2012-10-05 09:17:55

ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ሎረቶ


ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ዕለት 4 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝፈጸሙን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 8 መስከረም 1979 ዓ.ም.ን ዕለት 11 ሚያዝያ 1985 ዓ.ም.ን፣ ዕለት 10 ታሕሳስ 1994 ዓ.ም.ን RealAudioMP3 ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 1995 ዓ.ም.ን ከምኡ እውን ምድራዊ ጉዕዞኦም ቅድሚ ምፍጻሞም ናይ መወዳእታ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 5 መስከረም 2004 ዓ.ም. ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ከምዘካየዱን፣ ብጠቕላላ ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ንሓሙሽተ ጊዜ ሓዋርያዊ ዑደት ዘፈጸሙ ር.ሊ.ጳ. እንክኾኑ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመጋባእያ መንሰያት ኢጣሊያ ምኽንያት ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 2 መስከረም 2007 ዓ.ም.ን ቅድም ክብል ናይ ስርወ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ እንከለዉ ንሸውዓተ ጊዜ ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸሙ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ዕለት 4 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምኽንያት ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ናይ ንጎሆ ሰዓት ትሽዓተ ብሄሊኮፕተር ካብ ሃገረ ቫቲካን ነቒሎም ሰዓት 10 ኣብ ሞንቶሮሶ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ብናይ ሎሬቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ቶኑቺን ብናይ ኢጣሊያ ምኽትል መራሔ መንግስቲ ዶክተር ኣንቶኒዮ ካትሪካላ ብዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽትን ብናይ ማርከ ክፍለ ሃገር ሊቀ መንበር ክቡር ጃንማሪዮ ስፓካን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ ኢጣሊያ ክቡር ኣቶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ግረኮን ኣብ ኢጣሊያ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኣድሪያኖ በርናርዲኒን ኣብ ኣንኮና ናይ ኢጣሊያ መንግስቲ ኅየንተ ዶክተር ፓውሎ ኦሬይን ብናይ ሎሬቶ ከንቲባ ዶክተር ፓውሎ ኒኮለትን ናይ ክፈለ ሃገር ኣንኮና ላዕለዋይ ሕዝባዊ ወኪል ዶክተር ፓቲሪዚያ ካሳግራንደን ብናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ዶክተር ፍራንቸስኮ ፒየርፓውሎ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፣ ናብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ በጺሖም፣ ሰዓት 10ን ርብዕን ኣብ ቅርዓት ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሎሬቶ ብናይ ሎሬቶ ከንቲባ ፓውሎ ኒኮለቲ፦ “ቅዱስ አቦና እንቋዕ ደሓን መጻእኩም፣ ንዓዅም ምእንጋድ ጸጋ እዩ እሞ በዚ ምኽንያት ናይተይን ናይ መላእ ከተማ ሎረቶ ተቐማጦ ውዕዉዕ ሓጎስ ይገልጽ። ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ንምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ከይዱን ንሓልዮት እኖ ማርያም ከማሕጽኑ ዝፈጸመዎ ሓውጾተ ኖልዎ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያትን እትፍጽምዎ ዘለኹም ሓውጾተ ኖልዎ ብምዃኑ ከምቶም በሸሓ ዝቝጸሩ መንፈሳውያን ነጋዶ ኲይንኩም ኣብዚ ክትርከቡ ብሓቂ ኣብ መንጐ ቅርዓት እኖ ድንግል ማርያም ዘ ሎሬቶን ናይ ሮማ ጳጳስን ዘሎ ምትእስሳር ዘረጋገጽ እዩ።
ክትበጽሑናን ንኣናን ንመላእ መንፈሳዊ ነጋዶን ዘለኵም ሓልዮት ንክትገልጹ ምምጻኣኩም ብስመይን ብመላይ ሕዝቢ ሎሮተ እመስግነኵም። ምስ በሉ ዕለት 4 ጥቅምቲ ኣብ መላእ ኢጣሊያ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ሓላዊ ሃገረ ኢጣሊያ ዝበዓለሉ ዕለት ብምዃኑ እቲ ሓውጾተ ኖልዎ ዘለዎ ክብሪ ክብ ዘብሎ ምዃኑ ጠቒሶም፣ “ቅዱስ ኣቦና ንሎረቶ እትገልጽዎ ሓልዮት ምኽንያት ካብ ልቢ ነመስግነኵም፣ ሎረቶ ካብተን ናይ ኤውሮጳ መንፈሳውያን ርእሰ ከተማታት ሓንቲ ምዃና ጠቒሶም፣ ካብ ውሽጥን ወጻእን ናብ ሎረቶ ማርያምዊ ቅዱስ ስፍራ ንመንፈሳዊ ንግደት ዝውሕዙ በሸሓት ዝቝጸሩ እያቶም፣ ሎረቶ ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋን ባህልን ናይ ደቂ ኣንስትዮን ክብሪ ዕዮን ምኽባር ተፈጥሮን ምህዳርን ናይ ሰብኣዊ ክቡር ዋጋ ዝቃልሓሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ። ናትኵም ኣብዚ ምርኻብ ነዚ ዅሉ ክብሪ ዘጽንዕን ዘኻዕብትን ዘረጋገጽን ተስፋ ዝነቓቕሕን፣ ሎረቶ ኣብ ሕንጸት ሕብረት ኤውሮጳ ዘለዋ ዓቢ ግደ ዘድምዕ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ደጊመ እንቛዕ ደሓን መጻእኩም እብለኩም” እንክብሉ ዘስምዕዎ ናይ ዕንቋዕ ደሓም መጻእኩም መልእኽቲ ምስ ፍፈጸሙ፣ ቀጺሎም ጳጳሳዊ ናይ ሎረቶ ቅዱስ ቤት ልኡኽን ናይ ሎሬቶ ቅዱስ ስፍራ ሊቀ ጳጳስን ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ቶኑቺን ብወገኖም ናይ ዕንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ከምዘስምዑ እንክንገር፣ ብፁዕ ኣቡነ ቶኑቺ፦ “ቅዱስ ኣቦና ብዓቢይ ፍቅርን ሓጎስን እንቛዕ ደሓን መጻእኩም፣ ክትበጽሑና ብምጻእኩም ምስ ኵሎም ናይ ሎረቶ ምእመናን ሓቢረ አመስግነኩም፣ ናትኩም ኣብዚ ምርኻብ እቲ ሓልዮት እግዚኣብሔር ብሓላፍነት ዝሃበና ናይ ቅድስቲ ቤት መንፈሳውነት ብምልኣት ክንነብሮ ዘተባብዕን ዘነቓቕሕን ኣብዚ ጸዋዕታ’ዚ ዘጽንዕን እዩ። እዚ ዝተወሃበና ሓላፍነት ዓቢይን መሳጥን ኣዩ። ኮይኑ ግን ብዕለታዊ ናብራ ምኽንያት ምዝባዕ ኣቃልቦን ከምኡ እውን ነቲ እግዚኣብሔር ብሓልዮቱ ዝሃበና መንፈሳዊ ሓላፍነትን ሓለፋን ክንዝንግዕ ዝድርኹ ፈታናታት ዘጋጥመና ብምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ነዚ ከንሰስንፍ ዘብቅዓና መንፈሳዊ ሓላፍነትና ዘበራብር ዘጽንዓት እዮም። ክትበጽሑና ስለ ዝመጻእኩም ብውሉዳዊ መንፈስ እመስግነኵም።
“እቲ ቤተ መቕደስ ትስብእቱ ለእግዚኣብሔር ኣናስር ናይ ድሕነትና በቢ ዕለቱ ዘዘኻኽረና ኮይኑ፣ ምስቲ ማርያም ንናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ መደብ ምድሓን ኣገልጋሊት ኮይና እነኹልካ ቢላ ምስ ዝሃበቶ ምልኡ ናይ ተወፋይነት መልሲን ተግባርን ክንራኽብ ዘብቕዓና እዩ። እሜን ናይ ማርያም፣ እግዚኣብሔር ንዝዕድለና ጸዋዕታ ክንህቦ ዝግብኣና ኣሜን ኣርኣያን ድርኺትን እዩ። ናይቲ እግዚኣብሔር ዝዓደለና ጸዋዕታ ትርጕምን እንታይነቱን ክተዘኻኽሩናን ብኣና ኣቢልኩም ናይ መላእ ቤተ ክርስትያን ጸዋዕታ ክትገልጹ ምምጻዕኩም ነመስግነኵም፣ እቲ ዝተዓደለና ናይ እምነት ጸጋ ንምሕዳስን ንናይ ቃል ጎይታና ኢየሱስ ብሕይወትን ቃልን መሰኻኽር ክንከውን ኣብ ኣገልግሎትና መታን ክንጸንዕ ንዝዓደልኩምና ናይ እምነት ዓመት ነመስግነኩም።
ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ኩሉ እምነት ንምትብባዕን ንምጽናዕን ብዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ዑደት እምነትና ተበራቲዑ ናይ ካልኦት እምነት ዘነቓቕሕ መታን ክኸው ድማ ናይ እምነት ዓመት እንክዕድሉና ዕለታዊ ሕይወትና እምነት ብናይ ምንባር ጸጋ ዝምራሕን ክኸውን እዚ ዓይነት ኣነባብራ ድማ ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መዝገበ ሃይማኖት ዝምራሕ ሓቀይና መሰኻኽር ክርስቶስ ከምዝገበረና ብፁዕ ኣቡነ ቶኑቺ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዘረባ ኣዘካኺሮም፣ “ቅዱስ ኣቦና ሓዋርያዊ ዑደትኩም ክርስቶስ ኣብ ምፍላጥ ክንዓብን ወንጌላዊ ፍቕሪ ዝዓሰሎ ሕይወት ክንነብር ዘነቓቕሓና እዩ” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦናን እዚ ኣብ ሎረቶ ዝተሓደሰ ህላዌን ዝበክርን፣ ኣብ ናይ ተልእኾና ተኣማንነት ጉዕዞና ዘተባብዓና ነቲ ንናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብድሆ ከነሰንፍ ኣብ ቅድስቲ ቤት እንውከሶ መንፈሳውነት ከምእንረክብ ዘቃልሕ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ቶኑቺ ገሊጾም፣ “ክትበጽሑና ብምምጻእኩም ነመስግነኩም ብእትሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምሳኹም ሓቢርና ንእግዚኣብሔርን ንኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ንቅዱስ ጴጥሮስን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከመስግን ምዃና ነረጋግጽ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.