2012-10-16 17:43:25

ደም ሰማዕታት መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ንሕይወት ክርስትና የበራብር


ደም ሰማዕታት መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ንሕይወት ክርስትና የበራብር ከማኡ እውን ነቲ ብነዊሕ ዓመታት ዲክታቶርያዊ አገዛዘአ ዝተፈጥረ ባዶሽ ይምላእ እንክብሉ አበው ሲኖዶስ ጳጳስ ሎሚ እውን ብዛዕባ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ክዛተዩ ውዒሎም፣ አብ ማእከል እቲ ዘተ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ነታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝተወቅ ዔተን ዳርጋ ተረሲዓ ዘላን ሃገረ ሃይቲ ብምዝካር ንዳግመ ሕንጸት ኩለንትናዊ ሕይወት ኅብረተሰብ ሃይቲ ከምዝድግፉን ብዝተኻእሎም ክተሓባበሩ ምዃኖምን ብምግላጽ ከአ አብ ጐድኖም ከምዝኾኑ ገሊጾም፣ እቲ ዳግመ ሕንጸት ንኩሉ ዘጠቃልል ክኸውን ካብ ዝተሓተ ናይ ናብራ ምንቅስቃስ ክሳብ እቲ ዝለዓለ ስነ አ እምሮ አውን ሰብ አውን ብስለት ዝርከበሉ አብያተ ትምህርትን ርግጽነት ናብራ ዘውሕስ ትሕተ ቅርጽን ብምትሕብባር ኩሎም ክትግበር ጻው ዒት አቅሪቦም፣
አብ ናይ ሎሚ ው ዕሎ ቀንዲ አተኵሮ ዝተገብረሉ ናይ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ስደትን መከራን አመንቲ ክርስትና ብሕልፊ አብ ትሕቲ ዲክታተራት ዝነበሩን ም እንቲ ስብከተ ወንጌልን ምስክርነት ክርስቶስን ደሞም ዘፍሰሱ ናይ ዘመንና ሰማዕታት ብምዝካር እዚ ደም ሰማዕታት እዚ ሎሚ ብሓዲስ መንፈስ አብ ስብከተ ወንጌል ንክንጽመድ ኃያል ናይ ተስፋ ምስክርነት ብምዃን ንሕይወት ክርስትና እንደገና ከንቅሑን ንቅንዕና እምነትና ሃንቀው ዘብሉን ክኾኑ እሞ ነዚ አብዚ ዘመንና ዝተፈጥረ ባዶሽ ክመል ኡ ዘለዎም ተስፋ ይገልጹ፣ ስለዚኸስ ይብሉ አበው ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ነዞም ኩሉ ክኽሕድ እንከሎ አብ እምነቶም ብምጽናዕ ደሞም ዘፍሰሱ ሰማዕታት ይመልከት፣ ብማለት ነቲ ዝተዋህበ ናይ ደም ምስክርነት ክንዝንግ ዕ ከምዘብልና አዘኻኺሮም፣
ሎሚ እውን እንተኾነ ገና ብስደትን ሰማዕትነትን ንክርስቶስ ዝምስክሩ አለው፣ ከም አብነት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት አቡነ ኤተሮቪች ካብ ቻይና ሓደ ን20 ዓመታት አብ ቤት ማእሰርቲ ዝማሰነ ምስክር ክርስቶስ ዝተላእከሎም ወዲ 90 ዓመት ዝኾኑ አቡን ነዚ ሲኖዶስ ዝተላእከሎም መልእኽቲ ጠቂሶም ጸሓፊ ናይዛ መልእኽቲ ነዚ ዝግበር ዘሎ ሲኖዶስ ከምዘተባብዕን ካቶሊካውያን ምእመናን ቻይና ብምሉእ ልቦም ንር.ሊ.ጳን ንሲኖዶስን ከምዝድግፉን ብመንፈስ አብ ጐኖም ከምዘለውን ይገልጽ ብማለት ገና እቲ ስደትን ውልቀ ምልካዊ ጭቆና አብ ልዕሊ መሰኻኽር ክርስቶስ ከምዘሎን አብሪሆም፣
ብድሕሪዚ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ከም መጋበሪ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ክንጥቀመሎም እንኽእል ካቶሊካውያን አብያተ ትምህርቲ ምዃኖም ብምዝካር ትምህርተ ሃይማኖት አብ ቤተ ክርስትያንን አብ ገዛን ክጽናዕ ዘለዎ ትምህርቲ ጥራይ ጌሮም ከይርድ እዎ አብ ቤተ ትምህርቲ እኳ ደአ ካብ ካል ኦት ዓይንታት ትምህርታት ብዝበለጸ ዝጽነዓሉ መንገዲ ክድለ አተሓሳሲቦም፣ ምስዚ ብምትሕሓዝ እውን ኩሉ ተቅዋማት ምስዚ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዝተሓሓዘሉን ንም እመናን ጽን ቢልካ ብምስማዕ ከከም አድላይነቱ ምናዳ ከአ አብቲ ዋሕዲ ካህናት ዘለዎ ቦታታት ም እመናን ምስክርነቶም ብቃልን ብግብርን ክህቡ አብ ተል እኮ ስብከተ ክዋፈሩን ምብርታዕ ከምዘድሊ አዘኻኺሮም፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካብ አፍሪቃ አስተምህሮ ዘቅረቡ አበው ስብከተ ወንጌልን ባህልን ክተአሳሰር ክተሓጋገዝን ዘለዎ ጉዳይ ብምዃኑ ቀጻሊ ዘተ አብ መንጎ ክልቲኦም ብምⷋያድ ወትሩ ክተሓዳደሱ ከምዘለዎም ቃል ወንጌል አብ አንጕዕ ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ብም እታው ምሳኡ ክሳነ እቲ ብ ኢንካልቹረይሽን ዝፍለጥ ናይ ወንጌልን ባህልን ም ትሕግጋዝ ሓንሳእ ተገሩ ኢዩ ቢልካ ዝውዳእ ዘይኮነስ ቀጻልን ሕያውን ምምሕያሽ ክግበረሉ አዘኻኺሮም፣ ምናዳ አብዚ ዘመንና ዘሎ ጸገማት ብሕልፊ ምስጢረ ንስሓ ብዝር ኢ ብዛዕባ ሓጢ አትን ምሕረት አምላኽን ዘሎ ር ድ ኢት እንደገና ክረኤን ክስረሓሉን ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ አስሚሮምሉ፣ ከማኡ እውን ምሥጢረ ጥቀ ቅዱስ ቍርባን ከም ምንጪ መንፈሳዊ ሕይወትን ንደቂ ሰባት ናይ መለኮታዊ ሕይወት ዝስሕብ ጸጋትት ክህብ ከምዝኽ እልን ም ዕዳም ከምዘድሊ እውን ሓቢሮም፣ ነዚ ብዝምልከት አበው ሲኖዶስ ኤስያ እውን ቃሎም ሂቦም ምናዳ አብ ጽሑፋት ሥር ዓተ አምልኾን ትርጉማቶምን ብዝር ኢ ቃል ብቃሉ ምትርጓም ዘይኮነ ናይ ነፍሲ ወክፍ ዞባ ባህላዊ ፍልልያት እውን አብ ግምት ከእቱ ተላቢዮም፣
ካል እ አተኵሮ ዝተገብረሉ ነገር አብ ሥልጡን ዓለም ገኒኑ ዘሎ ናይ ሕክምናን ሞራላዊ ትምህርትን ቤተ ክርስትያን ዳርጋ አብ ግርጭት በጺሑሉ ዘሎ አነጺርካ መንፈስን ትምህርትን ቤተ ክርስትያን ንምግላጽ ብርቱዕ ስብከተ ወንጌል ከምዘድሊ ተመልኪቱ፣ አብዚ ኩሉ ዕውት ስብከተ ወንጌል ንምⷍያድ ቍምስናታት መንጠሪ ባይታ ከምዝኾነ ከይረስ ዑ አብያተ ትምህርቲ ቍምስናታ ከማኡ እውን ስድራቤታት ዚአኽሉ መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን አነቃቃሕቲ ጕጅለታትን ብምውፋር ክስርሓሉ ከምዘለዎ አዘኻኺሮም፣
አብ መወዳእታ አበው ሲኖዶስ ጳጳሳት ነቶም አብ ጐኒ ጐኒ ውሉደ ክህነት ኮይኖም ዝሰርሑ ዓለማውያን ሰበኽቲ ወንጌል ዘጓንፎም ውሳጣውን አፍአውን ግድላት ብምግላጽ ነዚ ሓዲስ ስበከተ ወንጌል ር እይቶኦም ናይ ዝሃቡ ም እመናን ምስክርነት ሰሚ ዖም፣ እዚኦም ዓለማውያን መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን መስከርቲ ክርስቶስን ዘቅረብዎ ሓደራ ብምሳሌ ዝተሰነየ ኢዩ ነይሩ፣ ቀዳማይን ካል አይን ስብከተ ውንጌል ከም ግጥም ኵዕሶ እግሪ አቅሪቦሞ እንከብቅ ዑ እቲ ቀዳማይ ስብከተ ወንጌል ከም ቀዳማይ እብረ ግጥም ኵዕሶ እግሪ ኮይኑ ግደ ናይ ሰበኽቲ ወንጌል ነቲ ሠናይ ዜና ምብሳር ወይ ብኻል እ አዘራርባ ሚስዮናዊ ተግባር እንብሎ እንክኸውን እቲ ካል አይ እብረ ናይ ግጥም ዝብልዎ ከአ ናይ ትምህርቲ ክርስቶስን አጸቢቅካ ናይ ምብሳል ብትምህርቲ ንባበ መለኮትን አስተንትኖን ካል እ ተግባራትን ኮይኑ ቀንዲ ሥራሕ መማይራን ትምህርቲ ክርስቶስን ካህናትን ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮትን ምዃኑ ገሊጾም ነፍሲ ወከፍ አብ ዝምልከቶ እብረ አብ ሜዳ ስብከተ ወንጌል ወሪዱ እጃሙ ከበርክት አዘኻኺሮም፣
አብ ናይ ትማሊ ናይ ምሸት ክፍለ ግዜ አጋጣሚ ኮይኑ ኩሉ አብ ር እሲ አቡናት ብም ውራድ አቡናት ቀዳሞት ሰበኽቲ ክኾኑ ከምዘለዎም ብምምልካት እዚ ቅኑዕ ሃይማኖት ብምሓዝ ልዕሊ ኩሉ ብጸሎት ብዓሚቍ ፍቅሪ ምስ አምላኽ ብምትእሥሳር ብቃልን ብግብርን መራሕቲ ናይ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ክኾኑ አዘኻኺሮም ነሮም፣

ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት አብ ናይ ትማሊ ው ዕሎኡ ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል ከም ቀንዲ መጋበሪ ዘተኰረሎም ሠለስተ ባእታት ነረን፣ ንሰን ከአ ም እመናን ሥድራ ቤትን ሓድነት ክርስትያንን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን ኢየን ነረን፣ ንም እመናን ከየንቃሕቃን ንሶም ብጊዲኦም ንስብከተ ወንጌል ከየዋፈርካን ዕውት ሓዲስ ስብከተ ውንጌል ክግበር ስለዘይከአል ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስትያን ነዚ ጉዳይዚ ቀዳምነት ብምሃብ በብወገነን ሲኖዶስ ብምግባር ንም እመናን ማእከል ዝግበረን ባዕሎም ም እመናን ዝዋስ ኡሉን መጽናዕቲ ብምክንያድ ነዚ ወፈራዚ ክሰናደው ሓደራ ቢሎም፣ ቤተሰብ ን እሽቶይ ቤተ ክርስትያን ስለዝኾነት ንሥድራ ቤት ምስባኽ ማለት ንኩሉ ምስባኽ ስለዝኾነ አብ ስድራ ቤታት ፍሉይ አተኩሮ ክግበር ብሕልፊ ነተን ብፍትሕን ባ እስን ቈሲለን ዘለዋ ብም እላይን ምስባኽን ክስራሕ አዘኻኺሮም ምናዳ አብ ኤውሮጳን ም ዕቡል ሃገራትን ብስም ምዕባሌ ዳርጋ ተበታቲነን ስለ ዘለዋ ብርቱዕ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ከምዘድልን ቤተ ክርስትያን እውን ንባዕላ ዓባይ ሥድራ ቤት ምዃና ኩሎም ክፈልጡ ምናዳ ከአ ፖሎቲካውያንን ማኅበረሰባውያንን ተቅዋማት ነዚ ባህርይ ቤተ ክርስትያን ከስተው እሉሉን ክ ከናኸንዎን አዘኻኺሮም፣
አብ መወዳእታ አበው ዝዘተዩሉ ጉዳይ ሓድነት ክርስትያንን ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተን እንክኾን ፍልልይ ክርስትያን እቲ ዝ ዓበየ ዕንቅፋት ስብከተ ወንጌል ምዃኑ ብምምልካት እንተወሓደ አብ ኤውሮጳ ኦርቶዶክስን ካቶሊካውያንን ሓባራዊ ናይ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል መደብ አውጺኤን ስርሔን ብሓባር እንተዝጅምራ ዕውት ወፈራ ስብከተ ወንጌል መካየዳ ከማኡ እውን ነቲ ምስ ካል ኦት ሃይማኖታት ዝግበር ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ ኢንተርረሊጅየስ ዳያሎግ ምናዳ ምስ አስላም ዝግበር ዘተ እንተደንፊዑ ነቲ ንክርስትና ከም ናይ ም ዕራባውያን ዓለማውነት ዝግምግም ር እይቶኦም ይኹን እቲ ብዛዕባ ጽርፈት ዝ እውጅዎ ሕጋታትን ዘይፍትሓዊ ሳዕቤናቱን ምተወገደ ንብሥራት ወንጌል ከአ ተሓጕሶም ምተቀበልዎ እንክብሉ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ነዘን ሰለስተ ነጥብታት እዚኤን አበርቲዑ ክሰርሓለን ተላብዮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.