2012-09-22 16:05:09

ንሥድራ ቤት ምክልኻል ነቢያዊ ሥራሕ አቡናት ምዃኑ ተገሊጹ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንቪዚታ አድ ሊሚና ካብ ሃገረ ፈረንሳ ንዝመጹ ጳጳሳት ትማሊ አብ ካስተል ጋንደልፎ ሐዋርያዊ አደራሽ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብዎ ጊዜ “ቤተ ክርስትያን ንስድራ ቤትን ቃል ኪዳንን ካብ ዝኾነ ንሓቅነቶም ዘህሥስ ክትከላኸል ዝተጸው ዔት ስለዝኾነት ቤተ ክርስትያን ፈረንሳን ጓሶታን ከአ ነዚ ክከላኸሉ አለዎም” እንክብሉ ተማሕጺኖም፣
“ሕይወትን ስድራቤትን ምክልኻል ድሑርነት አይኮነን እኳ ደአ ትንቢታዊ ኢዩ፣ ምኽንያቱ ነቲ ብአርአያን አምሳልን እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ምሉእ ብሙሉኡ ክምዕብል ንዘድልዩ መሠረታውያን ነገራት ስልዝሕግዝ፣
ናይ ፍቅሪ ምሥጢር ሳክራመንቱም ካሪታቲስ እትብል መልእኽቶም ብምጥቃስ “ቤተ ክርስትያንን ማኅበረሰብ ብምሉኡን ካብ ቃል ኪዳንን ስድራ ቤትን ዓቢ መኽሰብ ስለዝረኽቡ ጉስነት ናይዚ አገዳሲ ኢዩ፣ ቃል ኪዳንን ስድራ ቤትን ክድንፍ ዑን ከተከላኸለሎምን ዘሎካ ተቅዋማት ኢዮም፣ ምኽንያቱ አብ ርእሲ እዚኦም ዝወርድ ዝኾነ በደል ንማኅበረሰብ ስለዘቍስል፣ ስለዚ ማኅበረ ክርስትያን ነዚኤን ጉዳያት እዚአን ክሕሉ ብርቱዕ ናይ ግብረ ተልእኮ ጐስጓስ የድሊ እንክብሉ አብ ናይ ዘመንና ኤውሮጳ ቤተ ሰብን ቃል ኪዳንን ፍሉይ ቆላሕታን ግብረ ኖልዎን ከምዘድልዮም ገሊጾም፣
ሎሚ አብ ሐዋርያዊ ግብረ ተል እኮ ቆሞሳትን ቍምስናታትን ሓደ ሓደጋ የንጸላሉ አሎ፣ እዚ ከአ ነቲ አገልግሎት ቍምስና ከም ሓደ ማንም ቤት ጽሕፈት ብምርአይ ናይ ግብረ ተልእኮ ቢሮክራሲ ይፍጠ አሎ፣ እዚ ነቶም ካብ ሥሩዕ ምምልላስን አገልግሎትን ቍምስናታት ርሒቆም ንዝርከቡ ምንጻል ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ንብር ነሮም ብጸሎት ምስ ጐይታ ክራኸቡ ዝጽ ዕሩ አይሕግዝን፣ ስለዚ ምእመናን ሓላፍነቶም ተሰኪሞም ብሕልፊ እቶም ጸዋዕታ አገልግሎት ዝስምዖም አብዚ አገልግሎት እዚ ክጽመዱ አዘኻኺሮም፣
አብዚ ግን ጥንቃቄ የድሊ ይብሉ ማለት አብ መንጎ መደበኛ ክህነትን ናይ ኩሎም ክርስትያን ክህነትን ዘሎ ፍልልይ ምርዳእ የድሊ፣ ብደረጃ ጥራይ ዘይኮነ ብባህሪኦም ክልቲኦም በብይኖም ኢዮም፣ ኮይኑ ግን ክተሓባበሩን ክተሓጋገዙን ከምዘለዎም አዘኻኺሮም፣ አብ መወዳእታ ቅዱስነቶም አብ ወርሒ ነሐሰ 2008 አብ ፈረንሳ ዝገበርዎ ሐዋርያዊ ምብጻሕ ብምዝካር አብቲ ጊዜ እቲ ሃገረ ፈረንሳ ድልዱል ናይ ክርስትና ሱር መሠረት ከምዝለዋ ከምዘስተብሃሉ በዚ ከአ ሕጂ እውን እንተኾነ ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል እውን ክድግፉን ዝተኻእሎም ከበርክቱን ከምዝኽ እሉ ዘለዎም እምነት ብምግላጽ ነዚ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል አብቲ ጽኑዕ ክርትያናዊ መሠረቶም ክሃንጽዎ አዘኻኺሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.