2012-10-25 14:41:57

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ቅ.ኣቦና (24/10/2012)
እምነት ምቕባል ጸጋ እግዚአብሔርን ናጻ ተግባር ሰብን እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ረቡዕ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. እንነብሮ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት ምኽንያት ኣብ እምነት ኣማእኪሎም ዘቕርብዎ ካልኣይ ኣስተምህሮ ትርምህርተ ክርስቶስ RealAudioMP3 ብምቕጻል እምነት ሰማያዊ (መለኰታዊ) ህያብ እውን እንተዀነ ናይቲ ኣብቲ ሕይወት ዝልውጥ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ተስፋኡ ብምንባር ንምእማን ብነጻነት ናይ ዝውስን ሰብ ምስትውዓል ይሓትት” እንክብሉ ነዚ ሓሳብ’ዚ ድማ “መባትእታዊ ሓቂ” ቢሎም ከምዝገለጽዎ ነቲ መደብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ኵሉ ብስነ ቀመር ስርዑ እናገበርካ ኣብ ምንባር ኣብ ዝዓቢ ዘሎ ባህሊ ንዘርኢ ሰብ ኣብ ናይ ቅዱስ ቶማስ ምስ ዝርእን ዝትንክፍን ጥራሕ እየ ዝኣምን ንዝበል ርእይቶ ተንበርካኺ ክኸውን ከምዝደረኾ” ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ገሊጾም፣ ካብዚ ነቒሎም እምነት ማለት እንታይ ማለት እዩ፣ እምነት ሕጂ እውን የድሊ ዶ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሎም፣ እቲ ዘሎ ኵነት ነዚ ዝመስል እውን እንተኾነ፦ “ንገዛ እርሱ ሥነ ምርምርን ብዘዕተሮ ኣገደስቲ ርኽበታት ንፍጥረት ሰብ ዝያዳ ሰብኣውን ናጻን ክግበር ከምዘይበቕዔ ብምምልካት ድማ እምነት ብጭቡጥ ይዓቢ ከምዘሎ ዝረኣይ ሓቂ እዩ፦ በቢ ዕለቱ እንረኽቦን እንሰምዖን ሓበሬታ ዓለም ናብ ሕንጸት ሕውነትን ሰላም ዝዓሰሎ ማኅበረሰብኣውነት ይዓብይ ከምዘየሎ እዩ እንርዳእ፣ በንጻሩ ሰብ ብጋድም ተራኻብነቱ እናማዕበለ ኣብ ዝርእዮን ዝድህስሶን ኣብ ናይ ኢዱ ስራሓት ጥራሕ ክኣምን ይድርኾ።”
ኣብቲ ክውን ወይ ድማ ጭቡጥ ዓለም ዘሎና ራእይ ጋድማዊ ብምዃኑ ብዙሕ ጸገማት የተኣታኣትው ከምዘሎን፣ ጋድማዊ ራእይ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን ምኽንያቱ ሰገር ፍልጠት ዝኾነ እቲ ብቐጥታ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ ጥበብ ከምዘሎ እንክትንትኑ፦ “ዕለታዊ ጭቡጥ እንጌራ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ጸገማትን ቅልውላዋትን ደልሃመትን ኣብ ዕለታዊ ሽግራትን ኩነት እውን እንተኾነ ብሓቀይና ትርጉም ተሰኒና ክንነብር ፍቅርን ትርጉምን ተስፋን ጽኑዕን ውሑስ መሰረትን ጽኑዕ ባይታን ግድን የድለየና እዩ፣ ማለት ካብቲ ቀመራውን ስነ ፍልጠታዊ ምዕባለ ዝህቦ ዘይተረጋገጸ ምርግጋጽ ፍልይ ዝበለ ውሕስነትን ጽንዓትን ኣብ ዝህብ ገዛእ ርእስና ዘይኮነ ንሱ-በዓል ቤት ኣብ ዝኾነ እግዚኣብሔር ተስፋ ከነንብርን ክንኣምን ዘብቅዓና እምነት እዩ” ኢሎም።
እምነት ካብ ላዕሊ ዝወርድ ጸጋ ክነሱ ሽሕ’ኳ ኣብ ሕሰምን መከራን ይተሃሎ ንዘድሕንን ንዘጸናንዕን ፍቕሪ ዝወሃብ መልሲ ሓቀይና ግብረ ሰብእ እውን ዝገልጽ ምዃኑን ቅዱስ ኣቦና እንከረድኡ፦ “ነቲ ብዕለታዊ ሽግራትን ላዕልን ታሕትን ኩነት ዝተመልኤ ዕለታዊ ሕይወትና ከነስተንትን ይግብኣና፣ ማለት ክርስትያናዊ እምነት ነቲ ንዓለም ዘጽንዕ ዓሚዩቕ ትርጉም ኣሜን ብምባል ( … ) እዚ ናጻ ዘውጽእን ዝውሕስን ካብ እምነት ዝምንጭው ርግጸይናነት ብቓልን ብክርስትያናዊ ሕይወትና ከነበስሮ ብቑዓት ክንከውን ይግብኣና” ኢሎም።
ምእማን ማለት ቡክራት ቀልባዊ ሰብኣዊ ብቕዓት ማለት ዘይኮነስ፣ ኣብ እግዚኣብሔር ዝንበር ናጻ ናይ ምትእምማን ተግባር ማለት ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ትሕዝቶ ኣልቦ ዝኾነ ምስዓብ ማለት ኣይኰነን፣ እምነት እግዚኣብሔር ብኽርስቶስ ኣቢሉ ስጋ ለቢሱን ጭቡጥ ከምዝኾነ ምስትውዓል ዝዕድል ምዃኑ እንከመልክቱ፦ “እምነት ኣይቅበልን ዝብል ዝወሃብ መልሲ ተስፋ ከቝርጸና የብሉን፣ ከም ክርስትያን መጠን ናይቲ ልሙዕ መሬት መሰኻኽር ኢና፣ እምነትና ዋላ’ኳ ሰብአዊነትና ውሱን እንተኾነ ቃል ኣምላኽ ተዘሪእዎ ዝተትረፍረፍ ፍረ ‘ፍትሕን ሰላምን ፍቅርን ሓድሽ ሰብኣውነትን፣ ድሕነትን’ ዝጽግው ቅኑዕን ግሩም ሜሬት (ዘፍርይ) ከምዘሎ የረጋግጸልና። ምስቲ ዅሉ ጸገማት ታሪኽ ቤተ ክርስትያን እቲ ሰናይ መሬትን ፍሬኡ ዝዕድል ስናይ ዘርእን ከምዘሎ ምስክርና” ምስ በሉ ካብቲ ምስትውዓል እምነት ናብቲ ናይ እምነት ጸጋ ማለት ኣብቲ ካብ ምስ ፍቕር ምስ ግኡዝ ነገር ሕሉፍ ፍቕሪ ንዝሓዞ ዓለም ወንጌል ምስፋሕ ዓቢ ስግኣት ክስዕብ ዝኽእል ከምዝኾነ ቅድሚ ዅሉ ድማ ንኽርስቶስ እምቢ ዝብል መልሲ ክወሃብ ዝከኣል መልሲ ምዃኑ፦ “እምነት ተጻይ ነጻነትን ኣእምሮ ሰብን ዘይኮነስ እኳ ደኣ ንነጻነትን ኣእምሮን ሰብ የነጽሮን ናይ ሕይወት ውርርድ እዚ ማለት ድማ ካብ ገዛእ ርእስኻን ካብ ናይ ውልቃዊ ውሕስነትን ካብ ውልቃዊ ናይ ኣምእሮ ውጥን ብምውጻእ ኣብቲ ናይ ሓቀይና ልባዊ ሓጐስን ምስ ኩሉ ሰላም ናብ ምንባር መገዲ ዝመርሕ ንናይ እግዚኣብሔር ተግባር ኣሜን ምባል ማለት እዩ።” ምስ በሉ ነቲ ብቋንቋ ኢጣሊያ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህረት ክርስቶስ መሰረታዊ ሓሳቡ በቶም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ቋንቋታት ድግማ ኣስሚዖም ንዅሎም ተሳተፍቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.