2012-10-11 15:37:27

ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ፦ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን


ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣመልኪቶም RealAudioMP3 ብዝደርስዎ ሰመን ኣብ ቀዳማይ ገጽ ብምንባር ብዛዕባ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘቕርቦ መደብ ፍሉይ ሕትመት ከምዝበገሰ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣበጋግሳኡን ገና ከም ሓሳብ ተጸኒሱን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስታያን ዝተውሃቦ ርእዮቶን ምዕባሌታቱን ምርግጋጹን ኮታ ኵለ መዳያዊ መልክዑ ዝገልጹ ዜናታትን ሓበሬታን ስእላዊ መግለጽታትን ሱታፌ ብፁጵዓን ጳጳሳትን ከምኡ እውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝነበረ ናይ ዓለም ታሪኽ ዘጠቓለለ ኮይኑ መልስታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምዝርዛር ቀጻልነቱን ኅዳሴታቱን ዘጠቓልል መደብ ፍሉይ ሕትመት ከምዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.