2012-09-25 16:32:50

መጥቃዕቲ ጸረ ቤ/ን ናይጀርያ፡


አብ ሰሜናዊ ናይጀርያ አብ ባውቺ ዝተባህ ቦታ ዝርከብ ካቶሊካዊ ካተደራል ብሐደ ርእሶም ለኪሞም ዘጥፍኡ አሻባሪ አባል ናይቲ ቦኮ ሐራም ዝተባህለ አሸባሪ ጉጅለ አባል ከም ዝተጥቅዔን ሰለስተ ሰባት ከም ዝተቀትሉን 46 ብጽንዑን ፈኲስን ከም ዝቆሰሉ ፌደስ አገልግሎት ዜና አፍሊጡ
እዚ ቦካ ሐራም ዝተባህለ ናይጀርያዊ አሸባሪ ጉጅለ አብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ጸረ ክርትስያን ተዋፊሩ ዘሎ ጉጅለ ምዕባራባዊ ትምህርቲ ርክሰት ኢሉ ከም ዝአምን ይነገረሉ ።
እቲ መጥቃዕቲ ምእመናን ቅድሴ ሰሚዖም ካብ ቤተ ክርስትያን ክወጹ ከለዉ ከም ዝተፈጸመ እቲ አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።
አብ ናይጀርያ ናይ ጆስ ሊቀ ጳጳስን ናይ ናይጀርያ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀ መንበርን
ብጹዕ ኣአቡነ ኢግናጽዩስ አያዩ ካይጋማ ነቲ ፍጽሜ መጥቃዕቲ ኮኒኖም ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ብአሽባሪ ጉጅለ ቦካ ሐራም ከም ዘይስንብድ መግለጺ ከም ዝህበኡ ፊደስ ኣአገልግሎት ዜና አመልኪቱ ።
ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ናይጀርያ ከም ዘመልክትዎ እዚ ቦኮ ሐራም ተባሂሉ ዝጽዋዕ አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ ዝተፈጥረ አሽባሪ ጉጅለ”ዚ አውራ ዓላምኡ አብ ናይጀርያ አብ ሞንጎ ክርስትያንን አስላምን ናዕብን ግጭትን ክፍጠር ኢዩ ።
ማሕበረ ሰባት ክርስትያንን አስላምን ናይጀርያ ነዚ አሽባሪ ጉጅለ ዝሐንጸጾ መደብ ስለ ዝነጸግዎ አብ ሞንጎ ህዝቢ ብፍላይ ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ራዕዲ ምፍጣር ተተሐሒዝዎ ከም ዘሎ ጠቂሶም ክአ ነዚ እኩይ ተግባሩ ንምስላጥ ካብ ወጻኢ ናይጀርያ ንዋታዊ ሐገዝ ከም ዝረክብ አሚቶም ።
ካብ ዝሐለፈ ወርሒ ጥሪ ቅድሚ ትሽዓተ ወርሒ አብ ሞንጎ መንግስታዊ ፖሊስን አባላት ቦ ኮ ሐራምን አብ ዝተኻየደ ግጭት 162 ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑ ምንጭታት ዜና ናይጀርያ አገንዚቦም ።
አብ ዝሐለፈ ቀረባ ግዜ አብ ከተማ ጆስ ወኪላት ክርስትያንን አስላምን ናይ ጣልያን ካናዳ ጀርመን ዓባይ ብሪጣንያ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ እስፓና ኤምባሲታት ወኪላት አብ ዝተረኽብሉ ብዛዕባ”ቲ አብ ናይጀርያ ሰላም ከሊኡ ዘሎ አሰባሪ ጉጅለ ቦኮ ሐራም ዘተ ከም ዝተኻየደ ክዝከር ከሎ ።
ነዚ አሽባሪ ጉጅለ ንምግታእ አብ ሕብረ ሰብ ናይጀርያ ውስጠ ባህላውን ሃይምኖታውን ዘተ ብምክያድ ህዝቢ ነዚ ነውራም ተግባር ቦኮ ሐራም ክነቅሐሉ ተባህሉ ከም ዝተደምደመ ይዝከር ።
ህዝቢ ናይጀርያ ብምልኡ ነቲ ብቦ ሐራም ዝዝውተር መጥቃዕት ከም ዝቃወሞን ሰላም ክሰፍን ከም ዝደልን ይገልጽ ከም ዘሎ ክአ ተነጊሩ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.