2012-10-09 10:01:32

መበል 13 ስሩዕ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት


እቲ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ አብ ከተማ ቫቲካን ዝካየድ መበል 13 ስሩዕ ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ጳጳሳት “እምነት ንምትሕልላፍ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝዝቲ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኒኮላ ኤተሮቪች ትማሊ አብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕትመትን ዜና ክፍሊ አደራሽ ንጋዜጠኛታት አብ ዝሃብዎ መግሊጺ አፍሊጦም፣ ምስዚ ዝተታሓሓዘ ዓመት እምነት ብዝምልከት እውን ቅዱስ አቦና ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንኩሎም ነዚ ዓመት እምነት ከም ግᎄእ ዝጥቀሙ ሙሉእ ሥሬተ ኃጢአት ዘውህብ አውጅ ከምዝ አወጁ እውን ተገሊጹ፣
ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት አቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች አብ መግለጺኦም “ቤተ ክርስትያን ወንጌል ንምስባኽ እያ እትነብር፣ ሽሕኳ እቶም ተቀበልቲ ናይዚ ስብከተ ወንጌልን ኩነታት ኅብረተሰብን ባህልን ፖሎቲካን ሃይማኖትን ናይ ዝነብርዎ ዘመን እንተተፈላለየ ተል እኮ ስብከተ ወንጌል ወትሩ ሓደ ኢዩ” እንክብሉ መርሕ ሓሳብ ስብከተ ወንጌል ንመላእ ዓለም ብሕልፊ ከአ ሃይማኖትም አደስኪሎም ብ ዓለማውነት ተዓብሊሎም ንዘለው ከምዘገድስ አብሪሆም፣
“አብዚ ሲኖዶስ እዚ ናይ ዝሳተፉ አበው ቍጽሪ ምብዛሑ ናይዚ ሲኖዶስ ስፍሓት የመልክት፣ ካብ ኤውሮጳ 103 እንክኾን ዝበዝሐ ቍጽሪ አበው ኢዩ ከማኡ እውን ካብ አመሪካ 63 ካብ አፍሪቃ 50 ካብ ኤስያ 39 አብ መወዳእታ ድማ ካብ ኦሽያንያ ክሳተፉ ኢዮም፣ ብተወሳኺ 45 ክ ኢላታትን 49 ተዓዘብትን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ክሳተፉ እዮም፣ እዞም ሰባት እዚኦም ብሱላትን አብ ዝተፈላለየ ናይ ስብከተ ወንጌል ጽፍሒ ዘገልገሉ ካብ ምሉእ ዓለም ዝተዋጽ ኡ ኢዮም፣ ብካልእ ወገን ካብ አሕዋት አብያተ ክርትስያንን ዝተፈላለዩ ማኅበረ ክርስትያንን እውን 15 አብያተ ክርስትያን ወከልተን ብምስዳድ ክሳተፋ ምዃነን ካብዚኦም ከአ ናይ ካንተርበርይ አንግሊካዊ ሊቀጳጳስ ብፁዕ አቡነ ሮዋን ዊልያምስ ዕለት 10 ጥቅምቲ ኤኩመኒካዊ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በተለሜዎስ 1ይ እውን ዕለት 11 አብ መኽፈቲ ዓመት እምነት አብ ዚዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰላምታ ከቅርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ አሎ፣ ናይ ሂላርዮን መትሮፖሊታ ንናይ ሞስኮ ፓትርያርክ ሕዝባዊ ርክባት ኃላፊ ከማኡ እውን ሳራ ዳቪስ ናይ ዓለም ለኸ መቶዲስት ምክትል ሊቀ መንበር ክሳተፉ ኢዮም፣” እንክብሉ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ሂቦም፣
ካብዚ ብምቅጻል ብፁዕነቶም ንተሳተፍቲ ሲኖዶስ ብዝምልከት ፍልይ ብዝበለ ዝጠቀስዎም ሰለስተ ፍሉያት ል ኡኻት ኢዮም ቀዳማይ ናይ ኤኩመኒካዊ ማኅበረ ክርስትያን ተዘ አልዋ እንክኾኑ ናይ መን እሰያት ስብከተ ወንጌል ብዝምልከት ዲስኩር ከምዝገብሩ ካል አይ ናይ አመሪካ ማኅበር ቅዱስ መጽሓፍ ሊቀ መንበር ላማር ቨስት ሳልሳይ ናይ ጳጳሳዊ ሥነፍልጠት አካዳሚ ሊቀመንበር ቨርነር አርበር ከምዝኾኑ አመልኪቶም፣ ቨርነር አርበር ከንሻ እንክኾን ብ1978 ናይ መድኃኒት ኖበል ዝተሸለመ ኢዩ፣ ብዕለት 12 ጥቅምቲ አብ መንጎ እምነትን ሳይንስን ብዛዕባ ዘሎ ርክብ ንሲኖዶስ ክምህር ምዃኑ እውን ተሓቢሩ፣
ብወገን ም እመናን ብዝር ኢ እውን ብዙሓት ም እመናን ከምዝሳተፉ መብዛሕት ኦም ተዓዘብቲ እኳ እንተኾኑ ንም ዕባሌ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ግን መሠረታውያን ከምዝኾኑ ብፁዕነቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣
“ም እመናን አብ ቤተ ክርስትያን ናይ ዝገበርዎ ሕይዋው ተመክሮ ከምጽ ኡልና እዚ ንዘሎ ስብከተ ወንጌል ጥራይ ዘይኮነ ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል ዓቢይ አስተዋጽ ኢዩ፣ ኩሎም ክርስትያን መሰኻኽር ክኾኑ ዝተጸው ዑ ኢዮም፣ አብቲ ዝነብርዎ አከባቢ ሰበክቲ ወንጌል ክኾኑ እውን ትሑዛት ኢዮም፣ ሽሕኳ ንስድራቤት ዘይምቹእን ተጻብ እን ኩነታት ከቢቡና እንተሎ ሓንቲ ስድራ ቤት ብሥራት ናይቲ ዜና ሠናይ ዝኾነ ስብከተ ወንጌል ኢዩ” እንክብሉ ተራ ም እመናን አብ ሓዲስ ስብከተ ወንጌልን አብቲ ሲኖዶስ ብቀሊል ዚግመት ከምዘይኮነ ገሊጾም፣
አከያይዳ ናይቲ ሲኖዶስ አብ ዝገለጹሉ ብጠቅላላ 23 ሓፈሻዊ ጉባኤታት እንክግበሩ እተን ናአሽቱ ጉጅለታት ከአ ንኩሉ እናጻፈፉ ንክኸዱ 8 ጊዜ ከእከቡ ምዃኑ ገሊጾም፣
ቅዱስነቶም አብ ክንዮ ዘዕርግዎ መኽፈትን መዕጸውን ቅዳሴታት ብ ዕለት 21 ጥቅምቲ ናይ 7 ዕውታት ብፅዕና ንምእዋጅ አብ መንበረ ጴጥሮስ ክቅድሱ ምዃኖም ዘመልከቱ ብፁዕ አቡነ ኤተሮቪች አማልድነት ቅዱሳንን ብፁ ዓንን ንጉ ዕዞ ናይዚ ሲኖዶስ ክድግፍ ብሕልፊ ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከማኡ እውን ናይ ካል ኦት ከም በዓል ብፅ ዕት ማዘር ተረዛ ከካልኩታ ካብ ሰማይ ይሓግዘና እንክብሉ መግለጺኦም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.