2012-10-09 10:21:33

ጸሎት ምግባር ማለት ከም ጥቡቅ ዓርኪ ምስ እግዚአብሔር ምዃን ኢዩ፤ ኮይኑ ግን ጸሎት ብሕታዊ አይኮነን፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ሮᎄዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ዝሓለፈ ሶሙን ሓደ ካብ ምንጪ ትምህርቲ ጸሎት ቢሎም ዝገለጽዎ ሥርዓተ አምልኾ ዝጀመርዎ አስተምህሮ ብምቅጻል ኢዩ፣ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ማለት አብቲ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ናብ አᎇኡ ዘቅርቦ ጸሎት ምስታፍ ከምዝኾነ እዚ ከአ ምስታ ብዘይ ብ አ አ ንክርስቶስ ክንረክበሉ ዘይከአል ቅድስት ቤተ ክርስትያንን ንዓአን ክኸውን ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም፣ ቤተ ክርስትያን ብምግባረ ሠናይ ናይ ስብከተ ወንጌል ተል እኮን ብ እትገብሮ ሐዋርያዊ አገልግሎትን ብግሁድ ትረኤ፣ ኮይኑ ከም ቤተ ክርስትያን ብም ል አት እትገሃደሉን ትልለየሉን ከም ቤተ ክርስትያን ተአኪባ ሥርዓተ አምልኾ ክትፍጽም እንከላ ኢዩ፣ በዚ ሥርዓተ አምልኾ እዚ እግዚአብሔር አብ ኩነትና ይአቱ በዚ ከአ ንሕና ክንረኽቦ ክንጭብጦ ንኽእል፣ እንክብሉ ከአ ሥርዓተ አምልኾ እቲ ዝለዓለን ቀዳማይ እጃም ሥራሕ ቤተ ክርስትይን ምዃኑን አብሪሆም፣
ቅዱስነቶም ትምህርቶም ብምቅጻል ዝኾነ ጸሎት ክርስትያን መበገሲኡን መዕለቢኡን አብ ሥርዓተ አምልኮከ ከምዝረኽቦን አምልኪቶም ከብቅዑ አብ ሕይወትና ንጸሎት ዚአክል ጊዜ ንህብ እንክብሉ ነፍሲ ወክፍና ኅልናና ክንምርምር ዓዲሞም፣
ሓዲስ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ቍ 2565 “ብትምህርቲ ሓዲስ ኪዳን ጸሎት ማለት ምስቲ ሕያውነቱ ዘይድረት እግዚአብሔር አቦን ምስ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስን ምስ መንፈስ ቅዱስን ደቂ እግዚአብሔር ዚገርዎ ሕያውን መሕወይን ዝኾነ ርክብ ኢዩ” ንዝብል ብምጥቃስ ከአ ጸሎት ከስ ብልማድ አብ ህልውና እግዚአብሔር ምዃንን ከምቲ አብ ሕይወትና በዘልማድ ምስ እንፈትዎም አዝማድናን አ ዕሩኽትና እንገብሮ ርክብ ምስ እግዚአብሔር ክንራኸብ አሎና እኳዳአ እቲ ምስ ጐይታ እንገብሮ ርክብ ነቲ ምስ ካል ኦት እንገብሮ ርክብ ብርሃን ይዕድሎ፣ ጸሎት ክርስትያን ከስ ብቀጻሊ ዝኾነ መንገድን ሓዲስ አገባብን ናብ ክርስቶስ ብምጥማት ይቀውም፣ ማለት ምሳኡ ምዝራብ ብሱቍታ ምሳኡ ምዃን ንአኡ ጽን ቢልካ ምስማዕ ምሳኡ ምሥራሕን ምስቃይን የጠቃልል፣ ቢሎም እንታይነት ጸሎትን አገባቡን ምስ ገለጹ ናብ ቀዳማይ ጥቅሚ ጸሎት ብምስጋር “ክርስትያን መንነቱ አብ ክርስቶስ ኢዩ ዝረኽቦ፣ ነዚ መንነት እዚ ንምርካብ ከአ ምስ ክርስቶስ ምውህ ሃድ የድሊ፣ ስለዚኸስ ምጽላይ ማለት አብ ሥርዓተ አምልኾ ብምስታፍ ናብ እግዚአብሔር ገጽካ ል ዕል ምባል ማለት ኢዩ፣ ናይ ጸሎት ቋንቋ እተስተምህረና ከአ እኖና ቅድስት ቤተ ክርስትያን ስለዝኾነት ነቲ ቋንቋአ ቋንቋና ንግበሮ፣
“እዚ ኩነት እዚ ግን ብቅጽበት ዘይኮነ ቀስ ብቀስ በብቁሩብ ዝ ዓቢ ኢዩ ዚዓቢ፣ ቀጻልን ዕብየት ብዘርእን መንገዲ አብ ቃላት ቤተ ክርስትያን ክጥሕል አሎኒ፣ ነዚ ብጸሎተይ ብምሉእ አነባብራ ሕይወተይ ብስቃየይ ብታሕጓሰይ ብሓሳበይ ኮታ ብኩለንታናይ ክገብሮ አሎኒ፣ እዚ ጕዕዞ እዚ ኢዩ ንሕይወትና ዝልውጥ፣ ምስ በሉ እንተኾነ ግን ጸሎት ምግባር ከመይ ገቢርካ ትመሃሮ፧ ከመይ ገቢርካኸ ብጸሎት ትዳብር ቢሎም ይሓቱ፣
“ናብቲ ኢየሱስ ዘር አየና መሪሕ “አቦና አብ ሰማይ እትነብር” ብምትኳር፣ አብዚ ጸሎት እዚ መጀመርያ አቦ ዝብል ቃል ንረክብ ደሓር ናትና ምዃኑ ዝገልጽ ና አቦና ንብሎ፣ እቲ መልሲኸስ ንጹር ኢዩ፣ ንጸሎት ልበይ ብምኽፋት ንእግዚአብሔር ከም አቦ ብምቅራብ ምስ ካልኦት ኃቢርካ ብምጽላይ ምስታ ቋንቋ ጸሎት ዝመሃረትኒ ቤተ ክርስትያን ነቲ ንሳ ዝለገሰትለይ ቀስ ብቀስ ከአ ናተይ ዝኾኑን ሃብታም ትርጉም ዘለዎምን ቃላታ ብምቅባልን ምስአ ብምጽላይን ንመንፈስ ጸሎተይ እቅልብ፣ ሥርዓተ አምልኾ ከስ ማኅበረ ክርስትያን ንረአዩለይ ስም ዑለይ ዝገብሮ ዘይኮነስ ካብ ማንም ምትእኽኻብ ወጺእካ አብታ ብስመይ አብ እተአከብኩምሉ አብ ማእከልኩም አሎኹ ዝበላ እሞ አብ ማእከላ ኮይኑ ዝቅልባ ሕያው ማሕበር ም እታው ኢዩ፣ ሥርዓተ አምልኾ ክርስትያን ናብቲ ኃባራዊ ቤተ መቅደስ ዝኾነ ንኩሉ ናብ ሕቍፊ ዘለዓለማዊ ፍቅሪ እግዚብሔር ንክስሕብ አ እዳው አብ ዕጸ መስቀል ዝዘርገሐ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝቀርብ አምልኾ ኢዩ፣ ናይ ክፉት ሰማይ አምልኾ ኢዩ፣ አብ ፍሉይ ጊዜን ቦታን ናይ እትርከብ ፍልይቲ ማኅበር ፍጻሜ ጥራይ አይኮነን፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን አብዚ ንደረጃ አነን ንስኻን ሰጊሩ ብውህደት ንሕና ዝብል ናይ ኩሉ ማኅበር ክአቱን አባል ኮይኑ ክስም ዖን ግድን ኢዩ፣ ከመይ መሠረት ስለዝኾነ ነቲ አነ ዝብል አብ አካል ክርስቶስ ዝኾነ ቤተ ክርስትያን ስለዘውሃህዶ፣ ናብ ከም ግለ ሰባት ኰና ክንጽሊ አይንኽ እልን ኢና፣ ሥርዓተ አምልኾ ግላዊ ተግባር አይኮነን፣ እንታይ ደአ ተግባር እግዚአብሔር አባናን ምስናን ኢዩ፣ እቲ ንጽል ካህን ወይ ምእመን ወይ ጉጅለ አይኮነን ነቲ ሥርዓተ አምልኾ ዝሠርዖ እንታይ ደአ እታ ቀዳመይቲ ተግባር እግዚአብሔር ዝኾነት እታ ቤተ ክርስትያን እያ እትሠርዖ፣
“ወላ አብታ ዝነአሰት ማኅበረ ክርስትያን እትሠር ሥርዓተ አምልኾ እውን እዛ ቤተ ክርስትያን እዚአ ወትሩ ህልውቲ ኢያ፣ በዚ ምኽንያት እዚ አብ ሥርዓተ አምልኾአዊት ማኅበር ጓና የልቦን፣ አብ ነፍሲ ወከፍ ተግባር ሥርዓተ አምልኾ ኩላ ቤተ ክርስትያንን ሰማይን ምድርን እግዚአብሔርን ደቂ ሰባትን ይሳተፉ፣ ሥርዓተ አምልኾ ክርስትያን አብ ዝኾነ ቦታ አብ ዝኾነ ጊዜ ብዝኾነ ውስንቲ ማኅበረ ክርስትያን እንክፍጸም ብባህርዩ ካቶሊካዊ ኢዩ፣
“እዚ ሥርዓትዚ ምስ ር.ሊ.ጳጳሳትን አቡናትን ምእመናንን ናይ ኩሉ ዘመንን ቦታን ሓደ ብምዃን ካብ ኩሉ ይመጽእ ናብ ኩሉ ከአ ይመርሕ፣ ነፍሲ ወከፍ ተግባር ሥርዓተ አምልኾ በዚ መንፈስ እዚ መጠን ዝተፈጸመ እቲ ሓቀኛ ትርጉም ሥርዓተ አምልኾ ይረጋገጽ፣ እንክብሉ መሠረታዊ ትርጉም ሊጡርጊያ ምስ ገለጹ፣ አብ አገባባትና ምልስ ቢሎም ብዙሕ ጊዜ ሥርዓተ አምልኾ ብቀዳምነት ንዓና ዘይኮነስ ንእግዚአብሔር ከምዝሥራዕን ተግባር እግዚአብሔር ምዃኑን ብምዝንጋዕ አተናና ከመይ ጌርና ሰሓብን አገዳስን ገርና ክንሠርዖ አብ ዝብል አፍአዊ ነገር ይኸውን፤ ነስተውዕል እሞ እግዚአብሔርን እታ አካሉ ዝኾነትን ቤተ ክርስትያን ክመርሑና ንጸበ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ነዚ ሎሚ ዝገብርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ መካነ ንግደት ናይ ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም አብ ሎረቶ ንዝኽሪ መበል ሓምሳ ዓመት አብ ምኽፋት ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ር.ሊ.ጳ ብፁዕ ዮውሐንስ መበል 23 ዝገበርዎ ንግደት አብ ዝገብርዎ ንግደት ንኩሉ አብዚ ግዜና ዝግበሩ ዘለው ቀንዲ ተግባራት ቤተ ክርስትያን ዓመተ እምነትን ሲኖዶስ ጳጳሳት ንሓዲስ ስብከተ ወንጌልን ናብ ንምምሕጻን አብ ዝገብሮ ጸሎት ክተሰንዩኒ ሓደራ ቢሎም ሐዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ትምህርቶስ ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.