2012-10-25 14:52:03

በነዲክቶስ በመል 16 እተሰምየ ሓድሽ ቤት ሕክምና ሕጻናት ኣብ ሮማ


ትማሊ ንጎሆ ሮማ ጥቓ ከባቢ ባሲሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፎሪ ለ ሙራ እተሰምየ ክፍሊ ከተማ ዝተሃንጸ ንኽብሪ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተባሂሉ በነዲክቶስ መበል 16 ዝብል መጸውዒ ስም ዝተውሃቦ ጨንፈር ናይ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ ክፍሊ ሕክምና መውሃቢ ሕጻናት ዝኾነ ሓድሽ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና RealAudioMP3 ተመሪቑ ከምእተኸፍተ እንክሕበር ነቲ ቤት ሕክምና መሪቖም ዝኸፈቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ከምዝኾኑ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
እዚ ኣብ 2013 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ኣገልግሎት ምሃብ ዝጅምር ቤት ሕክምና ሕጻናት እዋናውን ዓቢይን ናይ ሕክምና ተቛም እውን ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ሓቢሮም፣ ናይ ኢጣሊያን ናይ ካልኦት ሃገራት ናይ ስነ ሕክምና ተመራመርቲ ሊቃውንትን ብምትሕብባር ናይ ስነ ሕክምና ምርምራቶም ዘካይድሉ እውን ከምዝኾነን፣ ኣብ ናይ ሕጻናት ክንክን ጥዕና ዝተበጽሑን ዝብጽሑን ርኽበታት መሰረት ኣብ መንጎ ናይ ሕጻናት ሓኻይምን ቤት ሕክናታትን ርክባትን ሓበሬታ ንምልውዋጥ እውን ዝድግፍ ከምዝኾነን ንመላእ ዓለም ዓቢይ ድጋፍ ምዃኑ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጸን።
ጥቓ ባሲሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፎሪ ለ ሙራ ክሕነጽ ዝደረኸ ድማ ቤት ሕክምና ሕጻነ ኢየሱስ እምነት ኣብ ምንባር ዝድግፍን ምርምርን እምነትን ብሓደ ኣሰኒዩን ዝተማልኤ ሥነ ፍልጠት ዝጥቀም ንሕሙማን ሕጻናትን ኣባይቲ ስድራኦምን ተስፋን ፍቕርን እምነት ዝምስከረሉ ከምዝኾነ ንምርግጋጽ እዩ እንክብሉ ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ከምዘመልከቱ ጋዘጠይና ጂሶቲ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.