2012-10-30 15:57:26

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታት 2013 ዓ.ም.
ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ፦ ዝኾነ ይዅን መንግስቲ ስደተይና ናይ ምስጓግ መሰል የብሉን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድሮ ንናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይናታትን ተመዛበልትን 2013 ዓ.ም. ከመሓላልፍዎ ዝኾነ ወግዓዊ መልእኽቲ መሰረት ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ቨሊዮ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ RealAudioMP3 ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ ናይታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከመሓላልፍዎ ዝኾኑ ወግዓዊ መልእኽቲ ትሕዝቶ “ዝኾነ ይኹን ሃገር ናይ ዜጋታቱ መንነት ንምክልኻል ዘለዎ መሰል ስደተይናታት ንምስጓግ መሰል ኣለዎ ዝብል ከምዘይኮነ” ዘነጽር ዓሚዩቕ ኣብ “ሰብኣውነት” ዘማእከለ እዩ ምስ በሉ፣ “ብዛዕባ ዋሕዚ ሕጋዊ ስደተይናታት ኣመለኻኽታ ቅድስቲ መንበር እንታይ ይመስል” ንዝብል ካብ ሓደ ጋዜጠይና ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ “እቲ ሕቶ፣ ስደት ምትብባዕን ዘይምትብባዕን ኣይኮነን፣ እቲ ዘገድስ ንስደት ዝዳርግ ሕቶ መሰረታዊ ፍታሕ ምሃብ ወይ ድማ ምርካብ እዩ። ናይ ቤተ ክርስትያን ጸዋዕታ ነዚ እዩ ዘቃልሕ፣ ስለዚ ዝኾነ ይዅን መንግስቲ ስደተይናት ናይ ምስጓግ መሰል የብሉ ክበሃል እንከሎ ኩለን ሃገራት ናብ ሃገረን ክኣትው ዝደሊ ስደተይና የተባብዓ ማለት ኣይኮነን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ባህላዊ መንነትን ናይ ሓባር ጥቅምን ናይ ዜጋታት ሕቶ ዝኸላኸል ሃገራዊ ስርዓትን ሕግን ኣለዎ፣ እዚ ማለት ግን ስደተይና ናይ ምስጓግ መሰል ኣለዎ ማለት ኣይኮነን” ኢሎም።
ብፁዕ ካርዲናል ቨሊዮ ቤተ ክርስትያን ብሰብኣዊ መዳይ ንስደተይናታት እተቕርቦ ደገፍን ሕንጸትን ኣመልኪቶም እዚ ድማ ሃይማኖታዊ ኵርናዕ ናይ ስደት መሰረት ዘለዎ ከምዝኾነን፣ ስደተይና ዝተፈላለዩ ልዑል ኣድላይነት ተሓንጊጡ ዝንቀሳቀስ ግኡዝ ኣካል ጥራሕ ዘይኮነስ እምነት ዝተሓንገጠ ነፍሲ እውን እዩ ቢሎም “እምነት ኣብ ምንቅስቓስ” ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ስደተይናታት እምነት/ሃይማኖት ኣማእኪሉ ኣብ ሩሲያን ኡክራይን ጀርመን ፈረንሳ ዓባይ ብሪጣንያን ስፐይን ኣብ ሱዕዲ ዓረብን ህንድን ዝረክቡ ስደተይናታት ብዝምልከት ዝቕረበ ናይ 2012 ዓ.ም. ጸብጻብ ጠቒሶም፣ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ዝተኣንገዱ 43 ሚሊዮን ስደተይናታት እቶም 32 ሚሊዮን ክርስትያን መብዛሕቲኦም ድማ መክሲካውያን ከምዝኾኑ ገሊጾም፣ “እዚ ድማ እቲ ስደተይና ዘለዎ ዕቁር ሃይማኖታዊ ሃብቱን ኣብ ልዕሊ እቲ ዘእንገዶ ሃገር ዝርከብ ማኅበረሰብ ክርስትያን ዘንብሮ ትጽቢታቱ ዘነጽር እዩ” ምስ በሉ፣ ስለዚ ናይ ስደተይና ሃይማኖታዊ ጎድኑ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።
“ስደተይና ኣብ ዝተኣንገደሉ ሃገር ምስ ዘእንገዶ ሃገር ተላልዩን ተዋሂዱን ክነበር ኣብ ዝብል ጻዕሪ ቤተ ክርስትያን እተበርክቶ ኣገልግሎት ልዑል ኣዩ። እዚ ድማ ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዘማእከለ ኮይኑ ናይ ስደተይና ባህሉን ኣብ ናይ ኵላዊ ሰላም ኣበርክቶኡን ስደተይና ቤተ ክርስትያናውን ልኡኻውነትን ክስተት ዘለዎ ብምዃኑ ኣብ ዘተን ማሕበራዊ ምንጽጻርን ከምኡ እውን ንሃይማኖታውን ንናይ ኣቢያተ ክርስትያን ዘተ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ዝሕብር እዩ” ምስ በሉ 740 ሚሊዮን ዝግመቱ ብምኽንያት ድኽነት ዝተሰዱ ምዃኖም ዓለም ሓቆፍ ናይ ስደተይናታት ሓልዮ ማሕበር ኣብ ናይ 2011 ዓ.ም. ዝሃቦ ጸብጻብ ዘረጋገጾ ምዃኑ ምስ ሓበሩ ቀጺሎም ጳጳሳዊ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ካላዚፓራምቢል ብወገኖም “ተመዛበልትን ናይ ፖለቲካ ስደተይናታትን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም መግለጺ እንክህቡ፦ “ህሉው ኩነታት ሶሪያን ማልን ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ጠቒሶም ኣብተን ሃገራት ናይ ዘሎ ውጥረት ግዳይ 80 ካብ ምእቲ ተራ ዜጋ ከምዝኾነን፣ መብዛሕቲኡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ሞትን ምብትታን ኣባይቲ ስድራን ዘጋጥሞ ከምዝኾነን እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነት ዝምስክሮ እዩ” ምስ በሉ “ኣብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዓቢይ ሽግር ኮይኑ ከምዘሎን፣ እዚ ድማ ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ስደተይናታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንዘንቀሳቕሱ ናይ ገበን ጉጅለታት ዘተባብዕ እናኾነ ብዙሓት ስደተይናታት ግዳይ ናይዞም ናይ ገበን ጉጅለታት ንኽኾኑ ዝድርኽ ከምዝኾነን ናይ ብዙሓት ስደተይናታት ተመክሮ እዩ” ምስ በሉ መግቢ ክንክን ጥዕናን ስራሕን ናይ ምርካብ ከምኡ እውን ናይ ምንቅስቃስ መሰል ዝብሉ መባእታዊ ረቛሕታት ብኹለን ሃገራት ክኽበር ከምዘለዎን ማንም ዜጋ ከምኡ እውን ስደተይና እዚ ሰብኣዊ ረቛሕታት ክኽበረሉ ከምዘለዎ እንክገልጹ፦ “ኩሉ ኣብ ሓልዮትን ክንክንን ስደተይናታት ክዋሳእ ከምዘለዎን ስደተይና ወትሩ ኣብ ስደት ዝነብር መታን ኮይኑ ከይተርፍ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ቤቱ ከምዘሎ ንኽስምዖ ናይ ኩሉ ምትሕብባር የድሊ” ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.