2012-10-02 15:04:52

ማሊ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ምእንቲ ሃገራዊ ሰላምን ሓድነትን


ናይ ማሊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ንናይ ሃገሮም ግዚያዊ ርእሰ ብሔር ዲኦንኩንዳ ትራኦረ ኣብ ማሊ ሰላም ዳግም ክረጋገጽን ሓድነት ሃገር ክዕቀብ ዝብል ናይ ሕዝቢ ድላይ ናይ ገዛእ ርእሱም ምዃኑ ዘቃልሕን ወትሩ ምእንቲ ሰላምን ሓድነትን ከምዝጽልዩ ዘረጋገጽ ድሕሪ ዘካይድዎ ሓፈሻዊ ምሉእ ጉባኤ ፍጻሜ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ናይ ማሊ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ወርሒ መስከረም 2012 ዓ.ም. መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዝካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ርእሰ ብሔር ሃገሮም ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣትዮም መጥቃዕቲ ንዝፈነዉ ርእሰ ብሔር ምሕረት ምፍቃዶም ብፁዓን ጳጳሳት ንኢዶም፣ ሰናይ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም እቲ ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ዘሎ ውጡር ኩነት ኣተሓሳስቢ ምዃኑ ርእሰ ብሔር ዝገለጽዎ ሓሳብ ዝድገፍ ምዃኑን ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ንኢዶምን ደጊፎምን፣ ሰላም ብመጋበርያ ሰላም እምበር ብናይ ውግእ ኣጽዋር ፈጺሙ ከምዘረይረጋገጽ ኣዘኻኺሮም፣ ኣብ መወዳታ እቲ መንግስቲ ዘቖሞ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ሓድሽ ናይ ሃይማኖትን ኣምልዀን ጉዳይ ዝከታተል ናይ ገዛእ ርእሱ ሚኒስትሪ ክቐውም ምውሳኖም ዝነኣድ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ኣብ መወዳእታ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ማሊ እዚ ናይ ሃይማኖትን ኣምልኾን ጉዳይ ዝከታተል ቆይሙ ዘሎ ሚኒስትሪ መንግስቲ ማሊ ዓለማዊ እምበር ሃይማኖታዊ መንግስቲ ክኸውን ከምዘይብሉን ግብረ ገብን ስነ ምግባርን ዝኸተል ዓለማውነት መንግስቲ ክጸንዕን፣ መንግስቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓበር ዘተን ሓናጺ ምትሕብባርን ከረጋገጽ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ብብርቱዕ ክዓዪ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.