2012-09-18 13:31:05

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀርመለሳውያን ዘ እመ አምላክ ገዳም


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካብ ዕለት 14 መስከረም ክሳብ ዕለት 16 መስከረም 2012 ዓ.ም. መበል 24 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሊባኖስ እጠናቒቖም ናብ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ንኽምለሱ ካብ RealAudioMP3 ናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንበረ ፓትሪያርክ ነቒሎም በይሩት ናብ ዝርከብ ራፊቕ ሓሪሪ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ እግረ መንገዶም ንሓጺር ሓዋርያዊ ዑደት ኣብቲ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ገዳም ቀርመሎሳውያን ወላዲተ ኣምላክ ካብተን ሰለስተ ናይቲ ማኅበር መስራቲት ዝኾና ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድመኤን ተወላዲት ስፐይን ብናይቲ ገዳም ሓለቓ እናቴ ተረዛ ደ ኸሱስ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፣ ቅድም ኣብቲ ገዳም ናብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣትዮም ጸሎት ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፣ ነተን ኣብቲ ገዳም ዝርከባ ደናግል ናይ እመ ኣምላክ ምስሊ (ሕጻን ኢየሱስ ዝሓቖፈት) ለጊሶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ኣብ ሊባኖስ ቃና ንዝሕነጽ ሓድሽ ገዳም እምነ መሰረት ኣንቢሮም ከምዝባረኹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.