2012-10-23 14:35:27

ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ አበው ልኡካን ናብ ሶሪያ


ማሕበረ ክርስትያን ቅልውላው ኣብ ዝርከበሉ ተስፋ ከብጽሕ ዝተጸውዔ ምዃኑ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ዕጹው ዋዕላ ከምዘስመረሉ እንክዝከር፣ ኣብ ዝቕጽል ቀረባ እዋን ቅዱስ ኣቦና RealAudioMP3 ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመላእ ሕዝቢ ሶሪያ ቅርበት ቤተ ክርስትያንን ሕውትነታዊ ምትሕብባርን ንምምስካር ልኡኻት ቅድስቲ መንበርን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን እትጥርንፍ ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት ናብ ሶሪያ ክልእኹ ምዃኖም ቅድም ክብል ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ብወግዒ ከምዝገለጹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ “ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላውን ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ስቓይ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ምዃን ካብ ሰብኣውነት ወጻኢ ምዃን ማለት እዩ” ዝበሉ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ፣ እቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ኣብ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዝቐውም ምክብባር መሠረት ክውገድ መታን ዝጽዕሩ ንዘለዉ ኩሎም ኣመስጊኖም፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ብቐዳምነት ከምእትዋሳእ ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ “እታ ናብ ሶሪያ እትለኣኽ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ብፁዓን አበው ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት እትሓቁፍ ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት ተልእኾአ ብዝቐልጠፈ እዋን ከረጋግጽ ዘኽእሉ መገድታት ይውጠን ከምዘሎን ዕላማኡ ድማ ምትሕብባርን ሰላምን ዕርቅን ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንነፈሲ ወከፍ ሰብ ቀረባ ምዃኖም ዝምስክር እዩ” እንክብሉ ከምዝሓበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.