2012-11-01 12:02:54

ር ሊ ጳ ናይ ክሮአጽያ ቀዳማይ ሚኒስተር ተቀቢሎም አዘራሪቦም ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ናይ መንግስቲ ክሮአጽያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዞራን ሚላኖቪች አብ ቤት ጽሕፈቶም ተቀቢሎም ከም ዘዘራረብዎ አብ ክፍሊ ማኅተም ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አገንዚቡ ።
በዚ አብ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ መሰረት ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ናይ መንግስቲ ክሮአጽያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዞራን ሚላኖቪችን ወቅታዊ ርክብ ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ክሮአጽያን ርክብ መንግስትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኩነታት ኤውሮጳን ብዚምልከቱ ርእሰ ጉድያት ሐሳብ ንሐሳብ ተለዋዊጦም ።
ትማሊ ምሸት ቅድስቲ መንበርን መንግስቲ ክሮአጽያን ዲፕሎማቲካዊ ርክብ ዝጀመራሉ መበል 20 ዓመት አብዚ ትማሊ አብ ሮማ ከም ዝተዘከረ ይፍለጥ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስን ናይ መንግስቲ ክሮአጽያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢላኖቪችን ብዛዕባ”ቲ አብ ኢስትርያ አብ ክሮአጽያ ዝርከብ ጥንታዊ ገዳም ዳጂላ አብ ሞንጎ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ክሮአጽያን ዘሰሐሕብ ዘሎ ጉዳይ ከም ዝተዘ ከም ዝራረብሉን ብሰላማዊ መንገዲ ፍታሕ ክርከበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሚላኖቪች ከም ዝተሰማምዑ እቲ መግለጺ አመልኪቱ ።
እቲ አብ ኢስትርያ ዝርከብ ገዳም ዳጂላ ዩጎዝላቪያ ብጂፕ ብሮዝ ቲቶ ትምራሐሉ አብ ዝነበረት ግዜ ካብ ቤተ ክርስትያን ዝተወርሰ ከም ዝኾነ ይምልከት ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ክሮአጽያ ሚላኖቪች ምስ ናይ ቅድስት መንበር ዋና ጽሐፊ ምስ ብጹዕ ካርዲናል ታርቺስዮ በርቶነን ምስ ናይ ወጻኢ ጉዳይ አውራ ሐላፊ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ አቡነ ዶመኒክ ማምበርቲን ተራኺቦም ብተመሳሳሊ ሐስብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጡን እዚ አብ ክፍሊ ማሕተም ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አፍሊጡ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.