2012-09-27 13:44:44

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ፦ ርክባት ስነ ሜላ ቅድስቲ መንበር ንናይ ሕዝብታት ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእ


ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ስነ ሜላ ዕማምን ስፍሓት ፍጻሜታቱን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ቅድሚ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ስፐይን ከተማ ባርቸሎና በቢ ዓመቱ ኣብ ናይ ስነ ርክባት ከይዲ ዓቢ ኣስተዋጽዖ ካብ ዘበርከቱ ውልቀ ሰባትን RealAudioMP3 ተቛማትን ማሕበራትን ብፍሉይ ሓርዩ ዝህቦ ዓለም ሓቆፍ ናይ ባርቸሎና ልዑል ስልማት ብቑዕ ቢሉ ሓርዮዎም ነቲ ስልማት ኣብ ንጉሳዊ ቅድስቲ ማርያም ዘ ፐድራልበስ ገዳም ተረኺቦም እንቕበሉ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “ቅድም ቀዳድም እቲ ስልማት ንናይ ርክባት ስነ ሜላ ቅድስቲ መንበር ምስ ሕዝብታት ዓለም፣ ብቕዓቱን ጻዕርታቱን ውጽኢታቱን ኣፍልጦ ዝሃበ ኢዩ” ቢሎም “ምስጋና ኣቕሪቦም ርክባት ስነ ሜላ ቅድስቲ መንበር ንናይ ህዝብታት ሕድ ሕዳዊ ምርድዳእ ዝኣመተ ከምዝኾነ” ኣነጺሮም፣ “ብብዙሓት ኣካላት እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባት ሜላ ጥንተይና ዕድሎቱ ሃሳስን ተረሳዕን እዩ እናተባህለ ዝንገረሉ ብዙሕ ርድኢትን ተቐባልነት ዘይብሉ ኰይኑ ዝርአይ እውን እንተመሰለ፣ ቤተ ክርስትያን ናይ ግዜ ምልክት ኰይና ኣብ ክውንነት ዝተመርኰዘ ማለት ክውንተይና ንእዋናዊ ሕጹጽነት ብቑዕ መልሲ ዝህብ ከምዝኾነን ናይ ህዝብታት ዕብየትን ኣብ መንጐ ሃገራትን ሕዝባታት ፍትሕን ምትሕብባርን ሰላምን ዘነቓቕሕ ንናይ ሕዝብታት ምርድዳእ ዝኣመተ፣ በዓል ዓቕልን ትዕግስተይናን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ሃገራት ሉኣላውነት ግምት ዝህብን ናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ሰናይ ማለት ናይ ሓባር ጥቕሚ ዝከላኸል ቅኑዕን ሰብኣውነትን ዝዓሰሎ መገድታት ብዘይ ምቁራጽ ዘናድይ እዩ፣ ከምዝበሉ ነቲ ናይ ስልማት ምቕባል ስነ ስርዓት ዝተኸታተላ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ ርክባት ስነ ሜላ ፍጻሜ፦ “ምርግጋጽ ናይ ሓባር ጥቕምን ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ምርድዳእን” ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ሓቢሮም፣ ስፐይን ካብተን ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስተን ዘቖማ ምስ ሃገረ ቫቲካን ርክብ ካብ ዘለወን ሃገራት ጥንታዊት ምዃና ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ትሕቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ቅድስቲ መንበር ልኡከ መንግስተን ዘቖማ ሃገራት ካብ 84 ናብ 170 ክብ ከምዝበለ ብፁዕነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ገሊጾም፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ርክብ ስነ ሜላ ፍጻሜ “ኵለን ሃገራት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ከኽብራን ኣብ ኵለን ሃገራት ክብሪ ሰብ ክሕሎን ዘተን ምክብባርን ነጻነትን ፍትሕን ሕውነትን ኣብ ምንቕቓሕ እዩ። ናይ ሕይወት ባህሊ ምስፋሕን ብዘይ ልላን ጉሌላን ናይ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ጸገም ክፍታሕን ማዕርነትን መሰል ሕዝብታት ንኽረጋገጽ ዝዓዪ ናይ ኣገልግልቶ መጋበርያ ምዃኑን፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ስነ ርክባት ሜላ ስኩፍ ኩነት ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕን ብሓባር ናይ ሓባር መራኸቢ ድልድል ንምሕናጽን ናይ ጸገማት መፍትሒ ንኽርከብ ዝሕግዝ እዩ”፣ ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጸን።
ንዘርኢ ሰብ ዘሳቕን ዝተፈላለዩ ወጽዓታትን ጸበባን ክውገድን ሳዕቤን ጸበባን ጭንቅን ማለት ድኽነትን ንግድ ኣደንዛዚ ዕጸዋትን ሽበራን ዓመጽን ምዝመዛን ዘይምርግጋእን ዘይውሕስነትን ኵሉ ዓይነት ዓመጽ ብምዅናን ንናይ ሰላምን ሕይወትን ባህሊ ሕንጸት ዝዓይን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባት ሜላ ዝነኣድ ምዃኑ እንክፍለጥ፣ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ዓለም ዘለዋ ርእየት ኣብ ሕዝብታትን ሃገራትን መንግስታትን ክሰርጽ ግድን ዘይትብል ምዃና ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ኣረዲኦም፣ ኮይኑ ግን ናይ ሰብኣዊ ሕይወት ሓልዮን ብሓደ ብሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ዝቐውም ቃል ኪዳን ዝወልዶ ስድራ ቤትን መሰል ወለዲ ናይ ደቃቶም ሃይማኖታዊ ሕንጸት ዕቃበን ዝብሉ ጉዳያት ኣብ ሕቶ ዘይኣቱ ኣመለኻኽታ ቤተ ክርስታይን ንሓደጋ ዘቃልዕ ናይ ሕብረተሰብ መሰረት ዘዕንው ምርጫ ብወግዒ ከምእትቃወሞን” ናይቲ እትስዕቦ መስርሕ መሰረተ ሓቅነቱ ንሕብረትሰብ እናገልገለት ከምእተቃልሖ” ገሊጾም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘጠቓለሉ ጂሶቲ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.