድራዊ ባህሊ ወንጌል ዝሰበኹ ኣቡነ ሰላማ ክሰተ ብርሃን፡ ድሕሪኦም ዝሰዓቡ ኵሎም ነዚ ባህሊዚ ኣልበሱና። ጸኒሑ ኣብ ውሽጢ ዘመናት ግእዛዊ መንነት ለቢሱን ምስ ባህሊ ሓበሻ ተሰማሚዑን ከኣ ናብ ሥርዓተ ግእዝ ማዕበለ። እዚ ሥርዓት እዚ ናይ ኩሉ ወዲ ሓበሻ መለለይን መፍለጥን መንፈሳዊ ባህሊ ኮነ። ኣብ ታሪኽ ብዝተፈጸሙ ጌጋታት ሰበኽቲ ወንጌል፡ ናይ ገለ ነቲ ልምድን ባህልን ዘሓበሻ ዘይምፍላጥ፤ ናታቶም ባህልን ልምድን ከተኣተትዉ ምስ ጀመሩ ነዚ ሓድሽ ልምዲ ዘይዓበየሉ ዉሉደ ክህነትን ሕዝብን ኣብ ዘይተደልየ ቅርሕንትታን ተጻብኦታትን ስለዘምረሐ ክፈላሊ ግዲ ኮነ። ነቲ ድሒሩ ዝተኣታተዎ ባህሊ ክኽተሉ ዝደለዩ ዉሉደ ክህነት ካብቲ ዝጸንሐ ባህሊ ናብ ዝፈልዮም ጉዳይ ኣምርሑ። ካቶሊክ ምዃን ከኣ ነዚ ሓዲስ ባህሊ ምኽታል ከስምዕ ጀመረ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ክሳብ ጉባኤ ቫቲካን 2ይ ቀጸለ። ምስ ብዝሒ ጊዜ እዚ ነቶም ዝኽተልዎ መለለዩ መንነት እናኾነ መጽኤ። ኣብ ምድሪ ሓበሻ ምትካል መንፈሳዊ ማኅበርት ዘሥርዓተ ላቲን ከኣ ንምድሪ ሓበሻ ጓና ዝኾነ መንፈሳውነትን ሊጡርግያን ንምትብባዕ ዓቢይ ኣበርክቶ ገበረ።ካብዚ ዓይነት ፍልልያት ዝነቀለ ሎሚ ከም ክፍሊ ካቶሊካዊ ሥርዓተ ግእዝ ኮይኑ ምርካቡ ዘሕዝን እዩ።
እዚ ርድኢት እዚ ክእረም ዝኽእል ልባዊ ለውጢ ብምግባር ኣብ ሊጡርግያን መንፈሳውነትን ተልእኮን ጉስነታዊ ሕይወትን ጉባኤን ድሕርኡ ዝወጽኡ ሰነዳት ተመርኩስካ ሕዳሴ ብምግባር፡ ኣብቲ ዘሕብርን ሓቀኛ ምንጪ ሥርዓተ ግእዝ ብምምላስን እዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ ንሓድነት ክርስትያን ዘተባብዕ ስጉምቲ እውን ይኸውን (UE4, 6,7,8)።
ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘሥርዓተ ግእዝ ካብ ሱተፌ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዙሕ ህያባት ትቅበል፣ ብመንጽሩ ካብኣ ሓቀኛ ካቶሊካዊ ምሥራቃዊ መንነታ ክትነብሮን ክትምስክሮን ትጽቢት ይግበረላ። ንመንፈስ ጉባኤ ቫቲካን ከምቲ ቤተክርስትያን ዘሥርዓተ ግእዝ ክትነብሮ ካብቶም ዝሕግዙ ባእታታት ኣብኣ ዝርከቡ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ዝህቡ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮን፣ ኣንስትዮን ማኅበራት ገዳማትን እያቶም፣ እዚ ሓሳብዚ ኣብ OE 6 ሰፊሩ ንዘሎ ምግንዛብ ይኣክል። ቀጺሉ ከኣ “ኣብ መንጎ ምሥራቃውያን ምእመናን ዝርከቡ ሥርዓት ላቲን ዝኽተሉ ገዳማውያን ኮነ ማኅበራት ሓዋርያዊ ተልእኾኦም ዕዉት ምእንቲ ክኸውን ብዝተኻእለ መጠን ናይ ምሥራቃውያን ሥርዓት ዝኽተሉ ገዳማት ወይ ማኅበራት ክምሥርቱ ነተሓሳስቦም” OE6 እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ሕጊ ቀኖና ዘምሥራቅ ኣብያተ ክርስትያናት ሰፊሩ ንረኽቦ።
“ዓመተ እምነት” ሰነዳት ጉባኤ ቫቲካን ንምፋላጥን ንምርዳእን ዝሕግዝ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ኤጳርቅናና ንጉባኤ ብኸመይ ከም እተቀበለቶ እትምርምረሉ ጊዜ እዩ። ኤጳርቅና ከረን ካብ ዕለተ ምሥረታኣ ጀሚራ ካብቲ ቅድሚያ ዝተዋህቦም ጉዳያት ሓደ፤ ጉዳይ ሥርዓተ ኣምልኾ ነበረ። ሰነዳት ጉባኤ ቫቲካን፣ አብ ሕጊ ቀኖና ዘምሥራቅ ኣብያተ ክርስትያን፤ ኣብ ሕጊ ቀኖና ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስቲያንን ዘሎ ሥርዓተ ሊጡርግያ ናይ ኣፈጻጽማኡ መምርሒ ኣብ ዝብል ጽሑፋት ተመሥሪታ ንሥርዓተ ኣምልኾ ዝምልከት ግቡእ ምሥራቃዊ መልክዑ ንኽለብስ ትጽዕር አላ።

እዚ “ዓመተ እምነት” ነቲ ተሪፉና ዘሎ ናህሪ ወሲኽና ንምትግባሩ ዘተባብዓና ዓመት ኮይኑ፤ ሊጡርጊያና ዓቂብካ፡ ኣብ ሥርዓትካ ምጽናዕን ጥቅሙን ትሕዝቱኡን ፈሊጥካ ነቲ መንነቱ ከቅይሮ ዝኽእል ነገራት ምውጋድ እዩ።
ንጉባኤን መምርሒኡን ምቅባልን ኣብ ተግባር ምውዓልን ንቤተክርስትያን ምእዛዝ እዩ። ነዚ እናፈለጥካ ኣብ ግብሪ ክትውዕሎ ዘይምህቃን ግና ወይ ከኣ ኣብቲ ዝለመድካዮ ምጽናዕ ካቶሊካውን ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ መንነትካ ዘይምፍላጥ ኮይኑ እምቢትነት የመልክት። እምቢትነት ከኣ ዘይምእዛዝ እዩ። “ዓመት እምነት” ነዚ ግድፈት ተረዲእና ናይ ልቢ ለውጢ ገርና ኣብቲ ሓቀኛ ባህልና ተመሊስና እምነትና ክንፈልጦ፣ ክነብሮ፣ክምስክሮ ንጽዋዕ ኣሎና።

ዓመተ ጸጋን ይግበረልና፡ ወላዲተ አምላክ ድንግል ማርያም ነዚ ጸጋዚ ተመልደልና።

እስመ በኵለሄ ወትረ ይሴባሕ እግዚአብሔር!!!


+ ኣባ ኪዳነ
በጸጋ እግዚአብሔር ወበሥምረተ መንበረ ጴጥሮስ
ጳጳስ ካቶሊካዊ ኤጳርቅና ከረን








All the contents on this site are copyrighted ©.