2012-10-13 14:56:48

ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ፦ “ናይ እምነት ዓመት ኣብ ሕጉስ ትሕትና”


ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዘቕረብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ “ናይ እምነት ዓመት ኣብ ሕጉስ ትሕትና” ብዝብል ኣርእስቲ ብምቕጻል፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ዕለት 11 ጥቅምቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት RealAudioMP3 ኣብ እዋን ዕራርቦ ጸሓይ፣ ሕዝቢ ዓለምን ልቢ ኩሉ ሕዝቢ ጽን ክብሎ ዝጽበዩ ካብቲ ሓዋርያዊ መንበር ምስኮት ኮይኖም ዘመሓላልፍዎ ቃል፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘስምዕዎ ቃል ከምዝኾነን፣ ነዚ ቃል ምስማዕ ናይ ኩሉ ዘመን ሕዝቢ ምንዮት ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ጠቒሶም፣ እቲ ትማሊ ዝተሰምዔን ሎሚ ክስማዕ ዝድለን ካብቲ ሓዋርያዊ መንበር መስኮት ዝእወጅ ቃል ወትሩ ሓድሽን ዘለዓለማውን እዩ።
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ 50 ዓመት መንእሰይ ካህንን ውዕዉዕ ሊቅነትን በቲ ዝነበሮም ሊቅነት ከም ኣማኻሪ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክሳተፉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን መጺኦም ልክዕ ከምቲ ሎሚ ንሕና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይና ካብ ኣፍ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቃል ክንሰምዕ ቆላሕታና ናብቲ መስኮት ሓዋርያዊ መንበር ኣንቢርና እንጽበዮ ልክምዕ ከምኡ እብቲ እዋን ዝነበርዎ ተመክሮ ከምዝኾነ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ጠቒሶም፣ እግዚኣብሔር ታሪኽና፣ እግዚኣብሔር ታሪኽ ቤተ ክርስታይን እዩ፣ “ፍስሃን ተስፋታትን ጭንቅን ሓዘንን ስቓይን ሰብ ናይቶም ናይ ክርስቶስ ደቀ መዛሙር ኩነት እውን ኣዩ ብዝብል ቃል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ይጅምር፣ ብመንጽር ወንጌላዊ ቃል ታሪኽ ምንባብን ልክዕ ከምቲ ታሪኽ ናይ እንክርዳድን መርበብን። ሰላሕታን ዘስካሕክሕን ታሪኽ ሓጢኣት፣ ኣብ መዋቕራቱ ተሰሪቱ፣ ውልቃዊ ሓጢኣት ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ተመክሮ ዝጎድእን ዘዋርድን እዩ፣ ኮይኑ ግን ናይ ጸጋ ታሪኽ ብዘይ ዓውታ ብጽሞና ዝዓይን ልክዕ ንመኽፈቲ ናይ እምነት ዓመት ኣብ ቅርዓ ቅዱስ ጴጥሮስ እዋን ብርሃን ወርሒ ምእመናን ዝሓዝዎ ናይ ሽምዓ ብርሃን ልክዕ ከምኡ ብሓልዮትን ብዝስዋዕ ፍቕርን ሓቅን ብርሃን ዝተኾልዔ እዩ፣ ሽሕ’ኳ ስቓይን መከራን ይሃሉ ህላዌን ህዱእ ሓጐስን ትሕትና ዝዓሰሎ ሓጐስን ሓቀይና ሓጐስ ተግባርን ናይቲ ኣብ መንጎና ናይ ዘሎ ጐይታ መንፈስ ብርቱዕን ተኣማንን ምዃኑ ዘስተውዕል እዩ” ኢሎም።
ናይ እምነት ዓመት ትሕትና ዝዓሰሎ ናይ ሓጐስ ጩራ ብርሃን ሓልዮትን ሓቅን ዝልውጥን ሓቀይና ብርሃን ዝህብን ቅዱስ ኩነት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሎሚ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኰት ኮይኖም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት መኽፈቲ ናይ እምነት ዓመት ኣብ እዋን ብርሃን ወርሒ ንዝተኣከቡ ምእመናን ልክዕ ክም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ናብ ኣባይትኹም ተመሊስኩንም ንዅሎም ሕጻናት ሰዓሙለይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ የፍቅረኩም እዩ በሉለይ፣ እንክብሉ ብዝገለጽዎ ዘይተሓላለኸ ፍቕሪ እዚኣብሔር ልክዕ ብኸምኡ ዓይነት ናይ ፍቕሪ መንፈስ ናይ እምነት ዓመት ኣጀሚሮም እዮም እንክብሉ ኣባ ሎምባርዲ ዘቕረብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.