2012-09-25 13:11:27

ፓኪስታን


ኣብ ፓኪስታን ሃይማኖት ብምርካስ ገበን ተኸሲሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሔት ትሕቲ ዕድመ ፓኪስታናዊት ክርስትያን ሪምሻ ማሲሕ ብዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ተለቒቓ ክተጽንሕ ውሳኔ ዘመሓላለፈ ገብን ዘጻርይ ቤት ፍርዲ ብተወሳኺ ንሓደ ሰሙን ብዘካየዶ መርመራ ከኽስሳን ንማሰርቲ ከብጽሓ ዝኽእል መርትዖ RealAudioMP3 ብዘይ ምርካቡ፣ ናጻ ከምዝበላ ናይታ ተኸሳሲት ፓኪስታናዊት ዜጋ ጠበቓ ካቶሊክ ምእመን ካሃሊት ታሒር ሲንድሑ ዝሓብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ጠበቓ ሲንድሑ ናይ ፑንጃብ ወኪል ኣባል ሕዝባዊ ባይቶ ናይ ፓኪስታን መቕጽዒ ሕጊ ብፍላይ ብዛዕባ ክሲ እምነት ምርካስ ሊቅ ኣብ ልዕሊ ሪምሻ ማሲሕ ዝቐረበ ክሲ መሰረት ዘይብሉ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማሕቡስ ዝርከቡ ዓቢይ ሸኽ ሞሓማድ ካሊድ ጃዱን ቺሽቲ እታ ትሕቲ ዕድመ ክርስትያን ምእመን ማሲሓ ናይ ቂርዓን መጽሓፍ ብሓዊ ኣንዲዳ እንክብሉ ዘንቐሳቐስዎ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፣ እታ ናጻ ዝተባህለት ክርስትያን ትሕቲ ዕድመ ሪምሻ ማሲሕ ካብ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ደቂ ንስትዮ ድጋፍ ከምዝቐረበላ ኣመልኪቱ።
ኣምና ኡልፋት ናይ ፑንጃብ ተመራጺት ኣባል ሕዝባዊ ባይቶ ፓኪስታን፣ ሪምሻ ማሲሕ ቅድም ቀዳድም ትሕቲ ዕድመን መሃይምነት ዘየጥፈኤት ዜጋ እያ። ናይ ክርስትያን ሃይማኖት ሰዓብቲ ዜጋታት ፓኪስታን ልክዕ ከም ቅዱስ መጽሓፎም ቅርዓንን ናይ ካልእ ሃይማኖት ሰነዳት ዘኽብሩ እዮም ከምዝበላን፣ ማሕበር ሓልዮ ደቀ ንስትዮ ሊቀ መንበር ናቪድ ኣንጁም ማእሰርቲ ሪምሻ ኢሰብኣዊ ተግባር እዩ፣ በንጻሩ ዘይፈጸመቶ ገበን ፈጺማ እንክብሉ መሰረት ዘይብሉ ክሲ ዘቕረቡ ንፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም ኣንክብላ፣ ኣብ ፓንጃብ ንናይ ፓኪስታ ሕዝባዊ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ሓላፊትን ናይ ፓኪስታን ሕዝባዊ ባይቶ ኣባል ፋይዛ ማሊክ ብወገነን ተመሳሳሊ ሓሳብ ከምዘቃልሓ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ሰዓቢት ሃይማኖት ምስልምና ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ኣባል ታሂራ ኣብዱላሕ ዝኾነ ይዅን ትሕቲ ዕድመ ዜጋ ሃይማኖት ምርካስ ብዝብል ክሲ ተኸሲሱ ንፍርዲ ምቕራብ ብመሰረቱ ጌጋን ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት እዩ። ሪምሻ በዚ ገበን ተኸሲሳ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክትጸንሕ ምግባሩ ንገዛእ ርእሱ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ። በኸምዚ ዓይነት ክሲ ዝተኸሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቅድሚ ምእታው ገበን ዘጻርይ ክፍሊ ሓይሊ ጸጥታ ብግቡእን ብብቕዓት ክምርምሮ ይግባእ ከምዝበላ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ፣ ደቂ ንስትዮ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና እቲ ኣብ ናይታ ሃገር መቕጽዒ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ ሃይማኖት ምርካስ ዝብል ዓንቀጽ ክመሓይሾ ጻውዒት ከምዘቕረባ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.