2012-09-29 13:24:35

ቅንዕና


ቅኑዕ ክንብል ከሎና እንታይ ማለት እዩ? ትኽ ዝበለ ጥውይዋይ ዘይኮነ ክትርእዮ ከሎኻ ብንጹር ዝርአ ክትሰምዖ ከሎኻ ሓቂ ዝሓዘ፥ አብ ውሽጡን ደጊኡን ሓደ ዝኾነ አብኡ ዘደናግር ወይ ግጉይ ሓበረታ ዘይርአዮ እዩ። እግዚአብሔር እቲ ቅንዕና ብምልአት አብኡ ዝርከቦ እዩ፥ ንሕና ደቂ ሰባት ካብቲ ክንቅዕንኡ ክንካፈል እሞ አብ ምኽታሉን አብ መንጎና ዝርከብ ርክብን ብቕንዕና ክንጉዓዝ ይደልየና።
አብ ሕይወት ደቂ ሰብ ቅኑዕ ምዃን ቀንድን አድላይን እዩ። አብዚ ዘሎናዮ ሕብረተ ሰብ ቅኑዕን አብ ሕይወቶም ሓቂ ብምልአት ዝሓዙ ክትረክብ ከቢድ እዩ። ቅንዕና ዳርጋ ብሓሳብ እምበር ብግብሪ ዘይክአል ኮይኑ ይርአ። አብ ዓለም ዘድሊ ግን ከአ ክርከብ ዘይክአል ኮይኑ ይርአ። ሰብ ንሓቂ ደፊኖም ንጸልማት ብርሃን፥ ንሞት ሕይወት፥ ንሕማም ጥዕና፥ ኢልና ክነብር ዝወሰና ኢና እንመስል። ዓለምና ሎሚ መለለይአ ሓሶት እዩ። መብዝሕትኡ ብራድዮ ብተልቭዥን፥ ብእንተርነት እኮታ ብኹሉ ናይ ዘመና ተኮኖሎጂ ዘምጽኦ መራኸቢ ብዙሓት ንሓሶት ክሰብኩ ክምስክሩ ኢና እንርእዮ ዘሎና። ሓቂ ጠፊኡ፥ ንመገዲ አምላኽ ሓዲጉ ሰብ አብዘይቅኑዕ ጉዕዞ ተተሓሒዝዎ ንርኢ አሎና። ዝሓሰወ ዝዕወተሉ ሓቂ ዝተዛረበ ዝዋረደሉ ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና።
አብዚ ዘሎናዮ እዋን ዓለም ብሓሶት ተለቢጣ ንሓቂ ቀቢርናያ ዘሎና እና እንነብር ዘሎና፥ ገለ ወሓለታት ከአ አነ ጥራሕ እየ ሓቂ ሒዘ ዘሎኹ ካልእ ኩሉ ሓሶት እዩ ኢሎም ንሓሶቶም ሰባት ክቕበልዎ አነ ወይ ሞት ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ገለ ኸአ ሓሶት መሊኽዎም ከዕለብጡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ካብ ሃይማኖት ናብ ሓይማኖት ክገላበጡ ንርኢ አሎና። ጲላጦስ ንኢየሱስ ሓቂ እንታይ እዩ ኢሉ ሓቲቱ ነሩ ግን መልሲ አይተጸበየን ኢየሱስ እውን ልቡ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ትርጉም ሓቂ አይነገሮን እንተኾነ ንሱ ብርእሱ ሓቂ ምዃኑ ገሊጹ ነጊሩ ነሩ እዩ። ሰብ ካብ ውድቀት ቀዳሞት ወለድና ንድሓር ንሓሶት ናተይ ኢሉ ስለ ዝሓዘ መብዝሕትኡ ታሪኽ ደቂ ሰብ ሓሶት ዝበዝሖ እዩ።
ሓሶት ንሓቂ ተጥፍኦ፥ ሓሶት ብወርቃዊ ቃላትን አቀራርባን ምስለበሰት ንሓዊ ትኽውላ ወላእውን ዝተዓወተት ይመስላ። እንተኾነ ከይወዓለ ከይሓደረ ሓሶት ቀልጢፉ ይፍለጥ፥ ሓሳዊ ንርእሱ መጀመርያ የጠፋፍእ ወላእኳ ከምኡ እንተ ዘይሓሰቦ። ሓሳዊ ሰብ እምብአር መጀመርያ ናይ ሓሶቱ ውጹዕ ባዕሉ እዩ። ንርእሱ አብ ናይ ሓሶት ቦታ አእትዩ ንነፍሱ እናአጠፋፍአ ይነብር።
ሰብ ካብቲ አምላኽ ዝበሎ ክወጽእ እንከሎ አብ ሓሶት ይነብር፥ ሽዑ ነቲ ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኡ ዝገብሮ ሓሶት ሓቂ ከምዝኾነ ከምስል ዝክአሎ ምኽንያትን አገባብን ይፈጥር፥ እንተኾነ እግዚአብሔር ዝብሎን ዝደልዮን ክልወጥ አይክእልን እዩ። ነዚ ከረድኣና አብ መጽሓፍ 1ሳሙኤል 15፡1~14 ዘሎ እንተ አንበብና ሳሙኤል ንሳኦል እግዚአብሔር ክገብሮ ዘለዎ ነገሮ እንተኾነ ሳኦልን እቲ ህዝብን በቲ ዝማረኽዎ ገንዘብ ተታሊሎም ነቲ እግዚአብሔር ዝበሎም ገዲፎም ናቶም ድለትን ርኢቶን ገሮም በዚ እግዚአብሔር መንፈሱ ካብኦም አለየ። ካብ አማላቃውያን ሓንቲ ማሪኾም ከይወስዱ ንኹሉ ከጥፍእዎ አዚዝዎም እንከሎ ንትእዛዙ አፍረስዎ። ቃል እግዚአብሔር አብ ሳሙኤል መጺኡ “ ንሳውል ንጉስ ብምግባረይ ተጣዒሰ አሎኹ ዝብል መጸ ምኽንያቱ ክሒዱኒ እዩ ንትእዛዛተይ ከአ ጠሊሙኒ እዩ” ዝብል ሰምዐ በዚ ተሃዊኹ ንሳኦል ክሓቶ ኸደ ሕጂ እውን አይተአመነን ምኽንያት ክገብር ተረኽበ።
ሳኦል አብልዕሊ አማልቓውያን ዓቢ ዓወት ከም ዝተዓወተ ገሩ ሓሰበ እንተኾነ እግዚአብሔር ከም ሓደ ዓቢ ውድቀት/ ስዕረት ገሩ ወሲድዎ ምኽንያቱ ሳውል አይተአዘዘን ከምኡ ንሳሙኤል ብሓሶት ተዛሪብዎ ብዛዕባ ናይ እቲ ውግእ ውጽኢት። ሳኦል ምናልባት እቲ ሓሶቱ ዘይርከብ ገሩ ሓሲብዎ ወይ ጌጋ ከምዝገበረ አይተረድኦን። በዚ ሳኦል ንርእሱ አጠፋፊኡ። አብዚ ሳኦል ነቲ አምላኽ ብነብይ ሳሙኤል ገሩ ዝበሎ ከይሰምዕ፥ ንድለት ርእሱን አብ ጥቕሚ ነፍሱን ጥራሕ ስለ ዝሓሰበ ካብ አምላኽ ወጺኡ አብ ርእሱን አብቶም ዝመርሖም ዝነበረን ሓስዩ። ነቲ ቅኑእ መገዲ አምላኽ ከይክተል ካልእ መገዲ መሪጹ እዚ ካብ አምላኽ አርሒቕዎ። ንመገዲ አምላኽ ዝሓድግ ሰብ እዚ አገባብ እዩ ዝኽተል። ናይ ገዛ ርእሱ አተሕሳስባን ድለትን ጥራሕ ይሰምዕ ነቲ አምላኽ ብቃሉ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ዝሕብሮ ከይሰምዕ አእዛኑ ይዓጹ።
ሓሶት ክልመድ ይክአል እዩ።
ባህሪ ሓሶት ወላ እኳ ግዝያዊ ይኹን እምበር አብ ሕይወትና ክፍሊ ክንህቦ ከሎና ከምናትና ገርና እሞ ሓቂ ዝሓዝና ኮና ይስምዓና እሞ ከምኡ ኢልና ክነብር ንውስን እንተኾነ ሓቂ ጥራሕ እያ ንዘለዓለም እትነብር፥ ሓሶት ግና ከም ቅጽበት ዓይኒ ትጠፍእ (ምሳሌ 12፡19)። ሰባት ሓደ ጊዜ ሓሶት ክዛረቡ እንተ ጀሚሮም ደጋጊሞም ይሕስዉ፥ ሓሶት አብ ልዕሊ ሓሶት ይዛረቡ። እቲ ዝገርም አብ ኩሉ ሕይወቶም ነቲ ዝቐደመ ሓሶት ሓቂ ከምስሉ ካልእ ሓሶት ይውስኹ። ሓሶት አብ ልዕሊ ሓሶት ስለ ዝፍጽሙ ነቲ ዝብልዎ ክቆጻጸርዎ የሸግሮም ሽዑ አብ ሕይወቶም መለልይኦም ሓሶት ኮይኖም ይነብሩ። ብዙሕ ጊዜ ስለ ዝህስዉ ሓሶት ምዝራብ ሓቂ ዝዛረቡ ዘለዉ ኮይኑ ይስምዖም። ንሓሶት ልብሶም ገሮማ አብ ሓሶት ይነብሩ። ሓሳዊ ባህሪ ዝኸፍኤ ነገር አብ ሕይወት ደቂ ሰብ እዩ።
ሓቂ ዘይብሎም ሰባት አብቲ ሕይወቶም ዘሎ ሓሶት ይአምኑ እሞ ሕይወቶም ብሓሶት ተነዲቑ ይነብር። ከምዚ ዝበለ ሕይወት አብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ክፈልጥዎ አይክእሉን ልቦም ይሽፈን። አብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ሓሶት ክትአምን እንከሎኻ ንርእስኻ ኢኻ እተጠፋፍእ። ከምኡ ንርእስኻ ካብ አምላኽ ትግልል ሳዕበኑ ምስ ሰባት ዘሎካ ርክብ ይልሕልሕ። ንሰባት እንተሓሶኻ ሓቅነትካን ተአማንነትካ አብ ዝተሓተ ደረጃ የንቆልቁል። ኩሉ ጊዜ አብ መጨረሽታ ሓቂ እያ እትወጽእ። ሓሶት እና ወዓለ እናሕደረ ከም ጨው ይሓቅቕ። ብሓሶት ዝተነድቀ ሕይወት አወዳድቕኡ ክፉእ እዩ። ካብ ከምዚ ሕይወት ከይንነብር ዓቢ መጠንቀቕታ የድልየና።
“አብ ርእሲ እዚ፥ አኅዋተይ አይትምሓሉ፥ ብምድሪ ኾነ ብሰማይ ወይ ብኻልእ ነገር አይትምሓሉ፥ አብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚአብሔር ከይትወድቁ ድማ እቲ እወኹም እወ፥ እቲ አይኮነን ዝበልክምዎ ኸአ አይኮነን ይኹን” ይብለና ያዕ 5፡12።
ሓደ ሰብ አብ ሕይወቱ ብሓሶት ወይ ብምግናን ዝፍለጥ እንተኾነ ዝኾነ ሰብ ክአምኖ አይክእልን እዩ ክእመን ገለ ፍሉይ መረጋገጺ የድሊ። ዝኾነ ሰብ ከምዚ ዝአመሰለ ባህሊ አብ ጠባያቱ ከእቱ የብሉን። ኩሉ ጊዜ ሓቅን ብቕንዕናን ትዛረብ እንተኾንካ/ኪ ሰባት ነቲ እወ ወይ አይኮነን እትብሎ ብቐሊል ክአምንዎ እዮም። ሓሶት ፍርቂ ሓቂ፥ ንሓቂ ሸለል ምባል፥ካብ ኩሉ ሕይወትካ ክተርሕቕ እንከሎኻ ብእሙን ምዃንካን ብሓቅነትካን ክትፍለጥ ኢኻ።
ሓሶት አብዘይ ቅኑዕ ነገራት ከምርሕ ይኽእል እዩ።
ንሰባት ክተሓጉስ ወይ አባኻ አድህቦ ክህቡ ምስ ደለኻ ሽዑ ክትሕሱ ንርእስኻ ከም ሓቀኛን ጥዑይን ክተፍልጥ ክትሕሱ ፈተና ይመጸካ። ብአተሓሳስብኻ ነቲ ሰብ ንስኻ ክትሰምዖ እትደሊ ክትነግሮ ዝቐለለ ገርካ ትሓስብ። አብ ገል እዋናት ንስኻ ንሓደ ሰብ ንሓቂ እንተ ነገርካዮ ሕማቕ ነገር ዝነገርካ ኮይኑ ይስምዓካ። ንእግዚአብሔር ምእዛዝ ሓሶት ዘይምዝራብ ካብ ሳዕቤን ክፉእ ነገር ነጻ አየውጽአናን እዩ። ብምእዛዝናን ነቶም ክፉእ ዝገብሩ ከለዓዕል ይኽእል እዩ። እንተኾነ ካብ ንሰባት ክተሓጉስ ኢልካ ናይ አምላኽ ነገር ምሕዳግ ምእንቲ ናይ አምላኽ መገዲ ኢልካ ምስቓይ ይሓይሽ።
“ነቲ ንነፍስን ሥጋን አብ ገሃነም ከእቱ ዝክአሎ ደአ ፍርህዎ እምበር ነቶም ንሥጋ ዚቐትሉ ንነፍሲ ግና ኪቐትልዋ ዘይክአሎም አይትፍርህዎም” ማቴ 10፡28።
አብ ገለ እዋናት ሓቂ ብምግባርካ እንተ ተዋረድካ፥ አብ ቅድሚ ዓይኒ አምላኽ ነቲ ሓቂ ከምእትገብር ዘሎኻ ዘክር። ኩሉ አንጻር ሓቂ ግዝያዊ እዩ ስለዚ ተጸሚምካ ንሓቂ ምሓዝ ዝመስልዎ የልን። አብ ገለ እዋን ሕይወትና አብ ብርቱዕ ወጠራ ንሓቂ ክነግር እንአትወሉ እዋን አሎ ወላ እውን ሓቂ እንተ ነገርና ሳዕቤናቱ ዝገደደ ክኸውን ይኽእል፥ ግን ወላ አብ ከምዚ እዋን ንሓቂ ክንደፍና የብልናን። ንግዝያዊ ጥቕሚ ርኢና ንሓቂ እንተ ደፈና አምላኽ ይርኢ አሎ ስለዚ አብ ፍርዲ ንነፍስና ነውርዳ አሎን።
ሓሶት ምስ ካልኦት ዘሎና ሓድነት የዝሕሎን የደስክሎን።
ሓሶት ንኹሉ እዩ ዘበላሹ። አብ ማሕበራዊ ሕይወት ብፍላይ ሓሶት ክአቱ እንከሎ ርክባት ይበታተኽ። ንአብነት አብ ሓዳር፥ አብ ማሕበር ሰባት ዝእከቡሉ፥ አብ ቤተ ክርስትያን፥ አብ ዓቢ ጉዳያት ሓሶት ክህሉ እንከሎ ብዙሕ ጉድአት አልኦ። ምናልባት ንሓጺር ጊዜ ክነታልል ንኽእል ንኸውን እንተኾነ ሓሶት ክሳብ ዝኾነ ንነውሕ ክንከይድ አይንኽእልን ሳዕቤኑ ርክባትና የዕኑ። ስለዚ ምስቶም ብቐረባ ምሳኻ ዝራኸቡ አዕሩኽ፥ አዝማድ፥ መሳርሕትኻ. . . . . ክትሕሱ ከሎኻ ንሓድነት ምስኦም ዘሎካ ትበትኽ እዚ ኸአ አብ መንጎ ባእሲ ብምፍጣርን አብ መንጎ እምነት ብምግዳልካን ይፍጸም።
“እምብአር ኵልና ናይ ሓደ ሰብነት አካላት ስለ ዝኾና፥ ነፍሲ ወከፍ ሓሶት ምዝራብ ገዲፉ ምስ ብጻዩ ሓቂ ይዛረብ” ኤፈ 4፡25።
አብ ብዙሓት ስድራታት እንተረኤና ብብዙሕ ምኽንያታት ናይ ምጥፍፋእን ሓቅን ዝዓነዋ ንርኢ። ሰብ ቅንዕና አጥፊኡ አብ ሓሶት አብ ምትላል አብ ክኽሓድ ክዝንብል እንከሎ ገዝኡ የዕኑ አሎ። አብ ኪዳናዊ ሕይወት ወለዲ አብ መንግኦም ንሓቅን ርትዕን ኩሉ ጊዜ እንተ ሓለዉ ጥራሕ እዮም ብሓንሳብ ክነብሩን ንደቆም ብጽቡቕ ከዕብዩ ዝኽእሉ። ናይ ሓንቲ ስድራ ጽንዓት ዝርአ መጠን አብ መንጎ አባላታ ዘሎ ቅንዕና እዩ።
ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዘይቅንዕና፡
ገለ ሰባት ጻዕዳ ሓሶት (ንእሽቶይ ዘይቅንዕና) ከምቲ ምሉእ ሓሶት ጸገም አይኮነን እናበሉ ዝዛረቡ አለዉ። እንተኾነ አብ ቅ. መጽሓፍ አብ መንጎ እዚ ክልተ ፍልልይ ከምዘየሎ ዝሕብር የለን። ሓሶት ርግጽ አብ ዘስዕቦ ጉድአት ክፈላለ ይኽእል እዩ እንተኾነ ሓሶት ሓሶት እዩ። “ሓሳዊ አብ ቤት መንግሥተይ አይክነብርን እዩ፥ግብዝ ምሳይ አይክነብርን እዩ” መዝ. 101፡7።
ኢየሱስ ዘይቅንዕና ሓደ ካብቲ ንሰብ ዘይእሙን ዝገብሮ እዩ ይብል።
“እቲ ንሰብ ዘርክሶ እቲ ኻብ ሰብ ዝወጽእ እዩ፥ ምኽንያቱ ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ፥ ምንዝንርና፥ ስርቂ፥ ቅትለት፥ ዝሙት፥ ስስዕቲ፥ ክፍአት፥ ተንኮል፥ ስድነት፥ ቅንኢ፥ ሕሜት፥ ትዕቢት፥ ዕሽነት ይወጽእ” ማር 7፡20~22።
ጉቦ/ብላዕ/ብልሽውና፡
አብ መንጎ ሰባት ገለ ነገራቶም ክሰልጦም ክዕወቱ ኢሎም ብላዕ ጉቦ ብገንዘብ ወይ ብዝኾነ ህያብ ዝህቡ አለዉ። እዚ ብልሽውና ወይ ጉቦ፥ ብላዕ ንብሎ። አምላኽ እዚ አብ ቅድሚ ሰባት ክፍጸም አይደልን እዩ። ግቦ ክውሃብ እንከሎ ንሓቂ ንደፍን አሎና፥ ንሕና እውን እቲ እንገብሮ ጌጋ ምዃኑ ንርዳእ ኢና እንተኾነ ንሓቂ ብገንዘብ ብህያብ ክንዕድጋ ንደሊ። ሓቂ ግን ብርእሳ እንተ ደፈንካያ ብእግራ ትወጽእ ከም ዝብሃል ንሓቂ ንግዚኡ ክንክውላ ክንደፍና ንኽእል ግን ሓቂ ውዒላ ሓዲራ ትወጽእ እያ።
“ኦ እግዚአብሔር አብ ድኳንካ ዚኃድር መን እዩ፥ አብቲ ቕዱስ እምባኻ ዚነብርከ መን እዩ፥ እቲ ብቕንዕና ዝመላለስን ጽድቂ ዝገብርን ብሓቂ ዝዛረብን፥ ብልሳኑ ዘይሓሚ ንመሓዝኡ ገለ ክፉእ ዘይገብሮ፥ ስም ብጻዩ ዘየጸልም፥ ነቶም እግዚአብሔር ዝጽየፎም ሰባት ዚንዕቕ፥ ነቶም ንእግዚአብሔር ዝእዘዙ ዜኽብር ዚጎድኦ እኳ እንተ ኾነ ነቲ ዝመሓለሉ ዘይልውጦ፥ ገንዘብ ብሓረጣ ዘይህብ፥ ንንጹሕ ኪጎድእ ኢሉ መማለዲ ዘይቅበል ሰብ እዩ” መዝ. 15፡1~5።
ቅንዕናን አምላኽን
“እግዚአብሔር ንሓሰውቲ ይፍንፍኖም፥ በቶም ቃሎም ዘይጠልሙ ግን ይሕጎስ” መጽ. ምሳሌ 12፡22። ዘይቅኑዕ ተግባራት አምላኽ አይፈትዎን እዩ። አብ ባህርይ አምላኽ ክንርኢ እንተኾና አብኡ ዘይቅኑዕ ነገር የለን ንሱ ብርእሱ ሓቂ እዩ። ንኹልና ብቅኑዕ መገዲ ይመርሓና። አብ ቅድሚኡ ኩልና ብሓደ ዓይኒ ኢና እንርአ ወላ እውን ቅዱስ ሕይወት ይሃልወና ምስቲ ዝኸፍአ ሓጥእ አብ ቅድሚ አምላኽ ብሓደ ዓይነት ኢና እንርአ። ቅዱሳት ስለ ዝኾና ዝያዳ አይፈትወናን እዩ። ኩሉና ናቱ ክንከውን ኩሉ አፍደገ ምሕረቱ ክፉት እዩ። አብ መዓልታዊ ጉዕዞ ሕይወትና ነቲ ንሱ ዝደልዮ ቅኑዕ ሕይወት ሒዝና ክንጉዓዝ ናታትና እሽታን ድለትን የድሊ ስለዚ ከይንዝንግዕ ምስትውዓል የድልየኒ ጓል መገዲ ሒዝና መገዲ አምላኽ ከይንጠልም ምስትውዓል የድሊ። ንሱ ኩሉ ጊዜ አብቲ ሓቂ ጸኒዕና ክነብር እዩ ዝደልየና።
“ነውኅ ኽትዕቅን ከሎኻ፥ ክብደት ክትመዝን ከሎኻ፥ ብዝኂ ኽትሰፍር ከሎኻ አይትዓምጽ። ቅኑዕ መለክዒ፥ ቅኑዕ ሚዛን፥ ቅኑዕ መስፈሪ፥ ይሃልኹም፥ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውፃእክኹም አነ እግዚአብሔር አምላኽኩም እየ” ዘሌዋ. 19፡35~36።
ሓሰውቲ አብ መንግስቲ አምላኽ አይክአትዉን እዮም።
“እቶም አኽላባትን ጠንቆልትን አመንዝራታትን ቀተልቲ ሰብን መምለኽቲ ጣዖትን፥ ኩሎም እቶም ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ግና ኻብታ ኸተማ ወፃኢ እዮም” ራእይ 22፡15።
አብዚ ዓለም ዘይቅኑዕ ሕይወት ዝነብር እሞ ርእሱ አብ ምትላልን ብሓሶት አብ ምምራሕ ዝነብር አብ ቅድሚ አምላኽ አብ መንበር ክብሪ ክአቱ አይክእልን እዩ። አብዚ ምድራዊ ሕይወት ከሎና ጥራሕ እዩ ጉዳይና ዝውዳእ። በዚ አብዚ ዝነበርናዮ ሕይወት ኢና አብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ አምላኽ እንቐውም እቶም ብሓሶት ዝነብሩ እንተ ዘይተነስሑ ዕጭኦም ንኩነኔ እዩ።
እግዚአብሔር ዝጸልአንን ዝፍንፍነን ሽድሽተ ነገራት አለዋ። ዕቡይ ዓይኒ፥ ሓሳዊት መልሓስ፥ ንጹሕ ደም ዘፍስሳ አእዳው፥እኩይ ምኽሪ ዝፍሕስ አእምሮ፥ እኩይ ነገር ንምግባር ዝቕልጥፍ አእጋር፥ ሓሶት ዝዛረብ ሕሳዊ ምስክር፥ አብ መንጎ አሕዋት ባእሲ ዚዘርእ ሰብ” መጽ.ምሳሌ 6፡16~19። እግዚአብሔር አብ ሕይወትና እቲ ዝለዓለ ቅንዕና ሒዝና ክነብር እዩ ዝደልየና። እዚ አብ ዕለታዊ ሕይወትና አብ ግብሪ ክነውዕሎ፥ አብ ነነድሕድና ብቕንዕና ክንመላለስ እዩ ዝደልየና።
ቅኑዕ ምዃን ብቅንዕናን ብሓቅን ሕይወትና ክንመርሕ ከሎና ዘሎና ሓላፍነት ብዘየገድስ ኩሉ ጊዜ ሰላም ምርድዳእ ከምኡ ቅሱን ሕይወት ንነብር። ሰብ ጸገም ዝበዝሖ ንሓቂ ዝደፍን፥ ንቕኑዕ መገዲ ሓዲጉ አብ ረብሓ ርእሱ ንኻልኦት ክዕምጽ ምስደለየ እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ አነ ሓቅን ሕይወትን መገድን እየ ይብለና አብ መገዲ እንተ ተጎዓዝና አብ ቅኑዕ መገዲ አሎና ዘረብኡን ትምህርቱን እንተ ሰማዕና ሓቂ አባና አላ። ሕይወት ክነርክብ እንተ ደለና መገዲ ኢየሱስ አይንሕደግ። ሓቂ ነጻ ክተውጽአኩም እያ ይብለና። ነቲ ሓቂ ሒዝና እንተ ነበርና ነቲ ቅኑዕ ነገር ጥራሕ እንተ ገበርና ቅሳነት አብ ሕይወትና አሎና። አብ ልቡ ሓንቲ ክፍአት ዘይብሉ ጥራሕ እዩ ቅሱን ሰላም ዝነብር እምበር ዓመጽ ዘብዝሕ ዘይናቱ ዝወስድ ንኻልኦት ናቶም ከሊኡ ንርእሱ ጥራሕ ገቢቱ ዝሕዝ አብ ጊዝያዊ ሓጎስ እዩ ዘሎ ግን ድሕሪ ሓጺር እዋን ሓጎሱ አብ ሓዘን እዩ ዝቕየር።
ኦ ኢየሱስ ጎይታና ነቲ ንስኻ ዘምሃርካን መገዲ ሒዝና ክንጉዓዝ ሓግዘና ንሓቂ ንቅንዕና ዕጣቕ ሕይወትና ገርና ክንጕዓዝ ሓግዘና ጸጋኻ ሃበና። ንሓቂ ደፊርና ክንዛረብ አብ ዝኾነ እዋን ሓቀኛታት ክንከውን መንፈስ ቅዱስካ ስደደልና። ከምቲ ንቀዳሞት አቦታትና ክርስትያን ንሓቂ ሒዞም ንዓለም አባኽ ዝመለሱ ሎሚ እውን ንሕና ንዓለምና አባኻ ክንመልሳ ሓግዘና ንበሎ
አምላኽ ባዕሉ ጸግኡ የውርደልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.