2012-10-16 15:56:04

ጨናፍር ስነ ፍልጠትን ሃይማኖታዊ እምነትን


ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 12 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ሻምናይ ዋዕላ መበል 13 ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘረባ ዘስምዑ ፍሉይ ዕዱም ኣብ 1987 ዓ.ም. ብስነ ሕክምናን ስነ ተግባር ማለት ናይቲ ህይወታውያን ነገራት ብግቡእ ምስርሖም ዘጽንዕ ትምህርቲ መሰረት RealAudioMP3 ርኽበት enzyme of restriction - ናይ ኤንዛይም ድሩትነት (ኣብ ጥዑያት ዋህዮታት ዚፍጠር ንርእሱ ከይተቐየረ ንካልኦት ጭቡጥ ነጋራት(ትሕዝቶ) ኪቕይር ዚኽእል ነፍሳዊ ቀመም) ብምርግጋጾም ምስ ሊቃውንቲ ሃሚልቶን ስሚዝን ዳኒለ ናታንስ ናይ ስነ ሕክምና ኖበል ተሸላሚ ንምዃን ዝበቕዑ ካብ 1981 ዓ.ም. ጀሚሮም ጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠት ተቛም ኣባልን ካብ 2011 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይዚ ተቛም ሊቀ መንበር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ባዚለያ መንበረ ጥበብ ናይ ደቀቕቲ ነፍሳት ስነ ህይወት መምህር ፕሮፈሰር ወርነር ኣርበርት ናይቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠት ጨናፍር ተቛም ናይ መጀመሪያ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ ክርስትያን ምእመን እውን ምዃኖም በታ ናይታ መዓልቲ ዋዕላ ሲኖዶስ ተረይን መራሒ ብፁዕ ካርዲናል ሮብለስ ኦርተጋ ንሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ብዘስምዕዎ ናይ ምልላይ ዘረባ ቀሪቦም “ጨናፍር ስነ ፍልጠትን ሃይማኖታዊ እምነትን ኣብ ዝብል ርእስ ጉዳይ ኣማእኪሎም ኣስተንትኖ ርክባት ጨናፍር ስነ ፍልጠትን ሃይምኖታዊ እምነትን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ህንጡይነት እቲ ሓደ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣእምሮ ባህርይ ከምዝኾነን፣ ብሓደ መዳይ እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ናይቲ ናይ ስነ ፍልጠት ድልያ መሰረት ዝኾነ ባህርያዊ ግንዛቤ ወይ ድማ ግንዛቤ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ክኸውን እንከሎ፣ ብካልእ መዳይ ድማ ህንጡይነት ናይ ኩሉ ፍጥረት ሰብ መሰረት ንናይቲ ትርጉምን ሓቅን ንምፍላጥ ዝድርኽ ባህርይ መሰረታዊ ሕጊ ዝምባለ ምዃኑ ገሊጾም። ኮይኑ ግን ክሳብ ሎሚ ስነ ፍልጠት ነቶም ቀንዲ ብፍላይ ድማ ንናይ’ቲ ተፈጥሮኣዊ ሰገር ዝኾኑ ዝለዓሉ ሕቶታት፣ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት መልሲ ንኽህቡ ባህርያዊ ግደ ንዘለዎም (ነቶም ኣብ ዓውዲ ሃይማኖት መበቆል ዘለዎም ሕቶታ እውን) ብቑዕ መልስታት ከረክብን ክህብን ከምዘይከኣለን ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን ናይ እምነት መሰረታዊ ትሕዝቶ ዝምልከት ሕቶ ሕድሕዳዊ ርክብን ተጋጣምነት ዘነቓቕሕ እዩ ኢሎም።
ኵነትን ጽልዋን ናይ መለለይ ርድኢት (ፍልጠት)
መለለዪ ርድኢት እናማዕበለን ምስ ግዜ እናተተኻኸለ ዝቕጽል ኣብ ኣእምሮ ፍጥረት ሰብ መላእ ናይ ሕይወት ዘመን ከይዲ እዩ። ስለዚ ገና ኣብ ምጽናስን ቀዳሞት ዓመታት ዕሸልነትን ዝተቐስሙ ረቛሒታት ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ሕጸትን ብዝግበር መጽናዕቲ ድልያ ሓቂ እናሃብተመን እናማዕበለን ዝኸይድ ደረጃ ቀዳማይ ማለት ፈላሚ ፍልጠት እዩ። በዚ መገዲ’ዚ ስነ ፍልጠት ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ እምነት ብዘጠቓልሎም ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ተደጊፉን ፍልጠት እናኻዕበተ ይኸይድ። ስስለዚ እቶም ፈሊጣውያን ማለት ኣግኖስቲካውያን ነገራት ኪህወሱ ደኣ-ምበር ክፍለጡ ኣይክእሉን ኢዮም ዝብሉ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉዩ ተኣምኖት ኣለዎም፣ ማለት ኣብቲ እግዚኣብሔር የለን ዝብል ኣመለኻኽታኦም ናይ ገዛእ ርእሱ ሓደ ተኣምኖ እዩ እዚ እዩ እቲ ናቶም ተኣምኖ። እቲ መለለዪ ርድኢት ሓደ፣ ሕይወትና ዘማሕብር ኩነት ውልቃውን ማሕበራዊ ሕይወትናን ንኣጠቓቕማ ምኅዳርን ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ዘራኽብ ኣስተዋጽኦ እዩ።
ቆስሞሳዊን ስነ ሕይወታዊውን ፍልቀት ንመግለጺ ኣገዳስነት ባህርያዊ ሕጊ ረቛሒ ምኻኑ እንክትንትኑ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠት ተቛም ብዛዕባ ስነ ፍልቀት ቆስሞስን ስነ ሕይወትን ዝብጽሑን ብቐጻሊ ዝረጋገጹ ዘለዉ ርኽበታት ዝግደስ እዩ፣ ኰይኑ ግን ኣብዚ መዳይ ዝተበጽሑ ርኽበታት ንገዛእ ርእሱ ናይ ቆስሞስ መሰረት ፍልቀት ትኽክለይናን ዝተረጋገጸ ቅዉም ሓሳብ ከለልዩ ዘይምኽኣሎም ንጹር እዩ። እዚ ማለት ድማ መበቆል ኢምንትነት ዝብል ብፍልስፍና ክሳብ ሕጂ መጽናዕትን ምርምርን ዝግበረሉ መሰረት ተፈጥሮ ዝበሃል ስነ ፍልጠታዊ መርትዖ ገና ኣይተረኽበሉን፣ እዚ እቲ ናይ ቆስሞስ ፍልቀትን ናይ ሕይወትን ፍልቀት ብስነ ምርምር መርትዖ ዝተረኽቦ ናይ ተፈጥሮ ቀጻሊ ነባርነት ንዝብል ኣገዳሲ ኣመለኻኽታ ዝድርኽ ኮይኑ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ መወዳእታ ዘመናት ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሐልፉ ዓሰርተው ዓመታት ኣድማስ ከም ስፍራ ኮይኑ ዝሓቑፎም ዘጠቓልሎም ዝተፈላለዩ ገና ዘይተለለዩ ነገራዊ ትሕዝቶታት ዝተፈላለዩ ናይ ጸሓያዊ ስልትታትን ክሳብ ሕጂ ምስጢር ኮይኖም ዘለዎ ምስጢራውያን ነገራትን ጸዓትን ከምዘጠቓልል ዝተበጽሑ ርኽበታት እናተረጋገጸ ይኽይድ ከምዘሎ ሓቦሮም፣ እዚ ዅሉ ምስታ ንጣብ ዝኾነት እንነብረላ መሬት ንገዛእ ርእሳ እውን ኣብ ቀጻሊ ፍልቀት እትርከብ ንምፍላጣ ምስጢር እዩ ኢሎም።
ኣብዚ እዋን’ዚ ካብታ እንነብረላ ምድሪ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ሰማያውያን ኣካላት ህይወት ክህሉ ከምዝኽእል ዝገልጹ ዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር ጥንሰ ሓሳባት ኣለዉ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብዛዕባ ህይወት ዝግበሩ መጽናዕትታት ሕይወት ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸን ዓሚዩቕን ምስጢራዊ ምዃኑ እዩ ዘነጽር።
ፍኑው ምቅይያር ኣካላዊ ስነ ውርሻ ናይ ስነ ህይወት ፍልቀት ዘንቀሳቅስ ሓይሊ ከምዝኾነን እዚ ዕቑር ባህርያዊ ሓይሊ ናይ ፍልቀት’ዚ፣ ኣብ ብዙሕነት ስን ሕይወት ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ከምዝኾነን፣ ንናይ ስነ ፍልጠታዊ ግብዛቤ ዓቢይ ባህላዊ ክብሩ ዋጋ እዩ። ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ስነ ፍልጠት ንባህርያዊ ሕግን ዝውክሎም ክቡራት ዋጋታት ብግምረኣዊ ዘቃልቦ ከምዝኾነን ኣረዲኦም፣ እዚ ነቲ መባእታዊ መለለዪ ርድኢት ዘማዕብልን ከምኡ እውን ብምጥቃም ናይ ኢደ ጥበብ ምዕባለ ብዛዕባ ቆስሞስን ብውሽጡ ዝሐቑፍም ስነ ሕይወትን ብዑምቅት ኣብ ምርዳኡ ዝዓቢይ እዩ ምስ በሉ፣ ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን ሃይማኖታዊ እምነትን ዘሎ ምግጣምን ርክብን ኣስዒቦም፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ህንጡይነት እቲ ሓደ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣእምሮ ባህርይ ከምዝኾነን፣ ብሓደ መዳይ እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ናይቲ ናይ ስነ ፍልጠት ድልያ መሰረት ዝኾነ ግንዛቤ ባህርያዊ ወይ ድማ ተፈጥሮኣዊ ሕጊ ክኸውን እንከሎ፣ ብኻልእ መዳይ ድማ ህንጡይነት ናይ ኩሉ ፍጥረት ሰብ መሰረት ንናይቲ ትርጉምን ሓቅን ንምፍላጥ ንዝድርኽ ባህርይ መሰረታዊ ሕጊ ዝምባለ ምዃኑ ዘቕረብዎ ሓሳብ ተወኪሶም፣ በዚ መሰረት’ዚ ድማ ወዲ ሰብ ዓሚዪቕን ሰፊሕን ፍልጠት ኣኻዕቢቱ እዩ ምስ በሉ፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ መጽሓፈ ኦርት ዘፍጥረት ምስክርነት ናይ ሓደ ኣዚዩ ጥንታዊ ናይ ዝኾነ ብዛዕባ ኣድማስ ዝገልጽ ራእይ ስነ ፍልጠት እዩ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ስነ ፍልጠትን ሃይማኖታዊ እምነትን ዘሎ ምትእስሳር ዝገልጽን ዝምስክርን ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ ጳጳሳዊ ናይ ስነ ፍልጠት ተቛም ተበጽሖ ስነ ምርምርን ስነ ፍልጠትን ብቐረባ ብምክትታል ብመንጽር ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣስተሓሳባ እናመዛዘነ ርእይቶ እውን ዝህብ ምዃኑ ገሊጾም ዘቕረብእዎ ኣስተምህሮ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.