2012-11-01 12:41:28

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና


ዕለት 31 ጥቅምቲ 1512 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ጁሊዮ ዳግማዊ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እተብዕሎ ዓመታዊ በዓል ኩሎም ቅዱሳት ምኽንያት ብዘዕረግዎ ጸሎተ ዘሰርክ ተመሪቑ ዝተኸፍተ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ብናይ ስነ ቅብእን ስነ ሕንጻን ንድፍን ሊቅ ሚከልአንጀሎ ብዘደንቕ ሞያኡ RealAudioMP3 ተጠቂሙ ዘማዕረጎ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ንዝኽሪ መበል 500 ዓመትን ከምኡ እውን እምነት ብስነ ጥበብን ቅብእን ንድፍን ዝምስከርን ዝመሓላለፍን ምዃኑ ንምርግጋጽ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ኣብቲ ታሪኻዊ ብስነ ጥበብን ንድፍን ቅብእን ዓባይ ቅርሲ ዝኾነ ብዓይነቱ ኣብ ዓለም ፍሊሉይን ተደናቕን ቤተ ጸሎት ጸሎተ ዘሰርክ ከምዝመርሑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
በታ ዕለት ምኽንያት ናይ ሃገረ ቫቲካን ቤተ መዘክር ዋና ኣመሓዳሪ ፕሮፈሶር ኣንቶኒዮ ፓውሉቺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ቤተ ጸሎት ድሕሪ 5 ዘመን ሕጂ እውን ስነ ጥበባዊ ማዕረጉን ጽባቔኡን ተዓቂቡ፣ ከም ቀደም ኣናስር ጽባቔኡ ንምድናቕን ንምስትንታንን ኣብ ዓመት ልዕሊ 5 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ከምዝበጽሖ ሓቢሮም፣ ኣብቲ ቤተ መዘክርን ቤተ ጸሎትን ሓድሽ ምቻ’ወ ኣየር ክትከል ምዃኑ እውን በዚ ኣጋጣሚ ገሊጾም፣ እዚ ብካፔላ ሲስቲና ዝፍለጥ ቤተ ጸሎትን ቤተ መዘክርን ኵላዊ ናይ ስነ ጥበብ ቤተ መዝከር ጥራሕ ዘይኮነስ እታ ካፐላ ሲስቲና ኵላዊ ምስሊ ሓቆፍ እውን እያ። ስለዚህ ዓበይቲ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝስርዑ ልጡርጊያ ዝፍጸመሉን ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ሓድሽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓርይሉን ብምዃኑ ዘለዎ ክብርን ልዕልናን ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ብኻልእ መዳይ ድማ ሙያዊ ሊቅነት ሚከልኣጀሎ ንገዛ እርሱ ምኽንያት መስህቦ እውን እዩ። ስለዚህ ናይቲ ዓቢይ ናይ ስነ ጥበብን ንድፍን ቅብእን ሥነ ቀረጻ ሓውልትን ሊቅ ስራሓት ዝተነብሮ ኣውን ብምዃኑ፣ ዘለዎ ሓይሊ መስህቦ ዓቢይ እዩ። ሚከላኣንጀሎን ከምኡ እውን ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺን ናይቶም ዓበይቲ ኣብ ናይ ስነ ጥበብን ንድፍን ቅብእን ስነ ቅርጺ ሓወልትን ባህሊ ዘለዎም ማእከላዊ ስፍራን ዓቢይ ጸብልልነትን ዘጉልሕ ስፍራ እውን እዩ።
ካፐላ ሲስቲና ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንነት ዝተነብሮ ስፍራ ከምዝኾነን እቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ቅብእን ኣሳእልን ንድፍታትን “ናይ ካቶሊካዊ እምነት ጭቡጥ መዝገብ ትምህርተ ክርስቶስ’ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቲዮሎጊያን ዓንቀጸ እምነትን ዘመሓላልፍን ናይ ሚከልኣንጀሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ቦቲቸሊን ፐሩጂኖን ጊርላንዳዮን ሮሰሊን እጹብ ድንቅ ናይ ስነ ጥበብን ንድፍን ቅብእን ስራሐቶም ዝተነብሮ ስፍራ እዩ። ኣረክቦ መፍትሕን ናይ ሙሴ ታሪኽን ናይ ክርስቶስን ዘፍጥረትን ፍጻሜ ዓለምን ኣልፋን ኦሜጋን ራእይን ገሃነም እሳትን መንግስተ ሰማያትን ዝገልጽ ኵላዊ ጭቡጥ መዝገብ ትምህረተ ክርስቶስ እዩ ኢሎም።
ውህበትን ውበትን ካፐላ ሲስቲና ንምዕቃብ ብዙሕ ጻዕርን ኤኮኖምን ይሕትት፣ ስለዚህ በቢ እዋኑ ካፔላ ሲስቲና ካብ ምብካል ናይ ከባቢ ተፈጥሮ ኣየር ዘጓንፎ ኩለ መዳያዊ መጉዳእቲ ንምክልኻል ብዙሕ ጻዕርን ናይ ኤኮኖሚ ዓቕምን ስለ ዝሓትት ነቲ ቤተ መዘክርን ቤተ ጸሎትን ውበንት ውህበትን ንምዕቃብ በቢ ዓመቱ ብዙሕ እዩ ዝግበር፣ ዓቂብካ ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ ምስግጋር ቀሊል ኣይኮነን ኢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.