2012-10-23 14:40:12

ዓመታዊ ዝክረ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ር.ሊ.ጳ. ብዝብል ስም እውን ዝልለዩ ምዃኖም ብዘቃልሕ ኣገባብ ትማሊ ናይ ላቲን ስርዓት ኣብ እትኸተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ክምልከት እንከሎ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ርሑቕ ዓመት 1979 ዓ.ም. ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝብል ሓሳብ ኣብታ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ዓለም ለኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ዝፈጸሙላ ናይ ትውልዲ ሃገሮም ፖላንድ ዘበገሱ ክከዝኾኑን እዚ ድማ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣናዊ ኣስተምህሮኦም ማእከልን ንናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ኣገልግሎቶም ማእከል ክኸውን ከምዝገበረን እቲ ናቶም ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ነቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ተማእኪሉ ንዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዓንዲ ምዃኑ ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ የመልክት።
ኣብ 1990 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፦ “መላእ ቤተ ክርስታያን ሓይላን ብቕዕታን ብምጥርናፍ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን እትነጥፈሉ ኣዋኑ በጺሑ እዩ” ከዝበሉን ነዚ ዝገለጽዎ ሓሳብ ድማ በታ “Redemptoris Missio-ናይ መድሃኔ ዓለም ተልእኾ” ብእተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ገይሮም ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ኣልቢሶም ብምቕራብ፣ “ንቀዳሞት ጥንታውያን ኣቢያተ ክርስትያን ተወኪሶም ኣብ ገዛኻ ንዘለዉ ማኅበረ ክርስትያን ከይሓሰብካ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዘለዉ ክርስትና እምነት ንዘይተቐበሉ ክሕሰብ ዘይከኣል እዩ” ቢሎም ዝተቐበልናዮ እምነት ክርስትና ተሓዲሱ ክሰፍሕ ከምዘለዎ ዝሓበሩ ምዃኖም ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ የመልክቱ።
ቅድሚ 22 ዓመት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ እታ ናብ ኣሕዛብ እትብል ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘማእከለ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዘተኮረ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ቤተ ክርስትያን ኣብ ሳልሳይ ሽሓዊ ዘመን ኣተኩሮ ተልእኾኣ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ክኸውን ብኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልዎን ብቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣን ናይ ኩላዊት ቤተ ርክስትያን ዕላማ ክኸውን ከምዝገበሩ፣ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ናይ ካልኣይ ግባኤ ቫቲካን ውሳኔታት ዝተሰርተ ክኸውን ኣለዎ” ቢሎም፣ ኩሎም ደቂ ቤተ ክርስትያን በቢ ጸዋዕታኦም ብፁዓን ጳጳሳት ካህናትን ዓለማውያን ምእመናን መናንያንን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾስ ሱታፌ በታ “Christifideles laici-ዓለማውያን ምእመናን” እተሰምየት ኣብ መበል 20 ዓመት ዝኽሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣማእኪሎም ከምዘነጸሩ ጸብጻብ ጋዜጠይና ጂሶቲ የመልክት።
ዕለት 18 ግንቦት 1980 ዓ.ም. ንናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባኦም፥ ““Christifideles laici-ዓለማውያን ምእመናን’ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብንጽል ጥራሕ ዘይኮነስ ንመላእ ሕዝበ እግዚኣብሔር በቢ ዝዋሳኣሉ መዳያትን ከከም ሓላነቱን ጸዋዕታኡን ብዝርከበሉ ኩነትን ባህልን ከም ብሱል ማሕበረሰብ ቤተ ክርስታይን ንክርስቶስን ወንጌልን ሰዓቢ ምዃኑ ፍሉይ ዝብሎ ኣናስሩ ዘቃልሑን ምሳኡ ምርኻብን እዚ ምራኻብ ብሱታፌ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራቱን ዝግለጽ ኮይኑ ብዝስዋእ ፍቕርን ብኣገልግሎትን ዝንበር እዩ” ከምዝበሉን ኣብታ “Novo Millennio Ineunte-ኣብ ፈለማ ሓድሽ ሺሕዊ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረሰዋ ሓዋርያዊት መልእኽቶም “ቤተ ክርስትያን ወይ ልእኽቲ እንተዘይኮነት ግን ወንጌላዊት ኣውን ክትኸውን ኣይትኽእል እያ። ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ልእኽቲ ወንጌል ኣያ” ቢሎም እቲ ኣብ እዋን ጴንጠቆስጤ ዝተኮልዔ ደቀ መዛሙርቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ኣምላኽ ከበስሩ ዘለዓዓለ ሓይሊ ወንጌል ኣብ ምብሳር ፍቕሪ ዘቃጸሎም ብኸምኡ መልክዕን ደረጃን ብናይቲ ሓይሊ መበቆል ቤተ ክርስትያን ዝተመልኤ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ክተባባዕ ከምዘለዎ ዕለት 15 ታሕሳስ 1999 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ “ከም ክርስትያን መጠን ዘሎና ሓላፍነት በቲ ንናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘሎና ህርኩነት ዝግለጽ እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማኡ ድማ ናይ ‘ፍቕሪ ስልጣነ’ ምስፋሕ ዝብል ሓላፍነት እዩ። ወንጌልን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስቲ ህልው ባህሊ ምምስሳል ዘይኮነስ ኩሉ ባህሊ ሉኣላዊ ከምዝኾነን ኮይኑ ግን ዘጠራንፎም ናይ ሓባር ረቛሒ ከምዘለዎምን እዚ ድማ ባህልታት ብወንጌል ብምስባኽ ዝረጋገጽ እዩ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ጂሶቲ ዘቕረብዎ ጸብጻብ ይሕብር።
ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣኖም ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘተኮረ ምዃኑ ድማ ዕለት 13 ሓምለ 2003 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ ባህሊ ኤውሮጳ ብሰላሕታ ክሕደት እምነት ዝተዓብለለ ከምዝመስልን፣ እቲ ዝዓገበ ዝመስል ሰብ ኤውሮጳ እግዚኣብሔር ከምዘየሎ ብዝብል ራእይ ዝምራሕን ዝነብርን እዩ ዝመስል፣…. ስለዚ ነቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ተስፋ ብምስፋሕ ናይ ሕይወትን ታሪኽን ትርጉም ከለልይ ምድጋፍ ማለት እዩ” ከምዝበሉን ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መላእ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ስልጣኖም ኣብ ሓደሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘተኮረ ከምዝነበረ ታሪኽ ሕይወቶም የራጋግጾ እንክብሉ ጋዜጠይና ጂሶቲ ኣዘካኺሮም ዘቕረብዎ ጸብጻብ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.