2012-10-13 15:03:32

ብፁዕ ኣቡነ ዋርዱኒ፦ ኣብ ሃጋራት ኣስላም ኣስፍሆተ ወንጌል ብሕይወት


ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ “ኣስፍሆተ ወንጌል ንምትሕልላፍ እምነት ክርስትና” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስታይን ብፁዓን ጳጳሳት መበል 13 ሲኖዶስ ንብዓት ማሕበረሰብ ክርስትያን ዒራቓውያን የቃልሕ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ ኣብ’ታ ሃገር RealAudioMP3 እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓው ዓው ከይበለት ብትሕትና ተሰንያ ናይ ዝስዋዕ ፍቕሪ ምስክርነት ተቕርብ ከምዘላን፣ ኣዚ ድማ እቲ ዝዓበየ ኣገልግሎት ኣስፍሆተ ወንጌል ምዃኑ ኣብ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ባግዳድ ናይ ከለዳዊ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ተሓጋጋዚ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሸለሞን ዋርዱኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።
ቤተ ክርስትያን ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ካብ ቤተ ክርስትያን እቲ ዝተኣከበ ዶሮና ክንገፍ” እንክብሉ ዘቃልሕዎ ኣድላይነት ሕዳሴ ዳግም ኣድላዪ እዩ፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ይብሉ፦ እቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካባና ዝጽበዮ ‘ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹ’ (ማር. 16፣15) ኣንክብል ዝሃቦ ትእዛዝ መሠረት እዚ ንሱ ዝበሎን ዝሃቦን ተልእኾ ንምፍጻም ብፁዓን ጳጳሳት ሓይሊ መንፈስ ቅዱስን ጸጋ እግዚኣብሔርን ዝሓትሉን ዘስተንትንሉን ቅዱስ ኣዋን እዩ” ኢሎም።
ኣብ እስላም ሃገራት ኣስፍሆተ ወንጌል ቢልካ ክትዛረብ ዘሸግር እዩ፣ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣነ ጥንታዊን ቀዳመይትን ዝብል ኣመለኻኽታ ስለ ዘለወን ኣስፍሆተ ወንጌል ምቕራብ ቀሊል ኣይኮነን፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ሕይወት ሕቶ እዩ ዝኸውን፣ ስለዚህ እምነት ብሕይወት ብምንባር ዝፍጸም ተግባር እዩ። ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ሃገራት እስላም ነዚ እዩ ዘስምዕ ምስ በሉ ኣስዒቦም፣ ብርግጽ ይብሉ። እምነት ኣብ ልቢ ሰብ ክሰርጽን መዕረፊ ቦታ ክረክብን መታን ክሰፍሕን ክስበኽን ክመሓላለፍን ኣለዎ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ “ምስክርነት ማሕበረ ክርስትያን ዒራቕ ኣብ ዒራቕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብርታዔ መግለጺ እዩ፣ ኣስፍሆተ ወንጌል ውትወታ ወይ ድማ ናይ ፖለቲካ ጥንሲ ሓሳብ ኣይኮነን፣ ብሕይወት ዝንበር ናይ ሓቀይና እምነት መግለጺ እዩ። ሓቀይና እምነት ዝነብር ብሕወቱ ኣውን መስካሪ እምነቱ ኣዩ ዝኸውን። ስለዚህ ኣከያይዳና ጠባይና ኵሉ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ፣ ብእንፍጽሞ ናይ ሕይወትን ብዝስዋዕ ፍቕርን ኣቢልና እምነት ክርስትና ንገልጽ፣ ንኣና ኣስፍሆተ ወንጌል እዚ እዩ” ኢሎም።
ኣብ ኡክራይን ናይ ግሪክ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ሓልዮ ድርገት ምኽትል ሊቀ መንበር እናቴ ሉዊዛ ችዩፓ ብወገነን ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ኣቕርቦት ትምህርተ ክርስቶስ ኣስፍሆተ ወንጌል ኢዩ፣ ስለዚህ ዝኾነ ይኹን መምህር ትምህርተ ክርስቶስ ኣካል ኣብሳሪ ሓድሽ ዜና እዩ። እዚ ድማ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልና ኣብ ቤተ ክርስትያኑን ቅዱሳት ምስጢራትን ዝተቐበልናዮን ዝተራኸብናዮን እግዚኣብሔር ኢና እነበስር” ኢለን።
ኣስፍሆተ ወንጌል ማለት፦ ዝንበርን ኣሜን ዝበልካዮ ቃል ኣምላኽ ብቓልን ሕይወትን ምሕላፍ ማለት እዩ፣ ህያው ዝኾነ ኣምላኽ ምቕራብ ማለት ካብ ኮነ እቲ እምነት ኣባኻ ህያው ክኸውን ኣለዎ። ህልው ዝኾነ ክርስቶስ ምቕራብ ማለት እዩ። ሎሚ እቲ ዘሎ ምዕቡል ኢደ ጥበብ ንኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌልን ምጥቃም እውን ኣገዳሲ እዩ” ቢለን ሎሚ እቲ ቅዱስ ዝኾነ ዝተባርከ ኵሉ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ቦታ ዘይወሃቦን ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ብዙሕ ዘይብሃልን ሃይማኖት ናይ ውልቂ ዝብል፣ እምነት ካብ ማሕበራው ጉዳይ ዝንጽል ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ኣስፍሆተ ወንጌል ቀሊል ኣይኮነን፣ ስለዚህ ብሓቂ ቃልን ሕይወትን ዘጣመረ ክኸውን ኣለዎ እዚ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ነዚ ዘብቅዕ መገዲ ዝሕብር እዩ” እንክብላ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊለን።









All the contents on this site are copyrighted ©.