Home Archivio
2012-09-18 13:31:05
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቀርመለሳውያን ዘ እመ አምላክ ገዳም
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ካብ ዕለት 14 መስከረም ክሳብ ዕለት 16 መስከረም 2012 ዓ.ም. መበል 24 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ሊባኖስ እጠናቒቖም ናብ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ንኽምለሱ ካብ
ናይ ሶሪያ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንበረ ፓትሪያርክ ነቒሎም በይሩት ናብ ዝርከብ ራፊቕ ሓሪሪ ዓለም ሓቆፍ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ እግረ መንገዶም ንሓጺር ሓዋርያዊ ዑደት ኣብቲ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ሓድነት ገዳም ቀርመሎሳውያን ወላዲተ ኣምላክ ካብተን ሰለስተ ናይቲ ማኅበር መስራቲት ዝኾና ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድመኤን ተወላዲት ስፐይን ብናይቲ ገዳም ሓለቓ እናቴ ተረዛ ደ ኸሱስ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፣ ቅድም ኣብቲ ገዳም ናብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣትዮም ጸሎት ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፣ ነተን ኣብቲ ገዳም ዝርከባ ደናግል ናይ እመ ኣምላክ ምስሊ (ሕጻን ኢየሱስ ዝሓቖፈት) ለጊሶም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ኣብ ሊባኖስ ቃና ንዝሕነጽ ሓድሽ ገዳም እምነ መሰረት ኣንቢሮም ከምዝባረኹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.