2012-09-29 13:13:43

ሥርዓተ አምልኾ ክርስትያን ምስ እግዚአብሔር ዝራኸቡሉ ዓቢይ ፍጻሜ ኢዩ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ትማል ሮቡ ዕ አብቲ ልሙድ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡ ዕ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ነቲ ካብ አዋርሕ ጀሚሮም ብዛዕባ ጸሎት ዝህብዎ ዘለው አስተምህሮ ብምቅጻል “ሥር ዓተ አምልኾ ዝ ዓበየ ቤት ትምህርቲ ጸሎት ኢዩ” እንክብሉ ትርጉም ሥርዓተ አምልኾ አብ ሕይወት ክርስትያን ምንጪ ጸሎት ኮይኑ እግዚአብሔርን ደቂ ሰብን ዝራኸቡሉ ናይ ተዋስኦ እግዚአብሔርን ደቂ ሰብን ምዃኑ ገሊጾም፣ አብዚ ርክብ እዚ ከአ እቲ ብአፍና እንብሎን አብ ልብና ዘሎን ክሰማማዕ ከምዘለዎ እውን አዘኻኺሮም፣
አብዚ ድሕሪ ናይ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ አብ ወርኂ ሓምለ ዝጀመረ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ንመጀመርያ ግዜ አብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኻየደ አስትምህሮ ቅዱስነቶም “ሥርዓተ አምልኾ ክርስትያን ምስ እግዚአብሔር ዝራኸቡሉ ዓቢይ ፍጻሜ ኢዩ፤” ድሕሪ ቢሎም ናይዚ ቀንዲ ቀላሲ ከአ መንፈስ ቅዱስ ስለዝኾነ ብመንፈስ ቅዱስ ክትህነጽ ግድን ከምዝኾነ አብ ዝሓለፈ አስተምህርቶታት ዝህብዎ ትምህርቲ አዘኻኺሮም፣ ኮይኑ ግን ከመይ ገቢርና ብመንፈስ ቅዱስ ከምንሕነጽ ባዕሎም ሓቲቶም ባዕሎም እንክምልሹ “ነዙይ ንምግባር ቀዳማይ ትምህርቲ ጸሎት ቃል አምላኽ ቅዱስ መጽሓፍ ኢዩ፤ ቅዱስ መጽሓፍ ከአ ብምሉኡ ቀጻሊ ተዋስኦ መንጎ እግዚአብሔር ደቂ ሰባትን ኢዩ፣ ኮይኑ ግን አብዚ ካልእ አድላይን ክቡርን ምንጪ ተዋስኦ ምንጪ ጸሎት አሎ፣ እዚ ከአ ሥርዓተ አምልኾ ኢዩ፣ ትርጉም ናይዚ ከአ ከምቲ ሓዲስ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከምዝገልጾ “ብጥንቱ እዚ ሊጡርጊያ ወይ ሥርዓተ አምልኾ ዝብል ሕዝባዊ ትግባር ወይ ብስም ሕዝቢ ምእንቲ ‹ሕዝቢ ዚፍጸም ግብረ አግለልግሎት” የስምዕ ምስ በሉ “ከም ሓቁ ከአ ሕዝበ እግዚአብሔር ብምትእሣር ደም ወይ መሬት ወይ ሃገር አይኮነን ዝቀውም እንታይ ደአ ካብቲ ናይ ወልደ እግዚአብሔር ተግባርን ካብቲ ንሱ ምስ እግዚአብሔር አብ ዘውረሰና ሲታፌን ይውለድ” እንክብሉ ኩሉ ተግባር አምላኽ ምዃኑ ገሊጾም፣
ካብዚ ብምቅጻል ቅዱስነቶም ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ቅድሚ 50 ዓመታት ቀዳማይ እጃም ሥራሑ ብሊጡርጊያ ዝጀመረሉ ብሃውሪ ዘይኮነስ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ቅኑዕ ምርጫ ከምዝነበረን ፍጹም ቀዳምነት እግዚብሔር ከአ ከምዝበርሃሎም ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣ “ቅድሚ ዝኾነ ነገር እግዚአብሔር ኢዩ፣ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ብሊጡርጊያ ምጅማሩ ከአ ነዚ የብርሃልና፣ ጠመተና ናብ እግዚአብሔር እንተዘይገርና ኩሉ አንፈቱ የጥፍእ፣ መሠረታዊ መምዘኒ ሊጡርጊያ ናብ እግዚአብሔር ምቅናዑ ኢዩ ከምዚ ብምግባሩ ከአ አብቲ ተግባር እግዚአብሔር ዝኾነ ሥር ዓተ አምልኾ ንሳተፍ”፣
ቀጺሎም ቅዱስነቶም እዚ ክንሳተፈሉ ንዕደሞ ዘሎና “ሥራሕ ወይ ተግባር እግዚአብሔር” አየናይ ኢዩ ቢሎም ይሓቱ፣ “መልሱ ከአ እቲ ብሥር ዓተ አምልኾ ብቤተ ክርስትያን ዝፍጸም ናይ ጐ.ኢ.ክ ተግባር ኢዩ፤ እዚ ከአ ብቀንዱ አብቲ ነቲ ዘድኃነና መባእ መሥዋዕቲ ናይ ወልደ እግዚብሔር ሕያው ዝግበር ምሥጢረ ቅዱስ ቍርባን፤ አብቲ ካብ ሞት ኃጢአት ናብ ሓዲስ ሕይወት ዘሰጋግረና ምሥጢረ ንስሐን አብቶም ዝቅድሱና ካልኦት ምሥጢራትን ብምስታፍ ኢዩ” እንክብሉ ምሥጢረ ፋሲካ ማእከል ትምህርቲ ንባበ መለኮት ሥርዓተ አምልኾ ናይ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ምዃኑ ብምግላጽ ክርስትያን ነቲ ብአፉ ዝዛረቦን አብ ልቡ ዘሎን ከወሃህዶ ከምዘለዎ ሓደራ ቢሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.