2012-09-29 15:15:15

ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ኣብ ሎሬቶ


ናይ ቤተ ጳጳስ ኅየንተ ሰነድ ከምዝሕብሮ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ንፍፈለማ ግዚ ገና ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት እንከለዉ ዕለት 20 መስከረም 1900 ዓ.ም. ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ብዓመት ኢዮቤል ምኽንያትን ድሓር እውን ኣብ ፈረንሳ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ከይኖም ዘገልግልሉ ኣብ ዘነርሉ RealAudioMP3 እዋን ዕለት 27 መስከረም 1950 ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ከምዝፈጸሙ ክፍለጥ እንከሎ፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ምስ ተሓርዩ ዕለት 10 ታሕሳስ 1959 ዓ.ም. ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያዊ ምብጻ ንኽፍጸሙ መደብ ምስ ተሓንጸጸ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣክንደኦም ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ኣጋጂያኒያን ናብቲ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርይዊ ምብጻሕ ድሕሪ ምፍጻም፣ ልክዕ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዕለት 2 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያዊ ዑደት ንኽፍጸሙ ብመደብ ተታሒዙ እንከብቅዕ ሎሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 2 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ሕትመቱ እቲ ሓዋርያዊ ዑደት ንዕለት 4 ጥቅምቲ ተሰጋጊሩ እንክብል ከምዝሓበረ እንክዝከር፣ ኣብ ኣሲዚ ሓጺር ሓዋርያዊ ዑደት ብምፍጻም ዝተሰነየ ዕለት 4 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያዊ ዑደት ከም ዝፍፈጸሙን ሎሬቶ ማርያማዊ ቁዱስ ስፍራ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ዝርከቡ ቅዱሳት ስፍራ እጹብ ጽማሬ ቢሎም ከምዝገለጽዎ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ኅየንተ ሰነድ የረጋግጽ።
እዚ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሎሬቶ ድሕሪ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ታሽዓይን ኣብ 1857 ምብጻሕ ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ዝኽሪ መበል 105 ዓመት ምኽንያት ዝተፈጸመ ምዃኑን ኣብ ሎሬቶ ኣብቲ እዋን ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ኣንቶኒዮ ሰኚን ናይ ኢጣሊያ መራሔ መንግስቲ ፋንፋኒን ናይ ቤተ ክርስትያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ዜጋታትን ኣባላት ሓይሊ ጸጥታን ምዉቕ ኣቀባብላ ከምእተገበረሎም ዝጠቕስ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ኅየንተ ሰነድ ኣስዒቡ፣ ብፁዕ ዮሓስን መበል 23 ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ናይቲ ቅዱስ ስፍራ መሰረታዊ መልእኽቲ ኣብ ዝኾነ ምስጢረ ትስብእትን ጸዋዕታ ቅድስና ስድራ ቤትን ጸዋዕታ ቅድስና ዕለታዊ መነባብሮን ዘማእከለ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘስምዑ የዘኻኽር።
ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብዝተፈላለየ መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ምኽንያት ዝርከብሉ ስፍራ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ ቢሎም ገሊጾም፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሎሬቶ እኖ ቅድስት ድንግል ማርያም ንናይ ሰናይ ጅማረን ከይድን ፍጻሜን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከተማልድ ኣሚቶም ምእንቲ ክብራ ዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ዕደት ኢዩ ቢሎም ከምዝገለጹን፣ “ኦ ማርያም እኖ ጎይታና ኢየሱስን እኖናን ኣብ ቅዱስ ስፍራኺ ንኣኺ ቀዳመይቲ ኮኸብ ካልኣይ ጉብኤ ቫቲካን ዝዀንኪ ምእንቲ እቲ ንኽጅመር ተወሲኑ ዘሎ ኩላዊ ትጽቢታት ዝተበሮ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሰናይ ከይዲ ብተአማንነት ክንበር እጹብ ብርሃን ከተማልዲ ናባኺ ንምሕጸን” ቢሎም ከምዝጸለዩ የመልክት።
ድሕሪ ፍጻሜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ተመባጺዖም ከምዝነበሩን ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኑ ምድራዊ ጉዕዞኦም ቅድሚ ፍጻሜ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብምንባሩ ድማ እቲ ዝኣተውዎ መብጽዓ ብናይ ቅድስቲ መንበር ትኩእ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ደላኵዋ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ናይ ሕይወቶም መወዳእታ ዘመን ውፉይነት ንእኖ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ ጳጳስዊ ናይ መስቀል ማዕተቦምን ናይ እኖ ማርያም ዘ ሎሬቶ ምስሊ ዝተነብሮ ጳጳሳዊ ካትሞምን ንማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሎረቶ ከም ገጸ በረከት ከምዝለገስዎ ናይ ጳጳሳዊ ቤት ኅየንተ ሰነድ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.