2012-10-30 18:48:59

መላእኽቲ


ንባባት፡ ዳንኤል 7፡9~14፥ ራእ 12፡7~12፥ ዮሓ 1፡47~51
መልኣኽ ቃል ንቓሉ ልኡኽ ማለት እዩ። መላእኽቲ እንብሎም ረቀቕቲ ፍጥረት ብእግዚአብሔር ዝተፈጥሩ እዮም። ንድላይ እግዚአብሔር ዝልአኹ እዮም። አብ ገለ እዋናት እዚ መልአኽ ዝብል ንደቂ ሰብ አብ ተራ ልኡኽ ዝጻወቱ እውን የስምዕዩ (ኢሳ 18፡2፥ 33፡7) እንተ ረኤና ንደቂ ሰብ ከስምዕ ንረኽቦ።
መላእኽቲ ረቀቕቲ ፍጥረት እምበር ግዙፍ ሥጋ ዝሓዙ ከምዘይኮኑ ሓደ ካብቲ እምነትና ዝገልጾ እዩ። (መዝ 9፡11፥ ማቴ 18፡10) አብ ሓዲስ ትምህርቲ ክርስቶስ ከም እንረኽቦ ካብ ጥንቲ አብ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ከምዘሎን ዝነበርን ንርኢ (ሓ.ት.ክ. 328~36)። አብ እምነት አይሁድ ካብ ጥንቲ አብ ህላዌ መላእኽቲ ከም ዝአምኑ ንርኢ (ሰዱቓውያን ዝብሃሉ ጥራሕ አይአምኑን ነሮም ግ.ሓ 23፡8)።
ቅዱስ አጎስጢኖስ ብዛዕባ ባህርይ መላእኽቲ ክገልጽ እንከሎ መልአኽ ዝብል ስርሖም እዩ ዝገልጽ እምበር ባህሪኦም አይኮነን ዝገልጽ ይብል። ሽም ናይ ባህሪኦም ዝገልጽ እንተ ደለኻ ንሳቶም መንፈስ ረቀቕቲ ፍጥረት እዮም፥ ስርሖም ክትፈልጥ እንተ ደለኻ ኸአ ልኡኻት እዮም።
ቅዱስ መጽሓፍን፥ አብ ታሪኽ ዘየቋረጸ ትውፊት ቤተ ክርስትያን ክልተ ዓበይቲ መነንት መላእክቲ ዝገልጽ ነገራት ንረክብ። መጀመርያ መላእኽቲ አብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቖሙ ፍጡራት እዮም (ራእ 8፡2)። ተጸፈጥርኦም ባህሪኦም ብምልኡ አብ እግዚአብሔር ዝጠመተ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ ክልቲኡ ሓዲስን ብሉይን ኪዳን አብ ብዙሕ ክፍልታቱ ብዛዕባ መላእኽቲ ምስ አምላኽ ዝቐረበ ርክብ ከምዘለዎም ይነግረና። ካልአይ መንነት መላእኽቲ ልኡኻት አምላኽ እዮም፥ ንአምላኽ አብ ሰባት የምጽእዎ ንሰባት ከአ ናብ አምላኽ የምጽእዎ። ከምዚ አብዚ ናይ ዮሓ ወንጌል ዝተነበ ከም ዝምስክሮ ንሓቂ አብ ምድሪ የምጽእዋ።
አብ ብሉይ ኪዳን እቶም ንእግዚአብሔር ዝፈርሑ ሰባት (መዝ. 33፡8፥ 90፡11) እግዚአብሔር ብመልአኹ ገሩ ከም ዝሕግዞም ንርኢ። ገለ ክንጠቅስ እንተ አድለየ (ሃጋር አብ ዘፍ 16፡7፥ 21፡17፥ አብርሃም ዘፍ 18፡22፥ 22፡11፥ ሎጥ ዘፍ 19፡1~23፥ ያዕቆብ ዘፍ 28፡12፥ ኤልያስ 1ዘነገስት 19፡5፥ ዳንኤል 6፡22)። ምምም
ህዝበ እስራኤ ካብ ምድሪ ግብጺ ክወጹ እንከለዉ ብመልአኹ ገሩ ይመርሖም ነሩ (ዘጽ 23፡20፥ 33፡2፥ ዘኁልቅ 20፡16)። እስራኤላውያን ንአሶራውያን አብ ዝሰዓሩሉ ብመልእኽቲ ተሓጊዞም (2ዘነ 19፡35)። አብ ብሉይ ኪዳን እምብአር እግዚአብሔር አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ አብ ዝተፈላለየ እዋናት ብመላእኽቱ ድለቱ ከምዝገልጽ ንርኢ።
አብ ሓዲስ ኪዳን አብ አገዲስቲ አጋጣሚታት መላእኽቲ ተጠቒሶም ንረኽቦም። ንማርያም ንዮሴፍ ነቶም ጓሶት ክዛረብዎምን መልእኽቲ አምላኽ ክገልጹሎም ንርኢ፥ ኢየሱስ አብ በረኻ ብሰይጣን ክፍተን እንከሎ መላእኽቲ የገልግልዎ ነሮም፥ አብ ጌተሰማኒ አብ ጊዜ ስቓያቱ መልአኽ የሰንዮ ነሩ፥ አብ ልዕሊ መቓብር ዝተንሥኤ ክርስቶስ መላእኽቲ ተራእዮም፥ ንጴጥሮንስ ጳውሎስን መላኣኽ ካብ ቤት ማእሰርቲ አውጺእዎም። አብ ሓዲስ ኪዳን ብሓፈሻ ክንርእዮ ከሎና ልክዕ ከም አብ ብሉይ ኪዳን ንድላይ እግዚአብሔር ክልአኹ ኢና እንርእዮም።
ደረጃን ቍጽሪ መላእኽትን
ቅዱስ መጽሓፍ ዝተፈላለዩ መላእኽቲ ዘርዚሩ ይነግር። አብ ዳንኤል 10፡13 ከምኡ አብ ራእይ 12፡7 ከም እነንብቦ ዝተፈላለዩ ዓይነት መላእኽቲ ከምዘለዎ ነንብብ። ደረጃታቶም ወይ ስልጣናቶም አብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንረኽቦ። ሱራፌላት (ኢሳያስ 6፡2~6)፥ ኪሩቤላት (ዘፍ 3፡24፥ ሲራክ 49፡10፥ ሕዝቅኤል 10፡1~22)፥ ስልጣናት ቆላስ 1፡16፥ መናብርት ቆላ 1፡16፥ ጎይትነት ቆላ 1፡16፥ 1ጵጥ 3፡22፥ ሊቃነ መላእክት 1ተሰሎ 4፡16። እዚ አብ ዝተፈላለዩ ጸሓፍቲ ብፍልይ ዝበለ አቀራርባ ክንረኽቦ ይክአል እዩ። አብ ስርዓት ሃገርና አብ ስርዓተ ማህሌት ዘለሊት እንተ ረኤና ብዙሓት መልእክቲ ከምዘለዉ ንርኢ፥ (ሚካኤል፥ ገብርኤል፥ ሱራፌል፥ ኪሩቤል፥ ዑራኤል፥ ሩፋኤል፥ ሱርያል፥ ፋኑኤል፥ አፍኒን፥ ራጉኤል፥ ሳቁኤል፥ ትጉሃነ ሰማይ. . . . )።
መላእኽቲ አብ መንበር ልዑል ምስ አምላኽ ይነብሩ፤
መላእኽቲ ኩሉ ጊዜ አብ መንበር ዙፋን አምላኽ ቀሪቦም ንአምላኽ የምስግኑ ይውድሱ። አብ ዳንኤል 7፡9~1፥ መዝ. 96፡7፥ 102፡20፥ ኢሳ 6 ዘሎ እንተረኤና አብ መንበር ዝፋን አምላኽ ክመዝቕመጡ ንርኢ። ከምኡ ሸውዓተ መላእክቲ ፍሉይ ስራሕ አብ ቅድሚ አምላኽ ከምዝፍጽሙ ነንብብ። ጦቢት 12፡15፥ ራእ 8፡2~5፥ ኢሳ 63፡9 እንተ ረኤና ንፍሉይ መልእኽቲ ከምዝልአኹ ነንብብ። አብ ማቴ 18፡10 አብ ቅድሚ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ከምዝቖሙ ነንብብ። አብ ብሉይ ኪዳን ኩሉ ጊዜ ብዙርያ አብ ቅድሚ መበር ልዑል ከምዝዝምሩ ነንብብ መዝ. 89፡6፥ ኢዮብ 5፡1፥ ዳንኤል 8፡13፥ ደቂ አምላኽ ተባሂሎም ከአ ይጽውዑ አብ ቅድሚ መንበር ዝፋኑ ኮይኖም ከአ የመስግንዎ፥ መዝ. 29፡1፥ 89፡7፥ ኢዮብ 1፡6 38፡7፥ ኢያሱ 5፡14፥ 1ነገስት 22፡19፥ መዝ.103፡20፥ 148፡2። አብ ኢዮብ 1፡6፥ 38፡7 ደቂ አምላኽ ክብሃሉ ንርኢ። አብ መዝ.1003፡21፥ 104፡4 ከአ አገልገልቲ ድላይ እግዚአብሔር ይብሃሉ።
ሰለስተ መላእኽቲ ብፍሉይ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ተሰምዮም ንርኢ ሚካኤል (ዳንኤል 10፡13 21፥ 12፡1፥ ይሁዳ 1፡9፥ ራእ 12፡7)። ሩፋኤል ጦቢት 5~11፥ 12፡15። ገብርኤል (ዳንኤል 8፡16፥ 9፡21፥ ሉቃስ 1፡11~26)።
ዝልአኹ መላእኽቲ፡ ዓቢ ሰናይ ዜና ዘብጽሑ። ስብሓት ለእግዚአብሔር በሰማያት እናበሉ አብ ልደት መድኃኒ ዘበሰሩ። ንትንሣኤ ክርስቶስ ዝገለጹ ኩሎም መላእክቲ ብአምላኽ ዝተላእኩ እዮም።
ገብርኤል ሊቀ መላእክት (ገብርኤል ማለት ፡ናይ አምላኽ ሰብ” ወይ “ሓይሊ አምላኽ” ማለት እዩ)። ንሱ ናይ እግዚአብሔር ምስጢር ዝነግር እዩ ብፍላይ ምስጢረ ስጋዌን ምስኡ ዝተሓሓዝ ካልእ ምስጢራት ወልድ ይነግር። ገብርኤል መልአኽ ናይ ሓጎስ ብስራት ነታ መኻን እትብሃል ማሕፀን እስራኤል ዘበስር ከምኡ ንኹሎም ደቂ ሰብ አብ ዝተፈላለየ እዋን ዘበስር እዩ። “ኦ ዘካርያስ አይትፍራሕ ሰበይትኻ ኤልሳቤት ወዲ ክትወልድ እያ”፥ “ኦ ማርያም አይትፍርሒ እዚ ካብ ከርስኺ ዝውለድ ሕፃን ብመንፈስ ቅዱስ እዩ”፥ ኩልኹም አህዛብ ሰብ ጽቡቕ ድላይን እምነትን አይትፍርሑ ከመይ ንእግዚአብሔር ዝስአኖ የለን እናበለ ሰናይ ዜና ዘበስር እዩ። ገብርኤል አብ ኢዱ ዝበርህ ጥዋፍ ሒዙ እዚ ኸአ እግዚአብሔር ጥራሕ ንጸላም አብ ብርሃን ዝቕይር ምኻኑ ከመልክት ኢሉ ሒዙ ይርአ።
ሚካኤል ሊቀ መላእክት፥ ብቋንቋ ዕብራይስጢ “መን ከም እግዚአብሔር” ማለት እዩ። ካብ መጀመርያ ዘመናት ክርስትና ቅ.ሚካኤል ከም ሓለቓ እሞ አብ የማናይ ኢዱ ኲናት ሒዙ ንሰይጣን ዘጥቅዓሉ አብ ጸጋማይ ኢዱ ኸአ ቆጽሊ ሆሣዕና ሒዙ አምሳል ዓወት አብ ልዕሊ ክፉእ ሒዙ ይርአ። ሚካኤል ዝፍለጠሉ ሓደ ናይ ሰማይ ተዋግአይ፥ ዕዉት፥ ንጽቡቕ አብ ልዕሊ ክፉእ ዝተዓወተ። መኑ ከም እግዚአብሔር ብምባል አብ ልዕሊ ዲያብሎስ ዝተዓወተ ኮይኑ ይፍለጥ።
ሩፋኤል ሊቀ መልእክት (እግዚአብሔር የሕዊ) ወይ (እግዚአብሔር መሓሪ) ማለት እዩ። አብ መጽሓፈ ጦቢት አብ 3፡17፥ 12፡15 ተጠቚሱ ንረኽቦ፥ በዚ ኸአ ንሱ ካብ አምላኽ ንሰባት ምሕረት ከውርድ ዝልአኽ ኮይኑ ይርአ። ሩፋኤል አብ መንጎ ሰብአይን ሰበይትን ዝድለ ምንጻሕ ይሕግዝ። ፍቕሮም የንጽሕ አብ ነነድሕዶም ከምዝቀባበሉ ዘገብር ሓይሉ የውህቦም። ኢየሱስ ነርድእቱ ክልእኮም እንከሎ ተልእክኦም ምስ ምንጻሕ ዝተተሓሓዘ ገሩ ይልእኮም። ሩፋኤል መልአኽ ንጦቢት ብየማናይ ኢዱ ሒዙ እናመርሖ ብጸጋማይ ኢዱ ኸአ ናይ ሓኪም አልባስጥሮስ ሒዙ ይርአ።
አብ ሓለዋ ፍሉይ ቦታ ዝተወሰኑ መላእኽቲ
አብ ዳንኤል 10፡12~21 ዝተፈላለዩ መላእኽቲ ከም መሳፍንቲ ዝተገልጹ ንዝተፈላለያ ሃገራት ሓላፍነት አለዎም። አብ ራእይ 1፡20 ዝተፈላለየ ስልጣናት ነቶም ናይ እተን ሸውዓተ አብያተ ክርስትያናት ተገሊጹ ንርኢ። አብ ቅዱስ መጽሓፍ እምብአር መላእኽቲ ንፍሉይ ሃገር ወይ ህዝቢ ብፍሉይ ረዳእቲ ሓለውቲ ክኾኑ ከም ዝምዘዙ ንርኢ።
ቍጽሪ መላእኽቲ
አብ ቅዱስ መጽሓፍ ቍጽሪ መላእኽቲ ተጥቚሱ ንረኽቦ ብዙሓት ከምዝኾኑ እልፍ አእላፋት፥ ትእልፊት አእላፋት፥ ዓሰርተታ አሽሓት ከም ዝኾኑ ተገሊጹ ንረኽቦ። (ዳንኤል 7፡10፥ ራእ 5፡11፥ መዝ. 67፡18፥ ማቴ 26፡53)። መላእኽቲ ንሰማይን ምድርን ከራኽቡ ብብዝሒ ይወርዱን ይድይቡን። ነቲ ስልጣኑ መወዳእታ ዘይብሉ አሽሓት መላእኽቲ የገልግልዎ። ነፍስወከፍ ሰብ ነናቱ ሓላዊ መልአኽ አለዎዎ። ቍጽሪ መላእክቲ ብውሱን ክንድዚ ክንብል አይንኽእልን ኢና ግን ብዙሓት ምዃኖም አብ ቅዱስ መጽሓፍ ብምድግጋም ይግለጽ።
ዝተኾነኑ ወይ ዝወደቝ መላእኽቲ
ቅዱስ መጽሓፍ ገለ ካብ መላእኽቲ ካብ አምላኽ ከምዝተፈልዩ ከምዝወደቝ ይነግረና፥እዞም ካብ አምላኽ ዝተፈልዩ መላእክቲ ካብ መንግስተ ሰማይ ከምዝተሰጕ እሞ አብ ገሃነም እሳት ከምዝተሰጕ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ንረኽቦ። (1ጴጥ 2፡4)፥ ይሁዳ 1፡6። እዞም አብ ገሃነም እሳት ዝተሰጕ መላእኽቲ ሰይጣውንቲ ይብሃሉ (2ጴጥ 2፡4)። አብ ገላ ኸአ አጋንንቲ ይብሃሉ (1ቆሮ 10፡20)፥ ርኹሳት መናፍስቲ ( ማር 5፡13)፥ ናይ ሰይጣን መላእኽቲ (ማቴ 25፡41)፥ ናይ ድራጎን መላእኽቲ ( ራእ 12፡7)፥ አብ ካልእ አብ ራእ 9፡11፥ ከምኡ አብ 2ቆሮ 12፡7 ብዛዕባ እዞም ዝወደቑ መላእኽቲ ንረክብ። እዞም ሰይጣውንቲ ዝብሃሉ ኩሉ ጊዜ ንሰብ ካብ አምላኽ ክፈልዩ ዘይገብርዎ ነገር የለን። ነቦና አዳምን ሔዋንን ዘስሓተ ሓለቕኦም ዲያብሎስ እዩ። ድሕሪ ውድቀት ቀዳሞት ወለድና ንሕና እውን ንውድቀት ንፈተና ቅሉዓት ኮና። ኩሉ ጊዜ ፈተና ዘውድቐና ብሰይጣን ይቐርበልና። ቅዱስ ዮሃንስ አቦ ሓሶት ይብሎ።
መላእኽቲ አብ መንፈሳዊ ሕይወትና
አብ ተፈጥሮ መላእኽቲ እንዕዘቦ እግዚአብሔር ልዕሊ ኹሉ ከምዝኽነ እሞ አብ ልዕሊ ክፉእ ከምዝዕወት። ከምኡ ምስጢር ሕይወትን ሞትን፥ ስቕይን ክፉእን ኩሉ አብ ትሕቲ ዝግዚአብሄር ከምዝኾነ፥ ንሱ ምንጪ ናይ ኩሉ ምስጢር ከምዝኾነ ንዕዘብ። እግዚአብሔር ጥራሕ እዩ ዘሕዊ ዘንጽሕ፥ ኃጢአትና ዝምሕረና፥ ብፍቕሩ ኸአ ዘጽንዓና።
ኩሎም መላእኽቲ ንደቂ ሰብ ክሕግዙ ብአምላኽ ዝተፈጥሩ እዮም። ሰብ ንአምላኽ ልቡ ዓጽዩ እንተ ተጓዕዙ ሰይጣን ተዓዊትሉ አሎ ማለት እዩ። ሰብ ካብ እግዚአብሔር መጠን ዝርሓቐሉ መጠኑ እዩ ውድቀትን ጥልመንት ካብ አምላኽ ዘብዝሕ። መንነቱ አጥፊኡ ዘይመልክዑ ይለብስ እሞ አምሳል አምላኽ ምዃኑ የጥፍእ። ብአንጻሩ አብ እግዚአብሔር ምእማን ንሰብ ነጻነት የልብሶ፥ እዚ ኸአ ንሰብ ዕብየቱ ከምዝርኢ ይገብሮ። እዚ አብ ሕይወት መላእኽቲ ብንጹር ክንርእዮ ክኢልና።
እግዚአብሔር አብ ሕይወት ኩልና ብዝተፈላለየ መገዲ መጺኡ ይኩሕኩሕ፥ ክነርሕዎ ኸአ ይደሊ። መልአኹ ልኢኹ ንዝለአኸልና መልእኽቲ ክንቅበል ይደሊ። ንሱ አብ አፍደገ ዓለምና አብ ነፍሲ ወከፍና ሕልና ቀሪቡ ብዘይ ምሕላል ደው ኢሉ ብምቕጻል ይኵሕኲሕ አሎ። “አነ አብ አፍደገ ማዕጾ ኮይነ እኵሕኵሕ አሎኹ፥ ዝኾነ ድምጸይ ሰሚዑ ንማዕጾ ዝኸፈተኒ አብኡ ክምአጽእ እየ እሞ ምስኡ ክበልዕ እየ (ራእ 3፡20)። አብ ማዕጾ ኮይኑ ይኲሕኲሕ አሎ እዚ ኸአ ንምኽፋቱ ናጽነትና ስለ ዝደሊ እዩ። አብ ውሽጥና እንተ አቶ አብ መንጎና እንተ ነበረ ሽዑ ናይ አምላኽ ንፋስን ናይ መንግስተ ሰማይ ጽባቔ ክንርኢ ኢና። ምስ ክርስቶስ አብ ዝሓበርናሉ ምስ መላእኽቲ አብ ተልእክኦም ነቲ ክርስቶስ ዝጽውዖ ንሰባት አብቲ አብ ክርስቶስ ዝርከብ ሓጎስ ክመጽኡ ንተሓባበር።
እግዚአብሔር ምሕረቱ፥ ጸዋዕታ ንፍሉይ መደብ፥ ንፍሉይ ነገር ንደቂ ሰብ ክነግር ምስ ደለ መላእኽቱ ከም ዝሰድድ አብ ቅዱስ መጽሓፍ ደጋጊምና ንረኽቦ። መላእክቲ ንድላይ አምላኽ ከምዘለዎ እዮም ዘብጽሑ፥ ክልውጥዎ ወይ ከደንግይዎ ወይ ከየብጽሕዎ ሱቕ ክብሉ አይክእሉን እዮም። እዚ ንአና ንደቂ ሰብ እውን ዝምልከት እዩ፥ ማለት ኩልና ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ብአና አቢሉ ከብጽሖ ንዝደሊ መልእኽቲ ከምዘለዎ ክነብጽሖ ይደልየና።
ኩልና ልኡኻት አምላኽ ኢና።
አብዚ እንነብሮ ዓለም መንግስቲ አምላኽ ክነግስ እሞ ሰባት ሓቀኛ ሕይወት ክነብሩ ናይ ነፍስወከፍና ክንልኣኽ ስድንዋት ምዃና ክነርኢ የድሊ። አምላኽ በቲ ንሱ ዝሃበነ ጸጋ ክንልአኾ ይደሊ። ተለአኸኒ ውሉደይ እናበለ ኩሉ ሰብ ክልአኾ ይደሊ። እምብአር ሰሚዕካ ምኻእል ከምኡ ዕብየትን ትርጉን እተብጽሖ መልእኽቲ ፈሊጥካ ምኽአል። ገብርኤል መልአኽ ምስጢር ስጋዌ ንማርያም ክገልጸላ ምስ ተላእከ፥ ብንጹር ብዓቢ አኽብሮት ገሊጽላ። አነ ካብ አምላኽ መልእኽቲ ሒዘልኪ መጺኤ አሎኹ ንሱ ኸአ እዚ እዩ እናበለ ምስጢር ትስብእቲ ክርስቶስ ገሊጹላ፥ ንሳ ኸአ ከም ዝበልካኒ ይኹነለይ እናበለት ተቐቢላ። ካብዚ እንምሃሮ ንመልእኽቲ አምላኽ ከም ግብኡ ክነብጽሕ ከሎና ሰባት ክቕበልዎ አየጸግምን እዩ። ንድላይ አምላኽ ምስ ድላያትና ክንሕውሶ ከሎና እዩ እትጸገም። ስለዚ መልእኽትና አለሊና ንአምላኽ ክንልአኽ ልብና ንኽፈተሉ።
ንዝዓወረ ከምዝርኢ እንገብር ንሕና ኢና።
ገብርኤል መልአኽ ንጦብይሳ ክብ ዑረት ዓይኒ ከም ዝርኢ ገርዎ። አብዚ ክነስተንትን ከሎና ሎሚ ብዙሓት ንፍቕሪ አምላኽ ከይርእዩ ብመንፈስ ዝዓወሩ ብዙሓት እዮም። ክርእዩ ሕልንኦም ክሓቱ እንሕግዞም ንሕና ኢና። ሓውና ሓፍትና ካብ ዘለውዎ ጸልማት አብ ብርሃን ክርስቶስ ክንሕውሶም እንልአኽ ንሕና ኢና። ልኡኻተ ሰላም ኮና አብ ልቢ ሰባት ሓርነት መንፈስን ስጋን ክለብሱ ብድፍረት ንሓቂ አብ ዓለምና ከም እትነግስ እንገብር አነን ንሱኹምን ኢና። ነዚ ሓልፍነት እዚ አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ክዝራእ እሞ ዓለምና ክትቅየር አብቲ አምላኽ ዝደልዮ መስመር ክትምለስ ሎሚ እጃምና ክነበርክት እሺ ንበል።
ንፈስወከፍና መልላእኽቲ ንኹን።
ሰብ አብ ቅዱስ ሕይወት ክርከብ እንተ ኾይኑ ሓጋዚ የድልዮ። አብ ጊዜ ፈተና ከምኡ አብ ጊዜ ውድቀት አብ መገዲ አምላኽ ክምለስ ዝህሕግዞ መልአኣኽ የድልዮ። ነፍስወከፍና መላእኽቲ ኢና። እዚ ክንብል ከሎና ንሰብ አብ ከቢድ ጸገም ክርከብ እንከሎ እሞ ካብ አምላኽ ዝፈልዮ ፈተና ክጓነፎ እንከሎ ካብቲ ከቢድ ፈተና ወይ ኃጢአት ክንውጽኦ ከም መላእኽቲ ኮና ንሕግዝ ንሕና ኢና እሞ ንምሕረት ንሰላም ርእዮም ክእኽእሉ ንሕና ንልአኽ።
ኦ ሓላውየይ መልአኽ ሎሚ እውን አብቲ አምላኽ ዝደልዮ መገዲ ጸኒዐ ክነብር አብ የማነይ ኮንካ ሓግዘኒ አብ ጊዜ ፈተና ክብርትዕ ከይወድቕ ጸግዒ ኩነኒ። ከምቲ ንስኻ ንድላይ አምላኽ እተብጽሕ አነ እውን ንድላይ አምላኽ ክቕበል ከብጽሕ ክምስክር ሓግዘኒ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.