2012-10-06 15:07:27

ብፁዕ ኣቡነ ቶኑቺ፦ እምነት ዘተባብዔን ዘጽንዔን ሓውጾተ ኖልዎ ቅዱስ ኣቦና


ዕለት 4 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ንምጅማርን ከይድታቱን ፍጻሜን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንሓልዮ እኖ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ነኸወፍዩ ኣብ ሎረቶም ዝፈጸመው ሓውጾተ ኖልዎ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ዝጅመር ናይ እምነት ዓመትን ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ዛዕባ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና ርእሰ ጉዳይ ንኽዝትይ ዝጸውዕዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ንሓልዮት እኖ ድንግል ማርያን ነኸማሕጽኑ ሓቂኖም ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዝፈጸምዎ ሓውጾተ ኖልዎ ኣመልኪቶም፣ ናይታ ቅዱስነቶም ዘእንገደት ሎረቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ቶኑቺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ “እቲ ዝመሰጠንን ባህታ ዝፈጠረለይን ምእመናን ቅዱስነቶም ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘርኣይዎ ሱታፌን ተመስጦን ጥልቂ ህድኣትን እዩ፣ ብሓቂ ሱታፌ ኣብ ስርዓት ቅዳሴ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝገልጽ ዘርኣይዎ ጠባይ ዝምስጥ እዩ። ናይ ምእመናን ሓጐስ ሓቀይናን ውጽኢት ናይ እምነትን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምርኻብ ዘንቀሎ ኩነት እዩ። ስለዚ እቲ ዝተራእየ ጽሞና ተነጽሎ ዘይኵነስ ቅዱስ ሱታፌ ዝወለዶ ምስ እግዚኣብሔር ምርኻብ ዝድመዐ እዩ” ኢሎም።
“እግዚኣብሔር ካብ ነጻነትና ናጻ ዘውጽኣና ሓቀይና ናጽነት ከምዘለበሰና ዘበስር ቕዱስ ስፍራ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገለጽዎ ትርጉም ሎረቶ ኣመልኪቶም ብፁዕ ኣቡነ ቶኑቺ “ኣብዚ እዋን’ዚ ቅልውላው ጽንዓት ኣብ ዝተውሃበ መልሲ ንጸዋዕታ፣ ንኽርስቶስ ኣብ ምስዓብ ዝርአይ ምዝሕታልን ምድካምን ኮታ ኩሉ ንኽነብሮ ኣብ ዝተጸውዓሉ ሕይወት ዘረእዮ ምድካም፣ ጐይታ ካብ ምጽዋዕን ምዕዳምን ስለ ዝቦኸረ ዘይኮነስ እቲ ዝተጸውዔ ክህቦ ትጽቢት ካብ ዝግበረሉ ምሉእ መልሲ ምንስሓብን ሰንከልከል ምባልን ብምልኣት ካብ ዘይምንባርን ዝነቅል እዩ። እዚ ድማ ናይ ድላይ ትብዓትን ዘይዋገይ ብርታዔ ዝሓትት ናይ ምሉእ ሕይወት ተግባር እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሎረቶ ናይ ማርያም… ከም ዝበልካዮ ይኹነለይ ዝብል ምሉእን ኩለንተናውን መልሲ ካብ ናዝሬት ክሳብ ጐልጎታ ማለት ናይ ምሉእ ሕይወት መልሲ ምዃኑ ብምርዳእ እግዚኣብሔር ንዝጽግወና ጸዋዕታ ክንህቦ ናይ ዝግብኣና መልሲ ፍጹም ኣብነት ዝቃልሓሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ” ምስ በሉ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ንኽጅመር ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመትን ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዛዕባ ንኽዝትይ ዝጸውዕዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ዲኖዶስ መሠረታዊ ትርጉሙ ኣብ ሎረቶ ብዝሃብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮን ስብከትን ከምዝገለጹልና ኣረዲኦም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምዲሞም።







All the contents on this site are copyrighted ©.