2012-10-11 15:30:09

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና
“ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ወትሩ ዕላማ ቤተ ክርስትያን ሓባሪ እዩ


ትማሊ ረቡዕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምቲ ልሙድ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ከምዝለገሱ ክምልከት እንከሎ፣ ቅዱስነቶም ኣብ ዋዜማ ናይ እምነት ዓመትን ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 40 ሺሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን RealAudioMP3 ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን በቢ ዕለቱ ንዳግማይ ርኽበት ናይ እምነትና ጽባቔ ጽኑዕ ጻውዒት እዩ” ቢሎም “ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሕ ግዜ ካብ ዝወሃቦ ጉጉይ ትንታኔ ናጻ ምውጻእ የድሊ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “ብዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝተቐልመ ቅብኢ ኣብ ቅድሚኡ ደው ቢልና ዝተፈላለየ ሕብርታቱን ኅብረ ቀለማቱን ዝውክሎ ተሳዃዒ ሥነ መልክዓ ባህርያትን መተሓላልፎን እነስተንትኖ ዝተነብሮ ልዑል ሃብትታቱ ዳግም እነለልየሉን እንረኽበሉን ከም ሓደ ዓቢይ ስእላዊ ንድፊ እዩ” እንክብሉ እቲ ከም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዝተሳተፍሉ ቅድሚ 50 ዓመት ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተዘክሮ ብመንጽር ተመክሮኦም ብምንጽብራቕ ገሊጾምን ናይቲ ዓቢይ ጉባኤ ውቁብን ኣዚዩ ብሩህን ሕብርታቱ ዘደብን ካብ ነዊሕ ዓመታትን በቢ ዕለት ዝወሃቦ ትንተና ዘንበሮ ጌጋ ርድኢት ኩሉ ተላቒቕና ነቲ ዓቢይ ቤተ ክርስትያን ዝተዕደለቶ ጸጋ ከስተውዕል እንከተሓሳስቡ፦ “ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሰነዳት ብግቡእን ብትኽክልን ንኽፍለጥ ዘይድግፉ ብዛዕብኡ መግለጺ ኣናተባህሉ ካብ ዝሕተሙ እኩባት ሰነዳት ናጻ ክንወጽእን፣ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫትካን ከም መርከብ እትምሰል ቤተ ክርስታይን ካብ ዘጓንፋ ብርቱዕ ማዕበል ኣብ ክፉት ባሕሪ ጉዕዞኣ ርጉእን ህዱእን ውሑስን ኮይኑ ኣብ ሸቶኣ መታን ክትበጽሕ ዝመርሕዋ ቡሶላ እያቶም” ከምዝበሉ ደ ካሎሪስ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዝተኻየደ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ናይ መንበረ ጥበብ መምህርን ከም ክኢላ ኣማኻሪ ብምዃን ከምእተሳተፉ ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽ ዝሕብሮ ክኸውን ኣንከሎ፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝካየዱ ዓበይቲ ጉባኤታት ንዝተኸስቱ ሓራጥቀ መልሲ ንምሃብን ናይ እምነት ስልጣናዊ ኣገላልጻኡ ንምምልካት ዓሚቶም ዝካየዱ ከምዝነበሩን ኮይኑ ግን ኣብ መፋርቕ 20 ዘመን እዚ ዓይነት ናይ መናፍቕነት ሓደጋ ዘይነበረ እው እንተኾነ ቤተ ክርስትያን ሓቀይና እመንት ምስቲ ዝኽሰት ዝነበረ እምነት ዝንጽል ባህሊ ዘመናውነት ክዝትይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ዝጠለብዎ ጉባኤ ምዃኑ፦ “ቤተ ክርስትያን ኣብ እምነታ ዝመርሓ ሓቂ ከተስተትንን እምነታ ብዑምቀት ከተስተውዕልን ኣብ መንጎ ቤተ ክርስትያንን ዘመነ እዋናውነትን ኣብ መንጎ እምነት ክርስትናን ኣገደስቲ ናይ ዘመናውነት ኣመለኻኽታን ክትመሳሰል ዘይኮነስ ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ዝርሕቕ ዘሎ ዓለምና ዝሓቶ ህጹጽን ኣገዳስን ዕብየትን ፍጹምነትን ወንጌል ብምቕራብ ክህሉ ዝግብኦ ዘተ ከተነጽር ቢላ ኣብ እምነታ ከተስተንትን ዘካየደቶ ጉባኤ እዩ” ኢሎም።
“ኣንነብሮ ዘሎና ዓለምን ጊዜን ንእግዚኣብሔር ብምርሳዕን ጽመት ንእግዚኣብሔርን ዝተጠቕዔ ከምዝኾነ ንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ስለዚህ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘይተሓላለኸን ጥልቅን ትምህርትታቱ ማለት ህልውናን እንታይነትን ክርስትና ዘቐውም ኣብቲ ፍቕሪ ዝኾነ ስላሴ ምሳኡ ብውልቅን ብማሕበርን ምስቲ ሕይወትን ናብ ሕይወትን ዝመርሕን መገዱ ንኽልለይ ዝገብር እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ከነስተውዕ ይግብኣና ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም እቶም ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቡሶላ ኣርባዕተ ቅዉም ነገራት፦ ማለት ውሳኔታት Sacrosanctum Concilium- ቅዱስ ጉባኤ፣ Lumen gentium-ብርሃነ ኣሕዛብ፣ Dei Verbum-ቃለ እግዚኣብሔርን፣ Gaudium et spes-ፍስሓን ተስፋን” ዝብሉ ጠቒሶም፣ ሎሚ ልክዕ ከምቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣበው ዓሚዩቕ ምንዮትን ድላይን እዚዩ ዘገድስ፣ እግዚኣብሔር ኅልው ከምዝኾነን ዝምልከተናን ዝሰምዓናን መልሲ ዝህብ ምዃኑ ምስትውዓል እዩ። እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ክበኵር እንከሎ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኵሉ ሰብ ዘለዎ ዓሚዩቕ ክብሪ ዝገለጽ ኣንጻር እቲ ኵሉ ዘነኣእሶ ዝኾነ ሰብኣውነቱ ይበርስ” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና ድግማ ናይቲ ብቋንቋ ጣልያን ዘስምዕዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንመጀመሪያ ጊዜ ዓረብይና ቋንቋ ዘጠቓለለ ከምቲ ልሙድ በቶም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ቋንቋታት ኣስሚዖም ንዅሎም ብውልቅን ብማሕበርን ንዝተሳተፉ ምእምናን ስላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ክምእንተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጥይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.