2012-10-30 18:28:07

ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ንዓና ንኹልናን ንመላእ ዓለምን ዝምልከት ህጹጽ ጻዉዒት የቅርበለና አሎ፣


ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ንዓና ንኹልናን ንመላእ ዓለምን ዝምልከት ህጹጽ ጻዉዒት የቅርበለና አሎ እንክብሉ አበው ሲኖዶስ ንመበል 13 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዛዚሞም፣ እዚ ህጹጽ ጻዉዒት እዚ ከመይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሕቶ ንረድዮ ቫቲካን መልሲ ዝሃባ ማኅበረሰብ ሓዲስ ደረት ተመኵሮ መሥራቲትን አደ መንበርን ዝኾና አብ ሲኖዶስ ከአ ከም ተዓዛቢት ዝተሳተፋ ክያራ አሚራንተ ከምዚ ይብላ፤ “አብዚ ሕጂ ስብከተ ወንጌል ዓቢይ አድላይነት አለዎ፣ አነ ንባዕለይ ነቶም ተነጺሎም ዘሎ መንእሰያት ንምርካብ አብ ጐደናታት አብ ቤት ማእሰርትታት ነፍሰን ሸይጠን አብ ዝናበራሉ ቦታታት ሓሺሽ አብ ዘዘውትሩሉ ቦታታት ብምኻድ ብዙኃት ካቶሊካውያን ካብ ሃይማኖቶም ዝረሓቁ ወይ ንሽሙ ጥራይ እምበር አብ ተግባር ምንም ዘየሎ ኩነታት ርእየ፣ ብመጀመርያ እንታይ ክገብር ኢየ እንታይከ ክብሎም ኢየ ዝብል ፍርኃት ነሩኒ ደሓር ግን እዞም ካብ ቤተ ክርስትያን ካብ ክርስቶስ ካብ እምነት ርሒቆም ዘለው ሰባት መብዛሕቶም በቲ ብዙኃት ክርስትያን እንህቦ ዕንቅፋት እምበር በቲ ዘደንቅ መልእኽቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዘይኮነ ተገንዚበ፣ ርግጽ ኢዩ አብዚ ጊዜ እዚ ብዙኅ ክቡር ሃይማኖታውን ባህላውን ውርሻታት አብ ቅልውላው ይርከቡ ኮይኑ ግን ንሓቅታት ወንጌል ተአመንቲ ዝኾኑ ነቢያት እውን ብዘይመጠን የድልዩና ምስ እዚ ከአ ነቲ እኖና ቅድስት ቤተ ክርስትያን ብናይ ዘመናት ተመኩሮ በሲላን አብሲላን እትህበና መምርሒታት ክንርዳእከ እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ እውን አሎ፣ ጉዳይ ጾታን በጺሕዎ ዘሎ ዕንወትን እንተኃሲብና ጾታዊ ክብሪ ከምዚ ማንም ተጠቂምካ እትድርብዮ ንዋት ኮይኑ ብሕልፊ አብ መንእሰያት ዓቢ ጸገም ይፈጥር አሎ ዳርጋ ከም ወልፊ ዝሓዝዎ አጓኒፎምኒ እዚ ከም ሓሺሽ ወልፊ ናይ ምዃን ኩነት ዝፈጥር ዘሎ ባህሊ ነቲ ናይ ንጽሕናን ድንግልናን ሕይወት ክሳብ ክንደይ ከምዝጉድኦ ርዱእ ኮይኑ ዝገደደ ከአ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ክንደይ ሕማማት አሎ፤ ነዚ ኩሉ አብ ግምት አእቲኻ ጾታዊ ትምህርቲ ፍቅሪ ዝማእከሉ ጾታዊ ርክብ ክሳብ ክንደይ ጠቃሚ ምዃኑ ልዕሊ ኩሉ ከአ ጾታዊ ርክብ በቲ ግቡእ መንገዱ እንክፍጸም ቅዱስ ነገር ከምዝኾነ ክተረድእ ምጽዓር የድሊ፣ መልእኽቲ ክርስቶስ ክበጽሖም አለዎ እንክብላ ሓዲስ ስብከተ አብ ኩሉ ብህጹጽ ከምዘድሊ አመልኪተን፣








All the contents on this site are copyrighted ©.