2012-10-16 15:58:45

ሲኖዶስ፣ ምስክርነት ፈረንሳዊት ዓላማዊት ምእመን፦ ኣብቲ ባዶን ስቓይን ተስፋ ምብጻሕ


ኣብዚ ሎሚ እንነብረሉ ምድረ በዳዊ ዓለምን እዋንን ክርስቶስ ዳግማይ ምእዋጅ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ መኽፈቲ ናይ እምነት ዓመት ዝገለጽዎ ሓሳብ፣ ተልእኾ ምዃኑን፣ ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ልኡካነ ወንጌልን ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ዝመሓላለፍዎ ተልእኾ RealAudioMP3 ምዃኑ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዝገበራ ኣብ ሲኖዶስ ምስክርነት ዝሃባ ፈረንሳዊት ዓላማዊት ምእመን ሻንታል ለ ሪከ ሓቢረን፣ ዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ወይ ድማ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ማለት ናብቲ ባዶነትን ስቓይን ተስፋ ምብጻሕ ማለት ምዃኑ ሓቢረን፣ ዕድሎት ዘርኢ ሰብ ባዶነት ስለ ዘይኮነ ኣመንቲ ነቲ ካብ እምነትን ቤተ ክርስትያንን ርሒቑ ዝነብር ዳግም እምነት ብሓድሽ መንፈስ ብምቕራብ እቲ ካብ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያኑን ክርሕቝ ዘገደዶም ምኽንያት ብምልላይን ብዛዕባኡ ብምዝታይ ንእግዚኣብሔር ምእማንን ምሉእ ብምሉእ አሜን ቢልካ እአምን ምባል እንታይ ማለት ምዃኑ ንምርዳእ ክዓዩ ከምዘለዎም ዘነቓቕሕን እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዘብቕዕ ቤተ ክርስትያን መገድታቱን ሜላታቱን ብምልላይ ሓድሽ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝብል ሲኖዶስ እዩ ኢለን።
ጸዋዕታ ዓለማዊ ምእመን ብዙሕ ኣብ ዓለምን ብዓለም ዘይፍለጥ እውን እንተዀነ ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስ ቤተ ክርስትያንን ንቤተ ክርስትያንን ዝነብር ብምዃኑ፣ ኣብ ተልእኾ ኣስፍሆተ ወንጌል ናቱ ግደ ኣለዎ። እቲ ዘለዎ ተራ ድማ ኣብ ዕለታዊ ናብራ እናመስከረ ወንጌል ዘስፍሕ እዩ። ክርስትያን ምዃንካ ግልጺ ኮይኑ ኣነባብራኻን ኣካይዳኻን ኣተሓሳስባኻን እዚስ መን እዩ ከብል ኣለዎ። ዓለማዊ ምእመን ዝመሳሰል ዘይኮነስ ብጸዋዕታ ዓለማዊ ምእመን ምዃን ክርስቶስ ክመስል ዝተጸውዔ እዩ፣ ስለዚህ ምምሳሉ ንኢየሱስ ክርስቶስ እምበር ንዓለም ኣይኮነን፣ እዚ ጸዋዕታ’ዚ ድማ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንቤተ ክርስትናን ምስ ቤተ ክርስትያን ዝንበርን ብስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዝምራሕን እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝንበር ጸዋዕታ ዓለማዊ ምእመን የሎን ምስ በላ፣ እቲ ካብ እምነትና ዝመጽእ ጥበብ ንዓለም እናመስከርና ናይ ዓለም ከይኮንና ንምንባር ዝተጸዋዕና ኢና ምስ በላ ኣብቲ ስቓይን መከራን ቀቢጸ ተስፋ ዝረኣየሉ ዕለታዊ ናብራ ተስፋ ምስፋሕ ቀሊል ኣይኮነን፣ ገዛእ ርእስኻ ተስፈይና ምዃን የድሊ ዘይብልካ ክትህብ ዝከኣል ኣይኮነን ኢለን።
ናይ ዓለማዊ ምእመን ጸዋዕታ ዘለዎ ዓቢይ ሓላፍነት ምስ ገለጻ፣ በዚ ምኽንያት’ዚ ነቲ ጸዋዕታ ዝተኻኸል ሕንጸት ኣብ ቁምስናታትን ብሰበኻታት ደረጃ እውን ክህሉ ይግባእ፣ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ብሓፈሻኡ ብዛዕባ ጉባኤ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ካቶሊካዊ እምነትን ብዛዕባ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ቅዱስ መጽሓፍን ዕሙቕ ብዝበለ ደረጃ ድማ ብዛዕባ ቅዱሳት ምስጢራትን እውን ሕንጸት የድሊ፣ ዓለማዊ ምእመን ምስ ካቶሊካዊ ቲዮሎጊያ ክላለ ኣለዎ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ እምነት ዓመት ናብቲ ልቡ ዘትረረ ኣብ ምድረ በዳ ዝርከብ ሕዝቢ ዓለም እቲ ዘለኣለማዊ ናይ ሕይወት ዓይኒ ማይ ዝኾነ ክርስቶስ ምቕራብ ማለት ምዃኑ ገሊጸምዎ እዮም። ናይ እምነት ዓመት ካልኣ ዘይኮነስ ዝተቐበልናዮ ጸጋ እምነት ብምስትንታን ናይ ሕይወት ማይ ንዑ ስተዩ ምባል ማለት እዩ። ቤተ ክርስትያን ስልጣን ኣኮነትን ኣገልግሎት እያ፣ ስለዚህ በዚ መሰረት ዘለዋ ስልጣና ዓሚዩቕን ሓቀይና እዩ፣ እዚ እዩ ድማ እቲ ዘለዋ ስልጣን ካብቲ ናይ ዓለም ስልጣን ፍልይ ዘብሎ እንክብላ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.