2012-09-29 15:10:14

መደብ ሓዋርያዊ ዑደት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ሎረቶ


ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ዕለት 4 ጥቅምቲ 1962 ዓ.ም. ኣብ ዋዜማ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ታሪኻዊ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝፈጸሙን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዕለት 8 መስከረም 1979 ዓ.ም.ን ዕለት 11 ሚያዝያ 1985 ዓ.ም.ን፣ ዕለት 10 ታሕሳስ 1994 ዓ.ም.ን ካብ ዕለት 9 ክሳብ ዕለት 10 መስከረም 1995 ዓ.ም.ን ከምኡ እውን ምድራዊ ጉዕዞኦም ቅድሚ ምፍጻሞም ናይ RealAudioMP3 መወዳእታ ሓዋርያዊ ዑደት ዕለት 5 መስከረም 2004 ዓ.ም. ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ብምክያድ፣ ብጠቕላላ ኣብ ሎረቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ንሓሙሽተ ጊዜ ሓዋርያዊ ዑደት ከምዝፍፈጸሙን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመጋባእያ መንሰያት ኢጣሊያ ምኽንያት ካብ ዕለት 1 ክሳብ ዕለት 2 መስከረም 2007 ዓ.ም.ን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኵይኖም ቅድሚ ምሕራዮም ንሸውዓተ ጊዜ ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸሙ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስነቶም ዕለት 4 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምኽንያት ኣብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ምዃኖም ሓቢሩ፣ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ናይ ንጎሆ ሰዓት ትሽዓተ ብሄሊኮፕተር ካብ ሃገረ ቫቲካን ነቒሎም ሰዓት 10 ኣብ ሞንቶሮሶ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ብናይ ሎሬቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ቶኑቺን ብናይ ኢጣሊያ ምኽትል መራሔ መንግሥቲ ዶክተር ኣንቶኒዮ ካትሪካላ ብዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽትን ብናይ ማርከ ክፍለ ሃገር ሊቀ መንበር ክቡር ጃንማሪዮ ስፓካን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስቲ ኢጣሊያ ክቡር ኣቶ ፍራንቸስኮ ማሪያ ግረኮን ኣብ ኢጣሊያ ብናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ኣድሪያኖ በርናርዲኒን ኣብ ኣንኮና ናይ ኢጣሊያ መንግስቲ ኅየንተ ዶክተር ፓውሎ ኦሬይን ብናይ ሎሬቶ ከንቲባ ዶክተር ፓውሎ ኒኮለትን ናይ ክፈለ ሃገር ኣንኮና ላዕለዋይ ሕዝባዊ ወኪል ዶክተር ፓቲሪዚያ ካሳግራንደን ብናይ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ዋና ኣመሓዳሪ ዶክተር ፍራንቸስኮ ፒየርፓውሎ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፣ ናብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ በጺሖም፣ ሰዓት 10ን ርብዕን ኣብ ቅርዓት ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ሎሬቶ ብናይ ሎሬቶ ከንቲባ ናይ ዕንቋዕ ደሓም መጻእኩም መልእኽቲ ቀሪቡሎም ናብ ውሽጢ ማርያማዊ ቤተ መቕደስ ኣትዮም ብፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ካፑቺ ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ማውሮ ዥህሪ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልኽት ዝተሰነየ ካብ ናይ ሎሮቶ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ ማሕበረሰብ ፍራንቸስካውያን ንኡሳን ኣሓው ካፑቺን ምዉቕ ኣቀባብላ ምስ ቀረበሎም ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ኣስተንትኖ ፈጺሞም ልክዕ ሰዓት 10ን ፈረቓን ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነን ብናይ ሎሬቶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ቶኑቺን ብናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሳልቫቶረ ፊሲከላን ብናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች ተዓጂቦም ምእንቲ ክብሪ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ሎሬቶ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ሰዓት 12ን ፈረቓን ብመኪና ናብቲ ኣብ ሞንቶሮሶ ዝርከብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ነቒሎም ሰዓት ሓደን ፈረቓን ኣብ መኣዲ ምሳሕ ተቛዲሶም ሓጺር ዕረፍቲ ገይሮም ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን ድሕሪ ቐትሪ ነቶም ናይዚ ሓዋርያዊ ዑደት ኣሰናዳእቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ንሰዓት ሓሙሽተን ርብዒ ጎደል ድሕሪ ቐትሪ ካብ ናይ ሎሬቶ ሰበ ስልጣናትን ምእመናንን ደናግል ካህናትን ተሰናቢቶም ሰዓት ሓሙሽተ ድሕሪ ቐትሪ ካብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ማእከል ብሄሊኮፕተር ተሳፊሮም ሰዓት 18 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ክበጽሑ ምዃኖም ገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.