2012-09-27 13:52:46

ፓኪስታን፦ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ሓባራዊ ድላይ


ኣብ ፓኪስታን ከተማ ላሆር ናይ ምስልምናን ክርስትናን ሂንዱን ሃይማኖት መራሕቲ ብሓባር እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብውልቀ ሰብ ተደሪሱ ንምርኢት ዝቐረበ ናይ ምስልምና ሃይማኖታዊ ስምዒት ዝትንክፍ ጸረ ምስልምና ሃይማኖት ተባሂሉ ዝንገረሉን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተቓውሞ ዝቐረበሉን RealAudioMP3 ንናይ ማሕበራዊ ሰላማዊ ናብራ ሓደጋ ኮይኑ ዘሎ ብሓባር ኮኒኖም ናይ ኵለን ሃይማኖታት ክብሪ ክሕሎን ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ደረጃ ሃይማኖት ምርካስ ዝኹንን ውሳኔ ከጽድቕ ጻውዒት ከምዘቕረቡ እንክሕበር፣ ኣብ ላሆር ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዘተን ናይ መላእ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ተበግሶ ዘነቓቕሕ ማሕበር ኣብ ዝጠለቦ ጉባኤ ዝተሳተፉ ኣብ ፓኪስታን ናይ ዝረከባ ናይ መላእ ሃይማኖታት መራሕቲ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምዃኑ ይንገር።
ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ፓኪስታን ከተማ ማርዳን ዝተሓንጸ ቅዱስ ጳውሎስ ቤተ ክርስትያን ብኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብባርዕ ሓዊ ከምዝዓነወ እንክፍለጥ፣ ኣብ ፓኪስታን ናይ መላእ ሃይማኖት መራሕቲ ብሓባር ጸረ ሃይማኖት ዝኣመተ ንዕቐትን ምክፋእን ክውገድ ከምዚ ዓይነት ጸረ ሃይማኖት ተግባር ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ክኹነን ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ተጸኒዑ ናይ ገዛእ ርእሱ ውሳኔ ክረጋገጽ ጻውዒት ከምዘቕረቡን፣ ናይ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ሓልዮ ዘተን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ኢናያት በርናርድ ነቲ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ሃይማኖታዊ ስምዒት ዘጥቅዕ ዝተቐርጸ ምርኢት ኰኒኖም ንዅሎም ንናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓብቲ ቀረባ ምዃኖም ሓቦሮም ውሁድ ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራ መታን ክረጋገጽ ናይ ኩለን ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተን መንፈሳዊ መርሃ ግብርታትን ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ፣ ኣብ ፓኪስታን ናይ ዶመኒካውያን ማሕበር ሓለቓ ኣባ ፓስካል ፓውሉስ ናይ ሓባር ናይ መላእ ሃይማኖት ኣኽብሮት ኣድላይ እዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።
ናይ ሲክ ሃይማኖት መራሒ ሳርዳር ሲንግ ተርነጂት ብወገኖም፦ መሰል ሓሳብካን ርእይቶኻን ምግላጽ ብሓላፍነት ምጥቓም ይግባእ” እንክብሉ፣ ናይ ሂንዱ ሃይማኖት መራሒ ብሃጋት ላል “ናይ ዝኾነ ይዅን ሃይማኖት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘይምኽባርን ሕድ ሕዳዊ ምንዕዓቕን መሰረት ዘይ ስኒት እዩ። ኢሎም። ናይ ሃይማኖት ምስልምና መራሒ ኣላማ ሙሃማድ ታሂር ባግዳዲ ዝኾነ ይዅን ተቓውሞ ብሰላማዊ መገዲ ጥራሕ ኢዩ ክረጋገጽ ዘለዎ። ማንም ካልእ ካብኡ ዝተፈለየ ሰብ ከጥፍእ መሰል የብሉ” ከምዝበሉ ክምልከት እንከሎ፣ ብኡርዱ ቋንቋ ዝሕተም ሽዳብ እተሰምየ ወርሓዊ መጽሔት ዋና ኣሰናዳኢ ካንዋል ፎሮዘ ቅድሚ ሕጂ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ዘርክስ ትርኢት ምኽንያት ማህበረሰብ ክርስትያን ተቓውሞኦም ብሰላማዊ መገዲ ከምዝገለጹ ዘኪሮም፣ ሃይማኖተይ ተተንኪፉኒ ዝብል ዝዀነ ይዅን ሰብ ተቓውሞኡ ብዘይ ጎነጻዊ መገዲ ከስምዕ ኣለዎ። ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.