2012-10-02 14:57:41

ኲናት ሕድ ሕድ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ


እታ ኣብ ዓለም ኲናት ሕድ ሕድ ፈጺሙ ዘይተፈልያ ስቓይን ሓዘንን ሕዝቢ ቤቱን ንብረቱን ዛሕዚሑ ክመዛበልን ፋሕ ፋሕ ክብል ዝረኣየላ ሃገር ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊ ኮንጐ ምዃና እንክንገር፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም. ንነጀው ልዕሊ 300 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታ ኮንጎ ካብ ምብራቕ ከባቢ ሰሜናዊ ኪቪ ቤቶምን RealAudioMP3 ንብረቶምን ዛሕዚሖም ከምእተመዛበሉን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ነታ ኣብ ዝኸፍኤ ኲናት ሕድ ሕድ ተኣሊኻ ዘላ ሃገር ጠቒሶም፣ ኣብታ ሃገር ሰላማዊ ዘተ ባይታ ክረክብን ውሕስነት ጸጥታን ድሕነት ንጹሓን ክረጋገጽ ኣብ ፍትሒ ዝቖመ ሰላም ክመልስ” ጻውዒት ከምዘቕረቡ እንክዝከር፣ ብዛዕባ ዴሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣመልኪቶም ናይ ማሕበር “ሓነጽቲ ሰላም ብፁዓን ኢያቶም” ኣባልን ጋዜጠይናን ጁሲይ ባዮኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፦ “ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣዚያ ብናይ ተፈጥሮ ጸጋታትን ልሙዕ መሬትን ብሃብቲ ኣግራብ ዝተዓደለ ጫካታት ዘለዋን፣ ብብዙሕ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለት ክነሳ እዚ ሃብትታታ ኣፎም ማይ ዘምልኦም ሃብትታታ ንኽምዝምዙ ዝለዓላ ሃገራት ካብ ጎረቤታ ሩዋንዳ ጀሚርካ ብዙሓት እያተን” ኢለን።
ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዕለት 23 መጋቢት 2009 ዓ.ም. ምስቶም ኣብ ሃገሩ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይሊ ናይ ሰላም ስምምዕ ንምግባር ኣብ ግብሪ ዘውዕሎም ውሳኔታት ዝተነብሮ ውዕሊ ከምእተፈራረመን ኵይኑ ግን መንግስቲ እቲ ዝኣተዎ ቃል ኣይተግበረን ቢሉ ገዛእ ርእሱ በታ ስምምዕ ዝተፈረመላ ዕለት 23 መጋቢት ብዝብል መጸውዒ ዝቖም ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ዝፍጸሞ ዘሎ መጥቃዕትን ውግእ ምስ መደበይና ናይ መንግስቲ ወተሃደራትን ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ኣውዲቕዋ ይርከብ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዞም ዕጡቓት ሓይሊ ይብላ ባዮኒ፦ “ኣብ መንግስቲ ቦታ ክወሃቦምን ብዛዕባ ሃገር ኣብ ዝግበር ውሳኔታት ክዋስኡን ኣብታ ሃገር ዓሌት ቱዚ ንኡሳን ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝብል ተፈላጥነት ካብ መንግስቲ ክረክብ ዝሓቱ እዮም። ስለዚህ እዚ ዘቕረብዎ ሕቶ ካም መንግስቲ እወታዊ መልሲ ኣይረኸበን ብዝብል ኣረኣእያ ዘንቀልዎ ውግእ እዩ።” ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ርእሰ ብሔር ካቢላን ናይ ሩዋንዳ ርእሰ ብሔር ካጋመን ከምኡ እውን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዋና ጸሓፊት ሂላርይ ክሊንተንን ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን ዝተሳተፍሉ ብዛዕባ ናይ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኵናት ሕድ ሕድ ዘተ ከምእተገብረን፣ ካጋመ መንግስቶምን ነቶም ናይ ኮንጐ ደባይ ተዋጋእቲ መጋቢት 23 ምንም ዓይነት ደገፍ ከምዘይገብር ሓቢሮም፣ ኣብ ኲናት ሕድ ሕድ ኮንጐ ሃገሮም እደ እታውነት የብላን እንክብሉ ከምዝገለጹን ክፍለጥ እንከሎ፣ ባዮኒ ይብላ፦ “እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝተኻየደ ዘተ ዘይዕዉት ምንባሩ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ንደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ፍትሒ ዝቖመ ሰላም ዘረጋገጽ ዘተ ክካይድ ዘቕረብዎ ጻውዒት ይምስክሮ” ኢለን። “እቲ ንዅሎም ኣብቲ ዝተ ንዝተሳተፉ ዘደንጸወ ድማ ርእሰ ብሔር ካጋሜ ኣብ ናይ ኮንጐ ኵናት ሕድ ሕድ ሃገሮም ኢደ ኣታውነት የብላን ኣንክብሉ ነቲ ዝቐረበሎም ናይ ተሓታቲ ሓላፍነት ነጺጎም፣ ልክዕ ድሕሪ 45 ደቓይቕ ነቲ ናይ ዘተ መድረኽ ረጊጾም ከምዝወጹን፣ እዚ ድማ እቲ ዝተኻየደ ዘተ ምፍሻሉ እዩ ዝሕብር” እንክብላ ኣረድኤን። ስለዚ እቲ ዝፈሸለ ናይ ዘተ መድረኽ ናይ ኮንጎ ሕዝቢ ብፍላይ ድማ ናይ ተቐማጦ ሕዝቢ ሰሜናዊ ኪቩ ስቓይን መከራን ዓመጽን ክቕጽል ጥራሕ ዘይኮነስ ናብ ዝኸፍኤ ደረጃ ክድርኾ ከምዝኽእል ዘስግእ ብዙሓት ናይ ዜና ማዕከናት ይሕብራ።







All the contents on this site are copyrighted ©.