2012-11-03 15:07:52

ብፁዕ ኣቡነ ማርኬቶ፦ ታሪኻዊ ሐቅነት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዳግም ምርግጋጽ


እቲ ዝኽሪ መበል 50 ዓመቱ ዝበዓል ዘሎ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሕጂ እውን ቡሶላ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ምዃኑ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ልሂቅ ሊቀ መንበር ናይ ስነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ኣጎስቲኖ ማርኬቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዛዕባ እታ ጽባሕ ኣብ ሮማ RealAudioMP3 ንንባብ ክትበቅዕ ዘላልይዋ “Il Concilio ecumenico Vaticano II. Per la sua corretta ermeneutica”- ንትኽክለይና ስነ ኣግባብ ትርጓሜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን” ዘርእስታ መጽሓፎም ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ሎሚ ካብ ቀደም ትኽክለይናን ንጹርን ርድኢትን ተነቦን ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ነቲ ብዙሕ ጊዜ ዝርአይ ብድብድቡ ወይ ድማ ብሓፈሻኡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝብሎ እናተባህለ ዝንዛሕ ዘረባን ዝቐርቡ መግለጽታትን ንምእራም ዝሕግዝ እዩ” ኢሎም።
ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቡሶላ እዩ፣ ኮይኑ ግን እዚ ቡሶላ’ዚ ክዓዪ ዘኽእሎ ኩነት የድሊ፣ እዚ ድማ ኣድላይነት ምንጻር ታሪካዊ ሓቅነት ቅዱስ ጉባኤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዩ። ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስነ ትንተናን ትኽክለይና ስነ ኣግባብ ናይ ትርጉሙ ዝገልጽ ናይ ገዛእ ርእሱ ስነ ገለጻን ትንተና የድልይ። እዚ ንገዛ እርሱ ንትኽክለይናን ቅኑዕን ትግባሬ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝድግፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ንትግባሬኡ ዘቃላጥፍ እውን እዩ። ማእከላዊ ሓሳብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስትያን እያ” ምስ በሉ፣ ምሉእ ብምሉእ ዘይምቕባልን ገለ ገለ ክፍሊ ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቆንጺብካ ጥራሕ ምቕባል ዝርአይ ተግባርን ዘስዕቦ ዘበለ ኩሉ ዓይነት ሽግር ንምውጋድ እቲ ንሶም ዝደረስዎ መጽሓፍ ደገፍ ምኻኑ ዝጠቐሰ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና፣ ምሉእ ብምሉእ ወይ ድማ ገለ ገለ ክፍልታቱ ጥራሕ ምቕባል ክብሃል እንከሎ እንታይ ማለት እዩ እንክብል ንዘቕረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ “ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘይምቕባል ማለት ነቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንምትንታኑን ንምግላጹን ዘገልግል ቤተ ክርስትያን እተቕርቦ ስልጣናዊ መምዘኒታት ዅሉ ኣይፋል ምባል ማለት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንትኽክለይና ስነ ኣግባብ ትርጓሜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኣመተ ሓሳብ ገሊጾም እዩም። እዚ ድማ ቀጻልነት ኣብ ሕዳሴ ዝብልን እታ እንኮ በዓል ቤት ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ሕዳሴኣ ኣብ ቀጻልነታ ዝብል እዩ። ስለዚህ ትኽክለይናን ቅኑዕን ትንታኔ ንምቕባል ዝከኣ ትክክለይና ትንተናን ትርጉምን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ዝህልው ጥራሕ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ቤተ ክርስትያን ንትኽክለይና ስነ ኣግባብ ኣተረጓጉማ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝመርሕ ብስልጣናዊ መርሕነታ እትህቦ መምርሕታትን ኣስተምሆርን ምንጻር ማለት ምዃኑ የመልክቱልና እንክብሉ መሊሶም ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብትኽክል ንምግንዛቡን ብሕዝበ እግዚኣብሔር ንክፍለጥ፦ “ምስ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምትሕሓዝ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝኣውጅዎ ናይ እምነት ዓመት ሓደ ዓቢይ መጋበርያ እዩ። ናብ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነዳት ክትኮርን ብኣኡ መሰረት እምነት ምንባብን ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዑምቀት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ናይ እምነት ዓመት ነዚ ዝድግፍ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልስል ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.