2012-10-23 17:25:18

መካነ ንግደት ናይ እኖና እግዚእትነ ማርያም ሉርድ አዕለቅሊቁ


አብ ዝሓለፈ ሳልስቲ አብ ደቡባዊ ፈረንሳ ብዝዘነመ ብርቱዕ ዝናም ሩባ ጋቭ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምምላእ ንመካነ ንግደት ናይ እኖና እግዚእትነ ማርያም ሉርድ አዕለቅሊቁ ብዙሕ ጉድአት እኳ እንተወረደ እቲ ኩነታት አብ ትሕቲ ቁፅጽር ከምዝኾነን ሽሕኳ ብርቱዕ ሥራሕ እንተኾነ ንጽባሕ ሮቡዕ ንነጋድያን ከምዝኽፈት ናይ ታርብን ሉርድን አቡን ብጹዕ አቡነ ኒኮላ ብሩወት ሓቢሮም፣
ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ አብ ናይ ዝሓለፈ ሰንበት ናይ መልአከ እግዚአብሔር ጉባኤ አስተምህሮ አብዚ ጽንኩር ጊዜ ብጸሎቶም ምስ ኦም ከምዝኾኑ ብምግላጽ ናይ ምጽንናዕ ቃል ሂቦም ነሮም፣ ናይ ሉርድ ቆሞስ አባ ኒኮላ ቨንትሪጝያ እዚ ናይ ቅዱስ አቦና ኃልዮት ንኩሎም ከምዘሐጐሶም እንክገልጹ ፍቅሮምን ኃልዮቶምን አብ ጐድንና ምዃኖም ብጭብጢ አርእዩና አብ ሰንበት ናይ 7 ቅዱሳን ዝ አወጁሉን ናይ ስብከተ ወንጌል ተል እኮ ዕለትን ብምዃኑ ከአ ድርብ ዕግበት ተሰሚዑና እዚ ከአ ንኩልና ልብና ተንኪፍና እንክብሉ ገሊጾም፣ናይ ረድዮ ቫቲካን ወኪል ኩነታት ናይቲ መካነ ንግደት ከመይ ከምዘሎ ምስ ሓተትዎም አባ ኒኮላ መጥፋእቲ ሓዊ ናይቲ ከባቢ ብቅልጡፍ መጺኦም ብ ኡ ንብ ኡ ክንጸራርግ ስለዝጀመርና ነጸራሪ አሎና አብ ር እሲ እዚኦም ከአ ብዙሓት ወለተኛታት ይሕግዙና አለው ሓገዝ ዘድልየና እንተኾይኑ ብተለፎን ብዙሓት ይሓቱና አለው፣ ንኹሎም በዚ አጋጣሚ እዚ አመስግን፣ እቲ መካነ ንግደት ጽባሕ ክኽፈት ኢዩ፣ ዑደት ቅዱስ ቍርባንን ነቲ ልሙድ ቀንደል ሒዝካ ምሸት ዝግበር ዑደትን ክንገብር ኢና፣ ቅዳሴ ክንገብር ከምንኽ እልን ከምዘይንኽ እልን ገና አይተረጋገጸን ከመይ ኩሉ ናይ ኤለክትሪክን ማይክሮፎናትን ተበታቲኹ ኢዩ፣ አብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ምሕላፍ ምናልባት ድሕሪ ጽባሕ ይከአል ይኸውን እንክብሉ እቲ ብሃንደበት ዘጋጠመ ነገር ንኩሉ ከምዘሰንበድን ል ዕሊ ሓደ ሜትሮን ፈረቃን ብራኸ ብዘለዎ ማይ ምስ ተሸፈነ ገሪሙና ብ ዕድል አብ ሰብ ዝበጽሖ ጉድ አት የለን ንብረት ጥራሕ ኢዩ ዓንዩ እንክብሉ አብ መካነ ንግደት ሉርድ ዘጋጠመ ሓደጋ ም ዕልቅላቅ ማይ ገሊጾም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.